ቼልሲ'ዶ ኣርሰናል? ግምታት ፕሪምየር ሊግ

ሎጎ
Published

ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ፡ ቼልሲ ምስ ኣርሰናል፡ ሊቨርፑል ምስ ቶተንሃም ከራኽብ እዩ።

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ሱተን፡ ውጽኢት ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ንምግማት ዝኸበዶ ይመስል።

ብፍላይ ሊድስን በርንማውዝን ዘካይድኦ ጸወታታት ንምግማት ተጸጊሙ እዩ።

ስለዚ ሎሚ ክልቲአን ክለባት ኣብ ዝራኸባሉ እዋን መን ከምትዕወት ይግምት ይኸውን?

ሊድስ ምስ በርንማውዝ

"ደገፍቲ ሊድስን በርንማውዝን ብግምተይ ሕጉሳት ኣይኮኑን" ዝብል ሱተን፡ "ክልቲአን እንተዝስዓራ ምተሓጎስኩ ነይረ" ይብል።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሊድስ ናብ ኣንፊልድ ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን ሊቨርፑል 6 ብ 1 ከም እትስዕራ ኣተንቢሁ ነይሩ። እንተኾነ ሊድስ ንሊቨርፑል ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ብዘደንቕ ብቕዓት 2ብ1 ረቲዓታ።

ሱተን፡ በርንማውዝ ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም 2 ብ 0 ክትመርሕ እኳ እንተኸኣለት፡ ኣብ መወዳእታ 3 ብ 2 ከምዝተሳዕረት ብብዝካር፤ ናይ ጽባሕ ጸወታ፡ ሊድስ ክትዕብለል ትጽቢት ይግበር ኢሉ።

ግምት፡ 2 - 1

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ፉልሃም

ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ብዘይ ኣጥቃዓይ ሃላንድ እያ ተጻዊታ።

ይኹን እምበር ሃላንድ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብዚ ጸወታ ብቐሊሉ ክትዕወት ​​እያ።

ሱተን ርግጸኛ ዘይኮነሉ ነገር እንተሃልዩ ፉልሃም ካብ ስዕረት ዘድሕና ሸቶ ክተመዝግብ ትኽእል ድያ ኣይትክእልን ዝብል እዩ።

ሓላዊ ልዳት ኤደርሰን ስለዝኾነ ፉልሃም ሸቶ ኣይተመዝግብን ይብል።

ግምት 3 – 0

ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ብሬንትፎርድ

ዝሓለፈ ሰሙን ኖቲንግሃም ፎረስት ብኣርሰናል 5 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣሰልጣኒ ስቲቭ ኩፐር ኣብ ተወዳዳርነት ጋንትኡ ሕቶ ኣልዒሉ እዩ።

ኖቲንግሃም ፎረስት ቅድሚ ምስ ኣርሰናል ምጽዋታ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ረቲዓታ እያ። ዝሓለፈ ሰሙን ብኣርሰናል ዘጋጠማ ዓቢ ስዕረት፡ ኣብ ሜድኣ ንብሬንትፎርድ ክትስዕራ ምዃና ጥርጣረ ፈጢሩለይ ይብል።

ብሬንትፎርድ ኣብዚ ዓመተ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ገና ዓወት ኣይረኸበትን። ምስዚ ክልቲአን ክለባት ብማዕረ ክፈላለያ እየን።

ግምት፡ 1 -1

ዎልቭስ ምስ ብራይተን

ዝሓለፈ ሰሙን ዎልቭስ ካብ ብሬንትሮድ ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ ተቓሊሳ እያ። ከም ጋንታ ግን ድኽምቲ ኣይትመስልን።

ዎልቭስ፡ ድየጎ ኮስታ ብቀይሕ ምውጽኡ ስለዝጎድኣ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብራይተን ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዓወት ናይ ብራይተን ክኸውን'ዩ።

ግምት፡ 0 – 1

ኤቨርተን ምስ ሌስተር ሲቲ

ሌስተር ኣብዚ እዋን ምምሕያሽ ተርእይ ኣላ።

ዝሓለፈ ሰሙን ንሻምፕዮን ሲቲ ጽቡቕ ጌራ ፈቲናታ’ያ፡ እንተኾነ ግን ተሳዒራ።

ኮይኑ ግን ኤቨርተን ኣብ ሜድኣ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኤቨርተን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ ዝገበረቶ ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ዓወት ክትጥዕም እያ ይብል ሱተን።

