እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቶ ሰልፊ ተቓውሞ ውጕኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንታይ እዩ?
ብዓርቢ 28 ሓምለ፡ ውጕኣት ኲናት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ መሰልና ኣይተሓለወን፡ ብግቡእ ኣይተሰናትናን ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣብ ጐደናታት ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 55 ሽሕ ኣብ ሰራዊት ዝጸንሑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከምዝተሰናበቱ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ሓደ፡ ኣብ መጋቢት 2013 [ኣ.ግ] ናብ ሓይልታት ትግራይ ዝተጸንበረን ሓደ ካብ ሰልፈኛታት ሃይለስላሰ ማሞ።
ንሱ፡ “ግቡእና ስለዝፈጸመና መሰልና ይተሓለወልና” ዝብል ቀንዲ ሕቶኦም ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ኵሉ ተጋዳላይ ዝረኸቦ ረብሓ ይብዛሕ ይንኣስ ረኺብና ክንሰናበት ኣለና” ዝብል ከምዝዀነ ኣረዲኡ።
ቅድሚ 9 ወርሒ ኣቢሉ ናይ መሰናበቲ ወረቐት ተዋሂብዎም’ኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዘሰናበትዎም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ መለለይ ቍጽርን ስእልን ከምዘይብሉ ዝገለጸ ሃይለስላሰ፡ እቲ መሰናበቲ ወረቐቶም ሕጋውነት ክህልዎ ይግባእ ኢሉ።
እቶም ኣብ ቀረባ መዓልትታት ዘሰናብትዎም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነበር “እኹል’ዩ’ኳ እንተዘይበልኩ፡ 6 ሽሕ ብር ሂቦም’ዮም ኣሰናቢቶምዎም። ንሕና ግን ብናጻ ኢና ተሰናቢትና፤ ስለዚ መሰናበቲ ወረቐትና ሕጋውነት ይሃልዎ፤ ካልኣይ መዕረፊ የብልናን ፍረ ጻማናን ቃልስናን ክወሃበና ኢና ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይድና'' ኢሉ።
ሃይለስላሴ ኣስዒቡ ቅድሚ ሕጂ ዝወሃቦም ዝነበረ ወርሓዊ ክፍሊት ከምዝተቛረጸ ብምግላጽ ጉድኣት ኣካል ብምዃኖም ሰሪሖም ንኽበልዑ ይጽገሙ ከምዘለዉን እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ብቐጻልነት ከጣይሶም ዘኽእል ስርዓት ክፍጠር ሓቲቱ።
ካልእ ርእይቶኣ ዝሃበት ሰልፈኛ፡ ኣባል ሓይልታት ትግራይ ነበር ኣዜብ ኣጽበሃ፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ 2013 ናብ ሓይልታት ተፀንቢራ፤ ክሳብ ጥቅምቲ 2015 ድማ ተዋጋኢት ሰራዊት ዝነበረት እያ።
ኣዜብ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ድሕሪ ምስንባቶም ቍሊሕ ኢሉ ዘናደዮም ኣካል ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ “ከምቶም ዘሰናበትዎም ብማዕረ ተራኢና እቲ ንሳቶም ዝረኸብዎ ጥቕሚ ተዋሂቡና ክንሰናበት ኢና እንሓትት ዘለና፡” ኢላ።
ነዞም ዘልዓልዎም ቅሬታታት ፍታሕ ንኽረኽቡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ከም ዝኸዱ ብምግላጽ፡ ንሕቶኦም ምላሽ ዝህብ ኣካል ከም ዘይረኸቡን ኣብ ጸገም ከምዝወደቝን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ናብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብምኻድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰልፊ ዘልዓልዎ ርእሰ ጉዳይ ከምዘረድእዎን፡ “ጸገም የለን ንጉዳይኩም ፍታሕ ከምጽኣልኩም’የ ኢሉ’ኳ እንተሰደደና ክሳብ ሕዚ ዝተወሃበና ምላሽ ስለዘየለ ኣብ በረንዳ ወዲቕና ንርከብ” ክብል ሃይለስላሴ ወሲኹ ገሊጹ።
ብተዛማዲ ዜና፡ ነዚ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ሰልፊ ንምጽብጻብ ዝወፈሩ ጋዜጠኛታት፡ ብፖሊስ ከም ዝተኸላበቱን ዝቐረጽዎ ሰነድ እውን ክድምሰስ ከምዝተገበረን፤ ገለ ጋዜጠኛታት'ውን ንሰዓታት ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።
እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታታ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ብዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ደው ካብ ዝብል ንደሓር፡ ጉዱኣት ሓይልታት ትግራይ ንጠሚ ኣለና፣ ግቡእ ሕክምና ኣይንረክብን፣ ተረሲዕና ዝብሉ ቅረታታት ሒዞም፡ ብተደጋጋሚ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ይፍለጥ።