እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትጽቢት ውጽኢት መረጻ ኬንያ ይቕጽል
ኣብቲ ካብ ዝካየድ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣቑጺሩ ዘሎ መረጻ ኬንያ፡ ቀጻሊ ፕረዚደንት መን ከምዝኾነ ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ከይዲ ቆጸራ ኣዝዩ ዝሑል ምዃኑ፡ ንኬንያውያን ኣብ ወጥሪ ኣእትዩዎም።
ዛጊድ ቆጸራ ሰለስተ ሲሶ ድምጺ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንተቓዋሚኡ ራይላ ኦዲንጋ በሊጹ ይመርሕ ኣሎ።
ዓበይቲ ትካላትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኬንያውያን ወጥሪ ካብ ዘስዕቡን ጎንጺ ዘልዕሉን ተግባራት ክቑጠቡ ጸዊዖም ኣለዉ።
ብቐዳም ገለ ልኡኻት ፖለቲካዊ ውድባት ከይዲ ቆጸራ ድምጺ ንምዕትዕንቓፍ ብምፍታኖም ኣባላት ኣድማ ብተና ናብ ማእከል ቆጸራ ድምጺ ተዋፊሮም ነይሮም።
ብመሰረት ሕጊ ኬንያ፡ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መረጻ ውጽኢት ዕላዊ ንምግባር ሓደ ሰሙን ይተርፎ።
ክልተ ሕጹያት ዝተፋጠጡሉን ዜጋታት ብስቕታ ዝፀበይዎ ዘለዉን ውጽኢት መረጻ ኬንያ
ልዕሊ ሓደ ሲሶ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ዝተረጋገፀ እንትኸውን ክልቲኦም ኣብ ፀቢብ ኣፈላላይ ዘለዉ ሕጹያት ድማ ኣብ ሓያል ውድድር ይርከቡ።
ብመሰረት ዛጊድ ዝተረጋገፀ ድምፂ፡ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብ51 ሚኢታዊ ክመርሕ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48 ሚኢታዊ ረኺቡ ኣሎ።
ሓላፊ ኮሚሽን መረፃ ኬንያ ምእዋጅ ውፅኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ መረፃ ኣዝዩ ከምዝደንጎየ ዝተኣመነ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ክልቲኦም ቀንዲ ሕጹያት ንዘቕረብዎ ጥርዓናት ስዒቡ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ውጽኢት ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ ነይሩ።
ደገፍቲ ራይላ ነቲ ውፅኢት ንምርግጋፅ ዝግበር መስርሕ ብተደጋጋሚ ከምዝዕንቅፉ ይግለፅ። ንገለ ኣፈጸምቲ መረፃ ኣብ ድምፂ ምትላል ይፍጽሙ ኣለዉ ክብሉ እዮም ዝኸሱ።
ኣብ ሞንጎ እቲ ክትዕ ድማ ኣካያዲ ጎስጓስ መረፃ ራይላ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ምርጫ ነቲ ሃገራዊ ውራይ ናብ ዘፈጽሙሉ ቦታ ብምኻድ ንመስርሕ ምፅራይ ውጽኢት ነቒፉ።
ሳይታባኦ ኦለ ካንቾሪ "ቦማስ ኬንያ ማእከል ገበናት ኮይኑ ከምዘሎ ንህዝቢ ክሕብር እደሊ" ኢሉ።
[ቦማስ ኬንያ - መስርሕ ቆፀራ ድምጺ ዝካየደሉን ውጽኢት ዝንገረሉን ቦታ ኮይኑ ሓደ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ባህላዊ ማእከል እዩ]
ሽዑ ነዚ ተቓውሞ ምስ ኣስምዐ ካብቲ ቦታ ክወፅእ ተገይሩ። ሰላም ንምውሓስ ብዝብል ኣብቲ ህንፃ ናይ ኣድማ ብተና ፖሊስ ተዋፊሮም ይርከቡ።
ዛጊት ካብቶም 292 ናይ ምርጫ ክልላት ናይ 141 ውፅኢት ተረጋጊፁ ኣሎ።
መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ካብ 46 ሽሕ ጣብያታት ንዝተረኸበ ወግዓዊ መረዳእታ ተጠቒመን ግዝያዊ ውፅኢት ክዝርግሓ ፀኒሔን’የን። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕጹያት ከኣ ኣዝዩ ፀቢብ ዝኾነ ኣፈላላይ ከምዘሎ የመልክታ።
ኣስታት 14 ሚልዮን ዜጋታት ድምጺ ዝሃቡ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ካብቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኣስታት 65 ሚእታዊት ይበፅሕ።
ኮሚሽን መረፃ ክሳብ ሰሉስ ውፅኢት ከፍልጥ ትፅቢት ይግበር።
ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ውፅኢት ወግዓዊ ንምግባር "ገለ ምምሕያሻት ክንገብር ኣገዳሲ ኮይኑ’ሎ" ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሩ ይርከብ።
ካብ ጣብያታት መረፃ ንዝተኣከበን ኣብ ዌብሳይት እቲ ኮሚሽን ንዝተዘርግሐን ግዝያዊ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ብማዕከናት ዜና ዝቐረብ ዘሎ ዝተፈላለየ ውፅኢት ምድንጋር ፈጢሩ’ሎ።
እቲ ዌብሳይት ብሰምሰርቲ ከምዝተጨወየን ውጽኢት ከምዝተቐየረን ንዝገልፅ ሓበሬታ ሰብመዚ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ነጺጎም ኣለዉ።
ኬንያውያን እንታይ ይሓስቡ ኣለዉ?
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ኣብዚ እዋን እውን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ስክፍታ ኣሕዲሩ ይርከብ።
ኣብ 2007 ኣቆፃፃራ ኣውሮፓ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕግርግር ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 600 ሽሕ ድማ ካብ ገዝኦም ተፈናቒሎም ነይሮም።
ድሕሪኡ ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ዓብዪ ሎጂስቲካዊ ክፍተት ከምዝነበረ ዘመልከተ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ መረፃ ዳግም ክካየድ ምውሳኑ ይዝከር።
እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ሰበስልጣን ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ከምዝርከቡ ይግለፅ።
ኣብ መላእ ሃገር ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ዝተዘሓሓለ ኮይኑ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ።
ኣብ ኬንያ ዝካየድ መረፃ ካብ ምትላል ዝፀረየ ከምዘይኮነ ንዓመታት ብተደጋጋሚ ዝለዓል ክሲ እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረፃ ቴክኖሎጂ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እኳ እንተሃለወ፡ ተቓወምቲ ግን ክስታት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓሉን።
ውጽኢት መዓስ እዩ ዝፍለጥ?
እቲ ውፅኢት ወግዓዊ ዝኾነሉ ዕለት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ኮሚሽን መረፃ ግን ነቲ ዝተረኸበ ድምፂ ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
መንነት ናይቲ ዝሰዓረ ሕጹይ ዝፍለጥ በቲ ኮሚሽን ኣቢሉ’ዩ።
ሕፁያት ኣብቲ መረፃ ኽዕወቱ እንተኾይኖም፡ ካብ ሓፈሻዊ ድምፂ መረፅቲ ነቲ ልዕሊ ፍርቂ ክዕወቱን ኣብ 24 ጣብያታት መረጻ ድማ ልዕሊ 25 ሚኢታዊ ድምጺ ክረኽቡን ግድን ይኸውን።
ከምዚ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ እቲ መረፃ ዳግማይ ኣብ ጷጉመ ይካየድ።