ግምት፡ 2 - 1

ቸልሲ ምስ ኣርሰናል

ዝሓለፈ ዓመት ኣርሰናል ናብ ስታንፎርድ ብሪጅ ተጓዒዛ ክልተ ግዜ ተዓዊታ። ግን ንሳልሳይ ግዜ ብተኸታታሊ ዝዕወቱ ኣይመስለንን።

ዓወት ኣርሰናል ኣብ ቡካዮ ሳካ ዝምርኮስ ኢዩ።

ግራሃም ፖተር ናብ ቸልሲ ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ እታጋንታ ኣብ ዝሓሸ ብቕዓት ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን ተሳዒራ እያ፡ ግን ዳግማይ ብኣርሰናል ትስዓር ኣይመስልን።

ግምት፡ 1-1

ኣስቶንቪላ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ

ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ክትዕወት ​​እያ ይብል ሱተን።

ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ትገርም ጋንታ ይምስርት ኣሎ። ቪላ ዝሓለፈ ሰሙን ብኒውካስል ተሳዒራ እያ። ኡናይ ኤመሪ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ተቖጺሩ እኳ እንተኾነ፡ ብዩናይትድ ምስዓሩ ዘይተርፍ እዩ።

ግምት፡ 0 – 1

ሳውዝሃምፕተን ምስ ኒውካስል

ኤዲ ሃው ኣብ ኒውካስል ዝሰርሖ ዘሎ ዝድነቕኢዩ። እታ ጋንታ ብጽቡቕ ዝተወደበት እያ። ኣብ ምክልኻል እውን ሓያላት እዮም።

ኣብ ልዑል ብቕዓት ዝርከብ ዊልሰን ምስ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንዋንጫ ዓለም ናብ ቀጠር ክኸይድ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሱተን ይገልጽ።

ሳውዝሃምፕተን ቀጻሊ ብቕዓት ተርኢ የላን። ንኣብነት ምስ ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ፈለማ ተዓብሊላ ነይራ። ድሓር ግን ፍሉይ ጸወታ ኣርእያ’ያ።

ብኣንጻሩ ኒውካስል ዩናይትድ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ትርከብ። ስለዚ ኒውካስል ካብ ሜድኣ ወጻኢ ክትዕወት ​​እያ።

ግምት፡ 0 – 2

ዌስትሃም ምስ ክሪስታል ፓላስ

ሊግ ናይ ሎሚ ዓመት ​​ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዘይተዓወተት ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ኢያ። ፓትሪክ ቪየራ ናብ ዌስትሃም ተጓዒዙ ነዚ ክብረወሰን ክቕይር እዩ ኢለ ኣይጽበን።

ዌስትሃም ኣንጻር ማንቸስተር ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ሓንቲ ነጥቢ ከይተኻፈለት ምውጽኣ ዕድለኛ ኣይኮነትን። ዌስትሃም ኣብ ዝሓለፈ 6 ጸወታታት ኣብ ስታድዩም ለንደን ኣብ ኩሎም ውድድራት ተዓዊታ እያ።

ግምት፡ 2 – 1

ቶተንሃም ምስ ሊቨርፑል

ሶን ሄንግ ሚን ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ንቶተንሃም ሓደጋ እዩ። ካልኦት ኣጥቃዕቲ ሪቻርልሰንን ኩሉሰቭስኪን ብሰንኪ መጉዳእቲ ከምዘይስለፉ ክንርስዕ የብልናን።

ንደገፍቲ ቶተንሃም እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብዚ ጸወታ ሊቨርፑል ክትዕወት ​​እያ ኢለ ምግማተይ እዩ ይብል ሱተን። ምኽንያቱ ሊቨርፑል ክትዕወት ​​እያ ኢለ ኣብ ዝግምተሉ እዋን እቲ ውጽኢት ብኣንጻሩ እዩ ዝኾን ዘሎ።

ሓቂ ንምዝራብ ካብዚ ውጽኢት እንታይ ክጽበ ከም ዘለኒ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ሊቨርፑል ኣብ ጸወታታት ኣውሮጳ ብሉጽ ውጽኢት ክተመዝግብ ከላ፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ግን ዘይተጸበየቶ ስዕረት የጋጥማ ኣሎ። ብሊድስን ኖቲንግሃም ፎረስትን ተሳዒራ እያ።

ስፐርስ ድማ፡ ሶን ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ዋላ ቀዲሞም እንተመርሑ’ውን፡ ፊስካ ክሳብ ዝንፋሕ ንምስዓር ዘይገብርዎ ነገር የለን።

ዋላ እኳ ሊቨርፑል ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት ​​እያ ኢለ እንተሓሰብኩ፡ እቲ ውጽኢት ግን ብኣንጻሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግምት፡ 1 – 2