እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሩስያ ዝዀነነ ማዳካስካዊ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ
ፕረዚደንት ማዳካስካር፡ ሩስያ ኣብ ዝጐበጠተን ዞባታት ዩክረይን መረጻ ክካየድ ምግባራ ንዝኹንን ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝደገፈ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለዮ ምንጭታት ገሊጾም።
ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ፡ ንጐበጣ ሩስያ ዝኹንን ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት "ንመንግስቲ ሃገሩ ከየማኸረ ከም ዘድመጸ" ጸብጻባት ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሮም።
ክልተ ምንጪታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል'ውን፡ እቲ ሚኒስትር ንዝተኣለየሉ ምኽንያት ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ሩስያ ዘካየደቶ መረጻታት ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖ እንከሎ፡ 142 ሃገራት ነቲ ውሳነ ደጊፈን ኣድሚጸን እየን።
ክሳብ ሕጂ፡ ማዳካስካር ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ልክዕ ከም መብዛሕትአ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ መርገጺ እያ ሒዛ ጸኒሓ።
እቲ ዓብላሊ ውሳነ ድጋፍ 143 ሃገራት ክረክብ እንከሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ መርገጺ ሒዘን።
ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተዓቂበን።
ኣብቲ ኣኼባ ድምጸን ካብ ምሃብ ክዕቅባ ካብ ዝመረጻ ሃገራት እውን እተን ዝበዝሓ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ነይረን።
ቤላሩስ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮርያ፣ ኒካራጓ፣ ሩስያን ሶርያን ግን ነቲ እማመ ተቓዊመን።
ምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ዛፖሪዢያን ኼርሶንን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ምስ ኣተዋ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ህዝበ ውሳነ ብምክያድ፡ ናይ ባዕሉ መራሕቲ ሸይሙ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ እቲ ፕረዚደንት ነተን ዞባታት ኣካል ሩስያ ዝገብር ሰነድ ከቲሙ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዅንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ጥራይ ክትቃወሞ እንከላ፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቤላሩስን እየን ተመሳሳሊ መርገጺ ወሲደን።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን መሻርክቲ ሩስያ ዝበሃላ ኢትዮጵያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ዚምባብወን ዝርከብአን 19 ሃገራት ድምጸን ዓቂበን እየን።
ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ ሃገራት እተን ሰለስተ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምሕያል ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝበጽሐን ሃገራት እየን።
ላቭሮቭ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኡጋንዳን ዑደት ገይሩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ፡ ንቅልውላው ዋጋታት መግቢን ነዳድን ዓለም ቀንዲ ተሓተትቲ ምዕራባውያን ምዃኖም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።