እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክሬናውያን፡ መብራህቲ ስለ ዝጠፍእ ‘ኵሉ ነገር ቻርጅ ክገብሩ' ተነጊሩዎም
ኩባኒያ ጸዓት ዩክረይን፡ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ዝስዕብ ምቁራጽ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ዜጋታት "ኩሉ ባትሪ ክመልኡ" [ቻርጅ ክገብሩ] ኣተሓሳሲቡ።
ትማሊ፡ ትካላት ጸዓት ዳግማይ ብሚሳይላት ሩስያ ተሃሪመን ኣለዋ፤ ኣካል ናይቲ ካብ 10 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ማዕበል መጥቃዕቲ ኰይነን ጸኒሐን።
ሎሚ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝበጽሕ ምቁራጽ መብራህቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ቴሌፎናት፣ ፓወር ባንክ፣ ላምባዲናን ባትርታትን ቻርጅ ምግባር ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ ንዩክሬናውያን ማይ ክዋህልሉን "ምውቕ ካልሲን ኰቦርታንን" ከም ዘለዎም ከረጋግጹን ጻውዒት ቐሪቡሎም ኣሎ።
ቅድም ኢሉ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ 30 ሚኢታዊት መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዩክረይን ብደብዳብ ኣየር ሩስያ ከም ዝተሃስየ ገሊጹ ነይሩ።
ኩባኒያ ዩክሬነርጐ፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት ካብ እትውረር ንድሓር፡ ኣብተን ዝሓለፋ 10 መዓልታት ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝበዝሐ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።
"ጽባሕ ቁጽጽር ዝግበረሉን ዝተቐመረን ቀረብ ክንትግብር ኢና፤ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ብሚዛናዊ መንገዲ ንኽሰርሕ ክሕግዘና’ዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ መላእ ዩክረይን ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት መብራህቲ ክጠፍእ ከም ዝኽእል እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ።
ስፍሕ ዝበለ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድሮ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ኪቭን ንብዙሓት ዞባታት ዩክረይንን ጸልይዎ ኣሎ።
ሚሳይላት ሩስያ፡ ንኸም ኣብ ምዕራብ ዩክረይን ዝርከባ ካብቲ ውግእ ዝርሓቓ ከተማታት ሊቪቭ ሓዊሱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከብ ትሕተ ቕርጺ ኣዕኒዮም’ዮም።
ሰብመዚ ዩክረይን፡ ዜጋታት ኣብ ኣጋምሸት ዘለዎም ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክንክዩ ኣተሓሳሲቦም።
ዩክሬነርጐ፡ "ምስ ምጅማር ዝሑል ኩነታት ኣየር ክንእግድ ኣይምተገብአን፤ ግን ብብዝሒ እንተሓገዝኩምና ንሓትት" ኢሉ።
ሃገራት ምዕራብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ዝበጽሕ ዘሎ ዕንወት ኰኒነን።
ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ትሕተ ቕርጺ ብፍላይ ድማ ኤሌክትሪክ ዝፍጽም ዘሎ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ገበን ኲናት’ዩ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝጐበጠተን ከባቢታት ዩክረይን ዝዀና ኼርሶንን ዛፖሪዢያን ከምኡ’ውን ዶኔስቴክን ሉሃንስክን ወተሃደራዊ ሕጊ ተግባራዊ ትገብር ኣላ።
ክረምሊን፡ ሕጂ እቶም ከባቢታት ኣካል ሩስያ እዮም ትብል፤ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኰኒኑዎን ነጺጉዎን እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብተን ከባቢታት ኣብ ዝህሉ ምንቅስቓስ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታን እገዳታትን ክህሉ’ዩ። እንተዀነ፡ ብሙልአን እተን ዞባታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሰራዊት ሩስያ ኣይኰናን ዘለዋ።
ሓይልታት ዩክረይን፡ ይደፍኡ ብምህላዎም ሩስያ ካብ ዞባ ኼርሶን ዓሰርታት ኣሽሓት ስቪላውያንን ዝሸመቶም መራሕትን ተውጽእ ኣላ።
ዩክረይን ግን፡ ነበርቲ፡ ነቲ ምግዓዝ ክነጽጉዎ ጸዊዓ።