ኣብ ሕርሻታት ኢጣልያ "ደም ዝርህፁ" ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ኣብ መዓስከር

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

Published

ኣብ ደሴት ሲሲሊ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ፡ ብሓምለዋይ ግራውቲ ዝተሸፈነ መስርዕ ኣግራብ ኣውሊዕ ኣለዋ። ናይ ሕርሻ መካይን ብስቡሕ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዝተመልአ ሳጹናት ተሰኪመን ክሓልፋ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ካብዚ ጽቡቕ ትርኢት ወጻኢ ግን ኣዝዩ ዝጸልመተ ነገር ኣሎ - ረሳሕ ግዝያዊ መዓስከር።

"ጌቶ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝነብሩሉ እዩ። እዞም ኣፍሪቃውያን መብዛሕትኦም ካብ ጋምብያ፣ ሰኔጋልን ቱኒዝያን ዝመጹ እዮም።

ከምዚኦም ዝበሉ ብቐንዱ ኣፍሪቃውያን ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝነብሩሎም "ጌቶ" ከም ፑግልያ ኣብ ዝኣመሰሉ ካልእ ክፋላት ኢጣልያ እውን ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ካብ 450 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ዘይስሩዕ ስደተኛታት ኣብ መዳይ ሕርሻ እታ ሃገር ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግምት። እዚ ቁጽሪ ድማ ኣስታት ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ስራሕ እቲ መዳይ'ዩ።

"ካምፖቤሎ" ብቋንቋ ኢጣልያ ጽቡቕ ገጠር ማለት እዩ፤ ግን ኣብዚ ብዘይካ ርስሓትን ካብ ዝተደርበየ ዕንጨይቲ ዝተሰርሑ ማዕጾታት፣ ፕላስቲክን ብረትን ዘለዎም ሓደ ክፍሊ ዳሳትን ካልእ የለን።

ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ዘይፈልጥዎም ሰባት እምነት ዘይብሎም ኮይኖም፡ ክንበጽሕ ከለና ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ውሑዳት እዮም።

ሓደ ሰኔጋላዊ ሰብኣይ ምሳሕ ከዳሉ ኣብ ረሳሕ ማይ ዝመልአ ዓቢ ድስቲ ብጥራዩ ኣእዳዉ ገለ ስጋ ይሓጽብ ነይሩ። ካልእ ሰብኣይ በጊዕ ይሓርድ፡ ሳልሳይ ሰብኣይ ድማ ካብ ፕላስቲክ ጥርሙዝ ማይ ጸባ ገንሸል ይምግብ።

ኣብ ድሕሪት ናይቲ መዓስከር ብእኩብ ጎሓፍ ዝተመልአ ዓቢ ክፉት ቦታን 1 ዶላር ዝኽፈሎ ግዝያዊ ባኞን ብ1 ዶላር ድማ ማይ ዝመልአ ሸንኬሎ ኣሎ።

እቲ ህንጻ ቦጃ ብዝተባህለ ጋምብያዊ ስደተኛ ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ግራውቲ ኣውሊዕ ክሰርሕ ዝመጸ እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ዘለዎ ክእለት ጽረበት ተጠቒሙ ሃናጺ መዓስከር ኮይኑ ኣሎ።

ነቶም ሰራሕተኛታት ብወርሒ 100 ዶላር ዝካረያ ዳሳት ይተኽለሎም።

እቶም ነበርቲ ግን ኣብ ጽልምትምት ዝበለ ኩነታት እዮም ዝነብሩ፤ ማይ ቡምባ፡ መእለዪ ረሳሕ ፈሳሲ ኮነ ቀረብ ኤለክትሪክን የለን። መግቢ ንምብሳልን ነቲ ናይ ለይቲ ቁሪ ንምክልኻልን ሓዊ ይነድድ ይብል ቦጃ።

ግራት

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

ማዕበል ሰራሕተኛታት

ሕጂ'ውን በብዓመቱ ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣውሊዕ ንምእካብ፡ ወግዓዊ ወረቐት ዘይብሎም ክሳብ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብዚ ጸሊም ዕዳጋ ክሰርሑ ይመጽኡ።

