ኢለን መስክ ዝህቦ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?

Published

ኢለን መስክ፡ ንዩክረይን ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከቋርጾ ምዃኑ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ኣገልግሎት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሳተላይት ዝተሞርኰዘ ኢንተርነት፡ ንሓይልታትን መንግስትን ዩክረይን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ እዩ።

ስታርሊንክ እንታይ’ዩ?

ስታርሊንክ፡ ብዓበይቲ ሳተላይታት ኣቢሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ናይ ምሃብ መደብ እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታት እዛ እንነብራ ዘለና ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ።

ሳተላይታት ስታርሊንክ፡ ካብ ምህዋር ቅሩብ ትሕት ኢሎም ኣብ ጥቓ መሬት ዝተቐመጡ ኰይኖም፡ እዚ ኣብ ሞንጐ እቶም ሳተላይታትን መሬትን ዘሎ ርክብ ፍጥነት ክህልዎ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ስታርሊንክ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሳተላይታት ከም ዘቐመጠ ይንገር። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ሳተላይታት ክጥቀም ከም ዝኽእል ኤዲቶሪያል ዳይሬክተር ድረ ገጽ ቴክኖሎጂ ፖኬት-ሊንት ክሪስ ሆል ይዛረብ።

“ሳተላይታት ብምጥቃም፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዘለው በረኻታትን እምባታትን ኢንተርነት ንምርካብ ዘሎ ጸገም ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ነዞም ከባቢታት ንምብጻሕ ካልኦት ትሕተ ቕርጺ ናይ ምህናጽ ድኻም’ውን የወግድ” ኢሉ።

ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናደፍኡ ምስ መጽኡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣጥፊኦም፣ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ክዓጽውዎ ፈቲኖም።

ወራር ሩስያ ምስ ተጀመረ፡ ኢሎን መስክ ብቐጥታ'ዩ ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን ከም ዝሰርሕ ገይሩ።

ኣስታት 20 ሽሕ ሸሓነታትን ራውተራትን ስታርሊንክ ድማ ናብታ ሃገር ተላኢኾም።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክረይን ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ድሕሪ መጥቃዕታት ሚሳይል ሩስያ ስታርሊንክ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ክምለሱ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ተራ ከም ዝነበሮ ይዛረብ።

"ልዕሊ 100 ሚሳይላት ትሕተ ቕርጺ ጽዓትን ኮምዩኒኬሽንን ኣጥቂዖም። ስታርሊንክ ግን፡ ኣብ ኣገደስቲ ከባቢታት ርክባት ቀልጢፉ ክምለስ ኣኽኢሉ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ብተወሳኺ፡ ዩክረይን ንስታርሊንክ ኣብ ዓውደ ውግኣት ትጥቀመሉ ኣላ እያ።

“ስታርሊንክ፡ መንግስታውን ህዝባውን ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ገይሩ’ዩ። ሩስያውያን ከኣ ነዚ ከዐንቅፍሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣይረኸቡን” ይብል ክሪስ ሆል።

እዚ፡ ኣብ ዓውደ ውግኣት’ውን ውዒሉ’ዩ።

ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ማሪና ሚሮን፡ ንኣብነት፡ "ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ሞንጐ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዓውደ ውግኣት ዘለው ወተሃደራትን ንምርኻብ ይጥቀሙሉ ኣለው" ትብል።

ወሲኻ፡ "እቲ መስመራት ልክዕ ከም ማዕበል ራድዮ ክትዕፍኖ ኣይትኽእልን። ንኸተዳልዎ’ውን 15 ደቒቕ ጥራይ’ዩ ዝወስድ” ኢላ።

ኢለን መስክ ስለ ምንታይ ነቲ ኣገልግሎት 'ከቋርጾ'የ' ኢሉ?

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኢለን መስክ ዩክረይን፡ ክሬሚያ ንሩስያ ክትገድፈላ፡ ኣብተን ብሓይልታት ሩስያ ዝተትሓዛ ከባቢታት ድማ መረጻ ክካየድ ከተፍቅድ ኣለዋ ኢሉ።

ዩክሬናዊ ኣምባሳደር ክኣ፡ ናይ ጸርፊ ቃላት ተጠቂሙ መሊሱሉ።

መስክ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካብ ወራር ሩስያ ኣትሒዙ ንዩክረይን ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ስታርሊንክ ከምኡ’ውን ዓፈና ሩስያ ንምክልኻል 80 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረሉ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዚ ዘድሊ ወጻኢታት ኣይኸፍልን ኢሉ።

