ኣብ ገማግም ኢጣልያ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ጸበባ ምህላዎም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ኣብ ገማግም ኢጣልያ ኣብ ጃላቡ ንዝርከቡ ኣስታት 1,300 ስደተኛታት ንምድሓን ገዚፍ ስርሒት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ሓይሊ ባሕሪን ሓለዋ ገማግምን ኢጣልያ፡ ኣብ ደቡባዊት ዞባ ካላብርያ ንዝርከባ ሰለስተ መራኽብ ንምሕጋዝ ምንቅስቓሶም ሓቢሮም።
ነቲ ስርሒት፡ “ዝተሓላለኸ” ክብል ዝገለጾ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ብዝሒ እተን ጃላቡ ልዑል ምዃኑን እቶም ሰባት ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎምን ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብቲ ዞባ ብውሕዱ 73 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ክኸውን እንከሎ ሬሳኡ ብዓርቢ እዩ ተረኺቡ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን እኹል ጻዕርታት ብዘይምክያዱ ተነቒፉ እዩ።
ድሕሪ እቲ ነቐፌታታት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ካቢነኣ ጠርኒፋ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከተማ ኩትሮ በጺሓ።
ነቶም ንሞትን መጕዳእትን ስደተኛታት ተሓተትቲ ዝዀኑ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ከኣ ክሳዕ 30 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከምዝግባእ’ውን ተዛሪባ።
ኣብዚ ዓመት ብዝሒ ናይቶም ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝፍትኑ ስደተኛታት ወሰኽ ከምዘርኣየ ይግለጽ።
ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሓበሬታታት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የርኢ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