ኣብዚ ዘለዉ ሓረስቶት ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለጸ 'ኣውሊዕ መኣዲ' ተባሂሉ ዝግለጽ 'ኖሴላራ ደል ቤሊስ' የፍርዩ። ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ክቡራት ቤት ብልዒን ሱፐርማርኬታትን ንምስዳድ ብኢዶም ዝኣርዩ ብዙሓት ሰባት ክቖጽሩ ኣለዎም።

እቲ ስርዓት ምሕደራ ሰራሕተኛታት (ጋንግማስተር) "ካፖራላቶ" ብዝብል ይፍለጥ። እቶም ስደተኛታት ብቐጥታ ንሓረስቶት ኣይሰርሑን። ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ኩነታቶም ድማ ንምእማኑ ብዘጸግም ኣዝዩ ዝተሓተ መሃያ እዮም ዝሰርሑ፤ ንሰዓት 2 ዶላር ጥራይ ይክፈሎም።

ቦጃ፡ እቲ ጌቶ ሓደገኛ ቦታ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ። ንግዲ ዕጸፋርስን ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብን ዝጠቀሱ መርትዖታት እዮም።

ፖሊስ ከይተረፉ ናብቲ መዓስከር ኣይወፍሩን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኸፊል ክቓጸል እንከሎ ዑመር ባልደህ ዝተባህለ መንእሰይ ስደተኛ ከምዝሞተን ካልኦት ኣማኢት ሰባት ድማ ገዛ ኣልቦ ከምዝኾኑን ቦጃ ይዛረብ።

ግን እታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ ነበርቲ የብላን። ሲሲሊ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ናይ ስደት ቦታ እያ፤ ህዝባ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያን ካልእ ክፋል ኣውሮጳን ስራሕ ክእልሹ ገዲፎምዋ ይኸዱ።

ለይቲ ቱኒዝያውያንን ሰኔጋላውያንን ስደተኛታት ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ሽጋራ ዘትክኹለንን ቡን ዝሰትዩለንን ናይ ፒዛ ቦታታትን ካፈታትን ኣብታ ከተማ ኣለዋ።

"ሰባት ኣብቲ ጌቶ ብህይወት ንኽጸንሑ ዝኾነ ይኹን ይገብሩ" ይብል ቦጃ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝወረደ ክሳራ ንምዝራብ ኣዝዩ ይጽገም።

ግራት

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

ንመጀመርታ ዓመት ዝኽሪ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምዝካር፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኢጣልያውያን ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ኣብ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ ሰልፊ ብምክያድ ንነበርቲ እቲ መዓስከር ዝሓሸ ኩነታት ክህሉ ጸዊዖም ነይሮም።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ዒሳ [ምሉእ ስሙ ክገልጽ ኣይደለየን] ዝተባህለ ጋምብያዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ ፑግልያ ይነብር። ኣብቲ ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ዝነብሩሉ ዓቢ ፎጅያ ጌቶ ክልተ ዓመት ጸኒሑ'ሎ።

ብተወሳኺ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብ'ጋንግማስተራት' ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዋዒ ዘለዎ ከባቢ ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝግደዱ ብምግላፅ የማርሩ።

ኣብ ሰነ 2021፡ ካማራ ፋንታማዲ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት ማሊያዊት ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ኣብ ፑግልያ ኣብ ብርቱዕ ጸሓይ ኮሚደረ ድሕሪ ምልቃማ ሞይታ እያ።

"ክሳብ ክንደይ ውዑይ ይኹን፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ሕርሻታት ፑግልያ ክሰርሑ ትዕዘብ ኢኻ" ይብል ኢሳ።

ኣብተን ስደተኛታት ናብ ግራት ክኣትዉ ዘይመርጹሉ ሙቐት ብቀሊሉ 40 ዲግሪ ሰልሲየስ ዝበጽሓለን መዓልቲታት'ውን እንተኾነ፡ እቲ ሓላፊ ጋንግማስተር፡ "ኢሳ ኣበይ ኣለኻ፡ ንምንታይ ናብ ስራሕ ዘይትመጽእ" ክብል ደዊሉ ዕረፍቲ ኣይህብን ይብል።

ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

ወሲኹ ድማ "ክሳብ ክንደይ ውዑይ ይኹን ብዘየገድስ ክትበራበርን ናብ ስራሕ ክትከይድን ኣለካ" ክብል ይገልጽ።

እዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነቲ ጣልያን ዘጋጥማ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ክሊማ ብኸመይ ይሽከምዎ ከምዘለዉ ዘንጸባርቕ እዩ።

ሲሲሊ ማእከል ማዕበል ዋዒ ኣውሮጳ ኮይና፡ ኣብ 2021 ኣብታ ኣህጉር ክሳብ ሕጂ እቲ ዝለዓለ ሙቐት 48 ዲግሪ ሲልሲየስ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሲሲሊ ፓሌርሞ ዝርከብ ወዲ 24 ዓመት ወሃቢ ቃል ማሕበር ማሕበረሰብ ጋምብያ ሙስጣፋ ጃርጆው፡ ብዙሓት ካብቶም ነቲ ሓደገኛ መሳገሪ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ሕጽረት ስራሕ ሃዲሞም ዝመጹ ምዃኖም ከምዘግርመሉ ይዛረብ።

'ብዘይ ብኣና ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ፡ ሓደ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ "ብዝተራቐቐ ስርዓተ መግቢ ጣልያን" ዝፍጸም ምዝመዛ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብኸመይ "ተደናጊሮም ከምዝተረፉ" ኮኒኑ።

ሰብመዚ ጣልያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንጉጅለ ዕሱባት ንምግታእ ፈተነታት ከምዝተገብረ ይገልጹ።

እቲ ስርዓት ኣብ 2011 ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ድማ ንሓረስቶት ሓደ ዕሱብ ምጥቃም ገበን ምዃኑ ብወግዒ ተሓቢርዎም። እዚ ግን፡ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝሰርሕ ኣይመስልን።

ኣብ እዋን ለበዳ፡ መንግስቲ ብርግጽ ንኣሽሓት ዘይስሩዓት ስደተኛታት ፍቓድ ስራሕ ሂቡ፡ ሓረስቶት ንሕጽረት ጉልበት ንኽጻወሩ ይሕግዞም ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓድሽ ጫፍ የማናዊ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ግን፡ ንዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዕቑባ ምሃብ ከይተርፍ ስክፍታታት ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ኣብ መላእ ቱስካኒ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐን ሰነዳት ዘይብሉ ሰኔጋላዊ ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 60 ዶላር ክረክብ ከም ዝኽእል ምስ ሰምዐ ኣብዚ ዓመት ናብ ሲሲሊ መጺኡ።

ሕጽረት ጉልበትን ጽልዋ ኮቪድን ንእሽተይ ወሰኽ ደሞዝ ኣስዒቡ እዩ።

ንሓደ ዝለቐሞ ሳንዱቕ ምሉእ ኣውሊዕ 5 ዶላር ክረክብ ትጽቢት ይገብር። ኣብ መዓልቲ ድማ እንተወሓደ 10 ሳንዱቕ ክመልእ ዕላማ ኣለዎ።

እቲ ስራሕ ከቢድ፡ ሓያል ዋዒ ዘለዎን ይቕረ ዘይብልን ኮይኑ፡ ንኸምኡ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ግን እቲ እንኮ ስራሕ ምዃኑ ይዛረብ።

ንሱ፡ ኢጣልያውያን ስደተኛታት ነታ ምግቢ እትፈቱ ሃገር ክሳብ ክንደይ ኣገደስቲ ምዃኖም ከምዘይተገንዘቡ ይስምዖ፡ "ብዘይ ብኣና ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም - መግቦም ነብቁለሎም ንሕና ኢና።"