ስም ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ሃላንድ ንሽወደን ዘስግኣሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሽወደን ናብ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ዘቕረበቶ ምሕፅንታ ሃላንድ ዝብል ስም ክትጽሕፉ ከለኹም ኣስተብህሉ ዝብል’ዩ።
ቦርድ ቱሪዝም እታ ሃገር ክልተ ዘይራኸቡን ኣፈላላይ ዘለዎምን ግን ድማ ብ ‘ሃላንድ’ ዝፀውዑ ነገራት ፈላሊኹም ፍለጡ ዝብል ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ሓደ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ናብ ማንቸስተር ሲቲ ካብ ዝጽንበር ጀሚሩ ኣብ 15 ጸወታታት 22 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብገማግም ባሕሪ ዝፍለጥ ዞባ ሽወደን እዩ።
ፍጹም ዘይመሳሰሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኢንተርነት ግና ንብዙሓት የደናገሩ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃላንድ [Halland - በዓል ሓደ ፊደል ‘a’ ን ክልተ ፊደላት ‘l’ን] ብዝብል ዝፍለጥ ገማግም ባሕሪ ዝደሊ ሰብ ፡ ነቲ ስም ክፅሕፍ ከሎ ቀሊል ናይ ፊደላት ኣጸሓሕፋ ጌጋ እንተፈጢሩ፡ ነቲ ገማግም ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ማእለያ ዘይብሉ ስእልታት ኖርወጃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኤርሊንግ ብራውት ሃላንድ ክረክብ ተኽእሎ ኣሎ።
ሓላፊ ቦርድ በጻሕቲ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ኣምሪሩ ይዛረብ።
ዳይረክተር ‘ቪዚት ሃላንድ’ ጂሚ ሳንድበርግ፡ ናብ እንግሊዛውያን፣ ጋዜጠኛታትን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪን ኣብ ዝፀሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ፅሑፍ ጽሒፎም ቅድሚ ምልኣኾም ፊደላት ደጊሞም ከረጋግፁ ሓቲቱ’ሎ።
"ንሕና ሃላንድ [Halland- ደድሕሪ ፊደል ‘H’ ሓንቲ ‘a’ ክልተ ‘l’ ዘለዎ] ኢና። ንሱ ሃላንድ [Haaland - ደድሕሪ ፊደል ‘H’ ክልተ ‘a’ ሓደ ‘l’ ዘለዎ] እዩ። ተፈታውነት ናይቲ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ንህላወና ኣብ ኢንተርነት ምሉእ ምሉእ ብምሉእ ይጭፍልቖ ኣሎ" ክብል ጽሒፉ።
“ኩሉ እቲ ንዞባ ሃላንድ [Halland] ንምልላይ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ብቕልጡፍ ይሃስስ ከምዘሎ ንርኢ ብምህላውና ተስፋ ንቖርፅ ኣለና" ክብል ሓቢሩ።
"ዝኾነ ነገር እንተዘይተገይሩ፡ እታ ተፈታዊት ዞባና ኣብ ዛንታታትን ጥንታውያን ቅዱሳት መጻሕፍትን ጥራይ እትፍለጥ ዝተረሰዐት ኣትላንቲስ ክትከውን ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ኢና ንሰግእ"
ሳንድበርግ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ነታ ኣብ ሽወደን እንነብረላ ውቁብቲ ዞባ ደሊኻ ሃላንድ [Halland] ኢልካ ክትጽሕፍ ከለኻ፡ ነቲ ሃላንድ [Haaland] ዝብል ኢኻ ኣብ ኩሉ ቦታ ትረኽቦ" ብምባል ኣረዲኡ።
“ሃላንድ ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ተፀምቢሩ ነተን ኩለን ሸቶታት ካብ ዘመዝግብ ንደሓር፡ ኣብ ሃሽታግናን ኣብ መድለዪ ቁልፊ ቃልን [search engines] ብኡኡ ተዋሒጥና ኣለና” ይብል ዳይረክተር ‘ቪዚት ሃላንድ’ ጂሚ ሳንድበርግ።
ንሱ እቲ ናይ ምትሕውዋስ ፀገም ንኽፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ ተፃዋቲ ማንቸስተር ሲቲ ሃላንድ ናብቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ገማግም ዘለዎ ዞባ ክመፅእ ዓዲምዎ ኣሎ።
"ናብዚ እንተዝመጽእ ደስ ምበለና። ብዙሓት ኖርወጃውያን ዓመት ዓመት ናብዚ ይመጹ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ገዝኡ ከምዘሎ ኮይኑ ምተሰምዖ" ኢሉ።
"ኣብ ዝመጽእ ሓጋይ ኣብ ሃላንድ [Halland] ንራኸብ፡ ሃላንድ [Haaland]" ክብል ድማ ነቲ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ መፀዋዕታ ኣቕሪቡሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
