ኮኾብ ተዋስኣይ ኖሊዉድ ጆን ኦካፎር ዓሪፉ

Published

ናይጀርያውያን ብሞት እቲ ኣብ መበል 62 ዓመቱ ዝዓረፈ ብሚስተር ኢቡ ዝፍለጥ ህቡብ ተዋሳኣይ ኖሊዉድ ጆን ኦካፎር ኣብ ሓዘን ኣለዉ።

ፕረዚደንት ማሕበር ተዋሳእቲ ናይጀርያ ኤመካ ሮላስ ትማሊ ሰንበት "ሚስተር ኢቡ ክድሕን ከምዘይከኣለ ክነግር እንከለኹ፡ ኣብ ዓሚቝ ስምዒት ሓዘን ተዋሒጠ’የ”ኢሉ።

እቲ ተዋሳኣይ ድኻም ልቢ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ኦካፎር ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ብሚስተር ኢቡ እትፍለጥ ፊልም ዝናኡ ሓፍ ኢሉ። በዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሞያኡ ዝጸንሐ ሳጓ ኮይኑ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ብቕዲ ‘ኮሚክ’ ካብቶም ዝበለጹ ናይጀርያውያን ተዋሳእቲ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ርእሲኡ ‘ከዚያ’፡ ‘9 ዋይቭስን’ ሓያሎ ተኸታተልቲ ፊልምታት ሚስተር ኢቡን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 200 ፊልምታት ኖሊዉድ ከምዝተዋስአ ድሕረ ባይታኡ የረድእ።

ተዋሳኢት መርሲ ጆንሰን-ኦኮጂ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡“ብሰላም ዕረፍ” ኢላ።

ፕሮፌሰር ሕጊን ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ነበርን ጆይ ኤዘይሎ፡ እቲ ተዋሳኣይ "ንብዙሓት ምንጪ ሰሓቕ ዝዀነ ፍቑር ሰብ” ምዃኑ ገሊጻ።

ሚኒስተር ባህሊ ናይጀርያ ሃናቱ ሙሳዋ፡ ኣብ ምሉእ ዕድመኡ ስድራቤታት ፍሽኽ ክብሉ ዝገበረ ተዋስኣይ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻባት እቲ ከባቢ፡ ኦካፎር ኣብ ሌጎስ ግን ድማ ቦታኡ ኣብ ዘይተገልጸ ሆስፒታል ሞይቱ።

ጉዳይ ጥዕና እቲ ተዋስኣይ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣትዩ። ኣብ ሕዳር ደገፍቱ ንሕክምናዊ ሕሳቡ ዝኸውን መደብ ህዝባዊ ምወላ ድሕሪ ምክያዶም፡ ሓንቲ እግሩ ተቘሪጻ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ወዱ ዳኒኤል ኦካፎርን ንሱ ዘዕበያ ጃስሚን ቺዮማንን፡ ተሌፎኑ ተጠቒሞም ንባዕሎም ልዕሊ 60 ሽሕ ዶላር ወሲዶም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ንሳቶም፡ ኣብ ጥሪ ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ርእይቶ’ኳ እንተዘይሃቡ ንዝቕጽል መስርሕ ፍርዲ ድማ 11 መጋቢት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ይግበር።

ናይ መወዳእታ ዓመታት ኦካፎር "ዕግርግር ዝመልኦ" ምንባሩ፡ ዝሓበረት ጋዜጣ ፓንች ናይጀርያ፡ እቲ ተዋስኣይ ንምምራዝ ካብ ዝተገብረ ሓያሎ ፈተነታት ከም ዝደሓነ ይዝረብ።