ድሕሪኡ ክኣ፡ “ዋላ’ውን ስታርሊንክ ብዙሕ ገንዘብ ይስእን እንተሃለወን ካልኦት ኩባንያታት ቢሊዮናት ዶላራት ከፈልቲ ግብሪ ይረኽቡ እንተሃለው፡ ንመንግስቲ ዩክረይን ብናጻ ምሕጋዝ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ስታርሊንክ ኣብ ካልኦት ሃገራት

ኣብዚ እዋን፡ ስታርሊንክ ኣብ 40 ሃገራት ንዝርከቡ ሰብ ሃብትን መንበሪ ኣባይትን ኣገልግሎት ይህብ።

እዘን ሃገራት፡ መብዛሕትአን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ዞባ ኣውስትራሊዢያን ዝርከባ እየን።

ይኹን’ምበር፡ ምስቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ክነጻጸር እንከሎ፡ ስታርሊንክ ክቡር እዩ።

እቲ፡ ምስ ሳተላይት ንምርካብ ዘድሊ ሸሓኒ ዋጋኡ 599 ዶላር ኰይኑ፡ ወርሓዊ 110 ዶላር'ዩ ዝኸፈሎ።

ስታርሊንክ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 700 ሽሕ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጽ።

“መብዛሕትአን ዝዓበያ ሃገራት፡ ብኢንተርነት ተኣሳሲረን’የን” ዝብል ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ሕግን ፖሊሲ ህዋን ለንደን ሳይድ ሞስትሻር፡ “ኣታዊታት ስታርሊንክ ኣብ ንእሽቶ ብጽሒት ዕዳጋ ዝተሞርኰሰ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ስታርሊንክ ሸፈንኡ ናብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን፡ ከምኡ’ውን ኤስያ ከስፍሖ መደብ ኣለዎ።

ይኹን’ምበር፡ “ዋጋታት ስታርሊንክ ንመብዛሕትኡ ተጠቃሚ ኣፍሪቃ ክቡር ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ክኣ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ምርኻብ ዓብዪ ተራ ክጻወት ይኽእል’ዩ” ክብል ክሪስ ሆል ይዛረብ።

ካብ ስታርሊንክ ብተወሳኺ፡ ከም ዋንዌብን ቪሳትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ሳተላይት ዝህቡ ትካላት’ውን ኣብ ትሑት ምህዋር መሬት ኣሽሓት ሳተላይታት የቐምጡ ኣለው።

ሳይድ፡ እዚ ናብ ጸገም ከምርሕ እዩ ይብል። ኣብ መንጐ "ምርጻም ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ድሕነት ህዋ ዝተሓተ’ዩ ዝገብሮ። ሳተላይታት ካልኦት ሳተላይታት ብምህራም ስብርባራት ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚኦም ድማ ኣብ እዋን በረራ ልዑል ፍጥነት ክህሉ እንከሎ ጕድኣት ከውርዱ ይኽእሉ” ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ማእከል ህዋ ቻይና ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሳተላይታት ስታርሊንክ ተራጺሞም’ዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክታት ህዋ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ “ብርክት ዝበሉ ስብርባራት እንተሃልዮም፡ ንቐጻሊ ትሑት ምህዋር መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብሩዎ እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ትሑት ምህዋር መሬት ሓሊፍና ናብቶም ናይ ቴሌኮምን ሓበሬታን ሳተላይታት ተተኺልሉ ዘሎ ልዑል ምህዋር ክንከይድ ኣይንኽእልን" ትብል.

ብኻልእ ወገን፡ ሳተላይታት ስታርሊንክ ንተመራመርቲ ከዋኽብቲ [ኣስትሮነመራት] ጸገማት ይፈጥራሎም ኣለዋ።

ጸሓይ ክትወጽእን ክትዓርብን እንከላ፡ ጸሓይ ኣብ ኣኽናፎም ስለ እተብርህ ብዓይኒ ክርኣዩ ይኽእሉ’ዮም።

እዚ ኸኣ፡ ኣብ ምስልታት ቴሌስኮፕ ናይ ብርሃን ሕንጻጽ ብምፍጣር ንምስሊ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ይሽፍኖ።

ስታርሊንክ፡ ብርሃን ኣብ ሰማይ ዝርከባ ሳተላይታቱ ውሑድ ድምቀት ከም ዝህልወን ብምግባር፡ ድምቀት ሳተላይታቱ ንምንካይ ይጽዕር ከም ዘሎ ይገልጽ።