እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብኣይ ጓሉ ጉዳይ ኣባይቲ ክመርሕ ዝሾመ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት
ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ፡ ሰብኣይ ጓሉ ንፈደራላዊ መንበሪ ኣባይቲ እታ ሃገር ክመርሕ ድሕሪ ምሻሙ ኣብታ ሃገር ዓቢ ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ።
ኦየቱንደ ኦላዲመጂ ኦጆ፡ በዓል ቤት ፎላሸደ፡ በዅሪ ጓል ፕረዚደንት ናይጀርያ ትኑቡ እያ።
ፕረዚደንት ቲኑቡ ንሰብኣይ ጓሉ ከም ሓላፊ ጉዳያት ኣባይቲ እታ ሃገር ከይኑ ክሸይም እዚ ፈለማዩ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ ጉዳይ ኣባይቲ ክመርሕ ዝሸሞ ሰብኣይ ጓሉ ኦጆ፡ "ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ናይ ኣባይትን ምቕባል ኣጋይሽን ኢንዱስትሪታት ዝሰርሐን ተመክሮ ዘለዎን’ዩ" ኢሉ ።
ሚስተር ኦጀ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበረ እዩ።
ይኹን እምበርአ እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ካብ ሚስተር ኦጆ ንላዕሊ ብቑዓትን ዓቕምን ዘለዎም ሕጹያት ከም ዘለዉ ብምምጓት ሓያል ግብረ መልሲ ይህቡ ኣለው።
"ንዘመድካ ምሻም ናይ መሪሕነት ድኽመት እዩ። እዚ ተግባር መራሕቲ ናይጀርያ ከም ሓደ ስነ ምግባራዊ ውድቀት ክርእዩዎ ኣይከኣሉን ክብል ኣብ ትዊተር ነበር ኤክስ ጽሒፉ።
ገለ ሰባት ከኣ፡ ሚስተር ኦጆ፡ ምስ ፕረዚደንት ዘለዎ ርክብ ስራሕ መንግስቲ ንክመርሕ ክዓግቶ የብሉን። እቲ ፕረዚደንት ንኣገልግሎት ኣባይቲ ንምምሕዳርን ምብርባርን ብምሕላን እዩ ንሚስተር ኦጀ ሸይምዎ ክብሉ ክከላኸልሉ ዝፈተኑ ኣለው።
እቲ ሚስተር ኦጀ ዝመርሖ ዘሎ ትካል ኣብ መላእ ናይጀርያ ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣባይቲ ንምርካብ ክሕግዝ ተባሂሉ ከምዝእምን ይግመት።
እቲ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ሽመት ንዝተዋህበ ነቐፌታ ምንም ዝሃቦ ምላሽ የሎን።