ኣመሪካ፡ ንልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ብቕትለት ካሾጊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሂባቶ

Published

ኣመሪካ፡ ወራሲ ዓራት ሽዑድ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ ነጻ ክኸውን ከም ዝወሰነት ገሊጻ።

ንመንግስቲ ስዑዲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ጀማል ካሾጊ፡ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑድ ዓረብ ተቐቲሉ።

ልኡል መሓመድ ነቲ ቅትለት ከም ዝኣዘዘ ሰብመዚ ድሕነት ኣመሪካ ገሊጾም ነይሮም።

ኰይኑ ግና እቲ ልኡል ብምኽንያት እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከም ዘለዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ካብ ቢሮ ፍትሒ ግዝኣት ኮሎምብያ ዝተረኸበ መረዳእታ “መምርሒ መሰል ዘይምኽሳስ ምስ ልሙድ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዝሰማማዕ መንገዲ ዝተዳለወ እዩ” ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ዝተመረጸ ልኡል መሓመድ፡ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ኢድ ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።

ብወሃቢ ቃል ኣማኻሪ ድሕነት ጉዳያት ጸጥታ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ነዊሕ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎም ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተመስሪቱ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተውሃበ ሕጋዊ ውሳነ ከም ዝዀነ እዩ ዝሕብር።

“ምስ ሕጋዊ ኣገዳስነት እቲ ክሲ ዘራኽብ የብሉን” እውን  ኢሉ።

በቲ ውሳነ ዝሓዘነት ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ ዝነበረት ሃቲስ ሰንጊዝ፡ በቲ ውሳነ “ጀማል ሎሚ መዓልቲ ደጊሙ ሞይቱ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

እቲ ንዋሽንግተን ፖስት ዝጽሕፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ፡ ናብታ ንግስና ንክምለስ ከእምንዎ ብዝተልኣኹ ሰባት፡ “ፋሉል ወፍሪ” ክብሉ ብዝገለጽዎ ኩነታት ከም ዝተቐተለ ሰብመዚ ስዑድ ዓረብ ገሊጾም ነይሮም።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ግና፡ ትካል ስለላ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) “ ካብ ማእከላይ ክሳብ ላዕለዋይ ብዝበጽሕ ደረጃ ምትእምማን”፡ ‘እቲ ልኡል’ ተባሂሉ ዝተጠቐሰ መዓመድ ቢን ሰልማን ተሓባባሪ ከም ዝነበረ ከም ዝደምደመ ገሊጾም።

ቅትለት ካሾጊ ዓለም ለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ ምስሊ ናይቲ ዘይወግዓዊ መራሒ ስዑድ ዓረብ ዝዀነ ልዑል መሓመድ እውን ደዊንዎ እዩ።