እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ'ዩ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣኑ ክእለ ይኽእል'ዩ ዝበሃል ዘሎ?
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ምስቲ ክንቀፈሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዝጠፍኦ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ንካልኣይ እብረ ክምረጽ ዝዳሎ ዘሎ ራማፖዛ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ካብቲ ዝውንኖ ሕርሻ ከምዝተሰርቀ ክሓብእ ፈቲኑ ተባሂሉ'ዩ ዝኽሰስ ዘሎ።
ኣብቲ 'ፋርምጌት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ፕረዚደንት ሓበሬታ ከይወጽእ ነቶም ሰረቕቲ ኣብ ምጭዋይን ብላዕ ኣብ ምሃብን ተሳቲፉ ከምዝነበረ'ውን ይኽሰስ።
ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝቖመ ሓደ ናጻ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ራማፖዛ ንዘለዎ ስልጣን ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ፡ ከምኡ'ውን ንሕግታት ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ጥሒሱ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
ራማፖዛ ግን፡ ኣበሳ ከምዘይብሉን 580 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝተሰርቀን'ዩ ዝምጉት።
እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ካብ ሓደ ዝሸጦ ጎባይ (ቡፋሎ) ዝተረኽበ ምዃኑ'ውን ይሕብር።
ጸብጻብ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝተረከበ ፓርላማ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተመያይጡ፡ ካብ ስልጣኑ ይውረድዶ ኣይውረድ ኣብ ዝብል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።
ሲሪል ራማፖዛ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ-ኤን-ሲ) መራሒ ናይቲ ሰልፊ ኮይኑ እንተ ተመሪጹ፡ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ነቲ ሰልፊ ወኪሉ ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ክወዳደር ድሌት ከምዘለዎ ይፍለጥ።
እቲ ኣንጻር ብልሽውና ብዘካየዶ ጎስጓስ ናብ ስልጣን ዝደየበ ራማፖዛ፡ እቲ ጉዳይ ንዝቕጽል ፖለቲካዊ መጻኢኡ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይግመት።
ሃገራዊ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ሰልፊ ሎሚ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክዘራረብ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
ሎሚ ምስ ኣባላት ባይቶታት ኣውራጃ እታ ሃገር ንሎሚ ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ፡ ነቲ ጸብጻብ ንምምርማር ምንውሑ ንባዕሉ፡ እቲ ጉዳይ ፈጢርሉ ዘሎ ጸቕጢ ዘመልክት'ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።
እቲ ጸብጻብ፡ ሓያለ ኣጸገምቲ ሕቶታት ዘልዕል'ዩ። ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዙርያ እቲ ፕረዚደንት ተፈጢሩ ዘሎ ሸበድበድ ስልጣኑ ከስእኖ ከምዝኽእል ዝእምት'ዩ።
እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ዘልዓሎም ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፣
- ስለምንታይ'ዩ እቲ ፕረዚደንት 580 ሽሕ ዶላር ዝኣክል ኣብ 'ሶፋ' ