ሻምፕዮን ኤርትራ፡ 'መን ክዕወት’ዩ ዘይግመተሉ ከቢድ ውድድር’ዩ' - ሳምሶን ሰሎሙን

Published

ሻምፕዮን ኤርትራ 2022፡ ሰነ 24 ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሰንበት 26 ሰነ ኸኣ ብናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ እዩ።

ኣብዚ ውድድር እዚ ዳርጋ ንብምልኦም ምስ ናይ ደገ ጋንታታት ዝወዳደሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ክሳተፉ ብምዃኖም፡ መን’ዩ ክዕወት? ንዝብል ሕቶ ምምላስ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ብዙሓት ርእይቶኦም ይህብሉ ኣለዉ።

ነዚ ዓርብን ሰንበትን ዝካየድ ውድድር ኣመልኪትና ምስ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራን ጋንታ ኣስቤኮን ሳምሶም ሰሎሙን ሓጺር ዕላል ኣካይድና ኣለና።

ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣስቤኮ ሳምሶን ሰሎሙን’ውን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ብምግላጽ ንሱን ጋንታኡን ነቲ ውድድር ዝኸውን እኹል ምድላዋት ገይሮም ከም ዘለዉ’ዩ ዝሕብር።

"ከም ጋንታ ኣስቤኮ፡ ንፍሉይ ተጻዋታይ ንምዕዋት ዲኹም ክትሰርሑ?" ንዝብል ሕቶ ከኣ፡ ጋንታ ኣስቤኮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ኣብ 2014 ንኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ 2017 ንሜሮን ተሾመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021’ውን ንዳዊት የማን ሻምፕዮን ኤርትራ ንኽዕወቱ ብጋንታ ደረጃ ከም ዝሰርሑ’ዩ ሳምሶን ዝገልጽ።

ውድድር ጽርግያ፡ ደቂ ኣንስትዮ

  • ሲንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ 6 ዙር 60.6 ኪሎ ሜትር
  • ደቂ ኣንስትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር

ውድድር ጽርግያ፡ ደቂ ተባዕትዮ

  • ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር
  • ደቂ ተባዕትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን 17 ዙር፡ 171.1 ኪሎሜትር

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጋንታ ኣስቤኮ ኣብ ዳግመ ምስራዕን ምጽጋንን ከም እትርከብ ዝገልጽ ሳምሶን፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሸውዓተ ተጻወትቲ ጥራይ ስለ ዘለውና፡ ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ ናይ ጁንየር፡ እቶም ሓሙሽተ ኸኣ ኣብ ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ስለዝጻወቱ፡ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ውጽኢት ከምጽኡ፣ ካብኡ ናብኡ ኸኣ ንሳምሶን ሃብተ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ንኸብጽሕዎ ኢና ክንሰርሕ፡” ኢሉ።

ጋንታ ኣስቤኮ ንፕሮፈሽናል ተወዳደርቲ ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ዳዊት የማነን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዘፍረየት ሓንቲ ካብ ዓብለልቲ ጋንታተት ብሽክለታ ኤርትራ እያ።

ቅድሚ ሕጂ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ

2021፡ ዳዊት የማነ

2020፡ ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን

2019: ናትናኤል ብርሃነ

2018: መርሃዊ ቅዱስ

2017: ሜሮን ብርሃነ

2016: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2015: ናትናኤል ብርሃነ

2014: ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር

2013: ሜሮን ተሾመ

2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ

ውድድር ግዜ፡ ደቂ ኣንስትዮ

  •  ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓደ ዙር 9.17 ኪሎ ሜትር
  • ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር
  • ኤሊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር

 ውድድር ግዜ፡ ደቂ ተባዕትዮ

  • ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር
  • ደቂ ተባዕትዮ ኤሊትን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር

ሳምሶን ሰሎሙን፡ ንምኽንያት ዋሕዲ ተጻወትቲ ጋንታኡ ኣብዚ እዋን እንክገልጽ፡ ዓሚ ምስዛ ጋንታ ኰይኑ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝዀነ ዳዊት የማነ ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ምስግጋሩ፣ ካብ ካልኣይ ዲቪዥን ናብ ቀዳማይ ዲቪዥን ንኽሰግሩ ዝተሓሰቡ ንኣሽቱ ተጻወትቲ ብሰንኪ ኮሮና ብቕዓቶም ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ስለዘይበጽሐን ከምዝዀነ የረድእ።

