ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብቲ ን20 ደቓይቕ ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን ዝርርቦም እንታይ ዘትዮም?
ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ብሰንበት ምሸት ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለው።
እዚ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ፡ "ሃናጺ" ዘተ ከም ዝነበሮም ማዕከን ዜና ፒኤ ጸብጺቡ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕን "ብፍላይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምጅማር መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ" ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።
"ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸዓት ምርግጋእ ንምርግጋጽ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም፡" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክዛረቡ ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።
ትማሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ባጫዊ ስእሊ ጠቂዑ።
ኣብዚ ስእሊ ስታርመርን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ደቪድ ላሚን ዝዋስኡሉ ስእሊ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝነበረ ዝርርብ ተሌፎን ይዛረቡ።
እቲ ንስታርመር ዝዋሳእ፡ "ዶናልድ እንተ ተቘጥዓኒኸ? እንታይ ክብል ላሚ?" ይብል።
ወሲኹ፡ "ኣብ ከቢድ ኵነታት'የ ዘለኹ፡ ላሚ። ሊዝ ትራስ ከመይ ጌራ'ያ ነዚ ስራሕ እተቕልሎ?"
ሊዝ፡ ቀዳመይቲ ምኒስትር ብሪጣንያ ነበር እያ።