ኢጣልያ፡ ብመጥቃዕቲ ካራ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተጻዋታይ ኣርሰናል ተወጊኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ፡ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ኣባል እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ከኣ ብኻራ ከምዝተወግኡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ከምዝሓበራኦ፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ዕሙር ሱፐር ማርኬት ኣትዮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ወዲ 30 ዓመት ተቐባሊ ሕሳብ እቲ ትካል በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ገሊጸን።
ካብቶም ብመጥቃዕቲ ካራ ዝተሃረሙ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብልቓሕ ምስ ጋንታ ሞንዛ ዝጻወት ዘሎ ኣባል ኣርሰናል ፓብሎ ማሪ ይርከቦም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።
ፖሊስ ብተወሳኺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ዝዀነ ተልእኾ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።
መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ጸገም ኣእምሮ ከምዘለዎን፡ ነቲ ካራ ካብ ከብሒ እቲ ድኳን ኣልዒሉ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞን ዝወጽኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብሰንኪ እቲ ትማሊ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝርዓደን፡ ሰብ ካብቲ ሱፐር ማርኬት ንምውጻእ ከምዝተጸቃቐጠን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
እቲ ሰብ፡ በቶም ኣብቲ ሱፐር ማርኬት ዝነበሩ ሰባት ተታሒዙ ናብ ፖሊስ ከምዝተረከበ’ውን ፖሊስ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወዲ 29 ዓመት ኣባል ኣርሰናል ስጳኛዊ ተኸላኻላይ ፓብሎ ማሪ፡ ማህረምቱ ኣብ ሕቘኡ ከምዝዀነን እንተዀነ ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዘይኰነ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ወኪል እቲ ተጻዋታይ ኣርቱሮ ካናለስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ፡ ማህረምቲ ፓብሎ ማሪ ዋላ እኳ ዕምቈት እንተሃለዎ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላቱ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ።
ኣካያዲ ስራሕ ናይታ ሕጂ ማሪ ብልቓሕ ዝጻወተላ ዘሎ ክለብ ሞንዛ ኣድሪያኖ ጋልያኒ ከምዝገለጾ፡ ማሪ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ምስ በዓልቲ ቤቱን ንእሽቶ ወዱን ካብቲ ሱፐር ማርኬት ይሽምቱ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።
ጋልያኒ ከምዝበሎ፡ “ንወዱ ኣብ ዓረብያ ሰቒሉ እናደፍአ፡ በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጐድኑ ነይራ፣ ዝዀነ ነገር ኣየስተብሃለን፡ ኣብ ሕቘኡ ምስ ተሃረመ ቁሊሕ እንተበለ ግን ብኻራ ከምዝተሃረመ ከስተብህል ክኢሉ፡” ኢሉ።
ጋልያኒ ወሲኹ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዝነበረ ሰብ ንማሪ ሰጊሩ ንሓደ ሰብ ኣብ ጐረሮኡ ብኻራ ክሃርሞ እንከሎ ማሪ ብዓይኑ ርእዩ፣ ኵሉ ነገር’ዩ ተዓዚብዎ ኣዝዩ ዘሰንብድ ትርኢት’ዩ ነይሩ” ይብል።
ፓብሎ ማሪ፡ ካብ ብራዚላዊት ጋንታ ፍላሚንጎ ኣብ ጥሪ 2020’ዩ ናብ ኣርሰናል ተሰጋጊሩ።
ምስ ኣርሴናል 19 ግዜ ድሕሪ ምስላፉ ብልቓሕ ናብ ኢጣልያዊት ክለብ ሞንዛ ተሰጋጊሩ።
ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚካኤል ኣርቴታ ንማህረምቲ ፓብሎ ማሪ ኣመልኪቱ፡ “ብዛዕባ እቲ ማህረምቲ ሓበሬታ በጺሑና፣ ዳይረክተር ቴክኒክ ጋንታና ምስ ስድራ ማሪ ተዘራሪቡ ኣሎ፣ ማሪ ኣብ ሆስፒታል’ዩ ዘሎ እንተዀነ ኣዝዩ ዘሻቕል ኣይኮነን” ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
