ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦምባ ተፈንጂሩ

Published

ኣብታ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦምባታት ከምዝተፈንጀሩ ፖሊሲ ሓቢሩ።

ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ከምዝበሎ፡ እቲ ነትጒ ትማሊ ሰኑይ ናይ ምሸት ከምዘጋጠመን፡ ኣብ ምሩጻት ዒላማት ከምዝተኻየደን ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ህዝቢ ንምሽባር ዝዓለመ ገበን ንምፍጻም ዝደለዩ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ከተማ ባህርዳር፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦንባ ፈንጂሮም" ክብል ተዛሪቡ።

ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንዝጠርጠሮም 6 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኮማንደር መሰረት ደባልቄ ኣፍሊጡ።

ካልኦት 14 ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሓባቢሮም ዝተባህሉ ሰባት'ውን ብትካላት ጸጥታ ክልልን ፈደራልን መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።

ምስቶም ዝተታሕዙ ውልቀሰባት 2 ቦምባ፡ 3 ብሬን፡ ሓደ 'ስናይፐርእ' ('ቀጭ-ሕርሙ') ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጥይት ከምዝተረኽበ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብቲ ክልል ብዝተኻየደ ‘ወፍሪ ምኽባር ሕጊ’ ልዕሊ 12 ሽሕ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።