ብተወሳኺ’ውን ከም ተቐዳዳማይ ሮቤል ሚኪኤልን ሴላ ወልደሚካኤልን ከአ ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ዝነበሮም ውዕል ስለ ዝወድኡ ካብ ኣስቤኮ ወጺኦም ናብ ጋንታ ኤሪተል ስለ ዝተጸንበሩ እቲ ሃጓፍ ከም ዝተፈጠረ ገሊጹ።

ክብደት ሻምፕዮን ኤርትራ 2022

ኣሰልጣኒ ሳምሶን፡ ከም በዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉብርሃንን ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዝርከቡን ዕድሚኦም ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾኑን ተጻወትቲ ከም ምዃኖም መጠን፡ ኣብዚ ውድድር ዓቢ ጠመተ ዝውሃቦም ተጻወትቲ ምዃኖም’ዩ ዝገለጽ።

ኣስዒቡ፡ “መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ናትናኤል ብርሃን፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ መትከል እዮብ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያምን ካልኦትን” ስለ ዝሳተፉ እቲ ውድድር ‘ኣዝዩ’ ከቢድን ሰሓብን ከምዝኸውን'ውን ግምቱ የቐምጥ።

ሳምሶን ኣብዚ ሰንበት ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝኣመሰሉ ተቐዳደምቲ ኣጥቂዕካ ናይ ምኻድ ክእለት ስለዘለዎም፡ “በቲ ናቶም ቅዲ ኣጸዋውታ ተሞርኵሶም ነቲ ውድድር መጥቃዕትታት ዝበዝሖ ክገብርዎ ስለዝኽእሉ፡ መን ክዕወት ይኽእል ኢልካ ብኣጋ ክትግምተሉ ዘይትኽእል ሓያል ውድድር እዩ ክኸውን” ይበል።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ክወዳደሩ ዝጸንሑ ተጻወትቲ’ውን ሰናፋት ከምዘይኮኑ ዝገልጽ ሳምሶን፡ “ክንስዕሮም ኣለና ዝብል ኒሕ ሒዞም ናብዚ ውድድር ከም ዝኣትዉ ርዱእ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ብቕዓቶም ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘሎ ንምግማት’ውን ስለ ዝሕግዞም፡ ቅልጡፍን ዕረፍቲ ዘይህብን መጥቃዕትታት ክፍንዉ’ዮም ኢለ እግምት።”

ኣብዚ ውድድር ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ዝወዳደሩ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ካብ ኣስቤኮ ሳምሶን ሃብተ፡ ካብ ኤሪቴል ኣማኑኤል መሓሪ፡ ካብ ክለብ ሰንበል ሚኪኤል ሃብቶም ጎሚስታ ኣብዚ ውድድር ክደምቁ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ካብ ዝግምቶም ተጻወትቲ ከምዝኾኑ ይገልጽ።

ሳምሶን፡ “እዞም ዝገለጽክዎም ተጻወተቲ ዕድል እንተረኺቦም ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም፣ ከም ድሌት’ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ተጻወትቲ ክዕወቱ’የ ዝደሊ። እንተዀነ ሻምፕዮን ኤርትራ ነቶም ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ’ውን ስለ ዘገድሶም፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቶም ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ዝልዓለ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣለዎም ክብል እኽእል።"

መን ክዕወት’ዩ ኢልካ ትግምት?

ሳምሶን እቲ ጸወታ ብዓቢኡ ኣብ ክልተ መቒልካ ክርአ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ እቶም ተኽእሎ ምዕዋት ዘለዎም ኢሉ ዝግምቶም ተቐዳደምቲ'ውን ብኡ መንጽር ኣብ ክልተ መቒሉ የቐምጦም።

“መጥቃዕትታ በዚሑ ብዙሓት ጉጅለታት ተፈጢረን ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ እንተ ተበጺሑ፡ እቶም ናይ መጥቃዕቲ ዝብሎም ከም በዓል ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም፡” ይብል።

ኣተሓሒዙ፡ “ከም ካልኣይ ከኣ ቢንያም ግርማይ በዚ ኣብዚ እዋን ወኒንዎ ዘሎ ክእለት ቅጽበታዊ ውድድር [ቮላታ] ከምኡ’ውን ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ምስ ዘዝሃደምት ጉጅለ ክሃድሙ እንተውዒሎም ናይ ምዕዋት ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም” ብምባል ግምቱ የቐምጥ።

ቅድሚ ሕጂ ብናይ ግዜ ውድድር ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ

2021፡ መርሃዊ ቅዱስ

2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን

2019: ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር

2018: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2017: መኽሰብ ደበሳይ

2016: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2015: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2014: ናትናኤል ብርሃነ

2013: መትከል ክፍላይ

2012: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት

2011: ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት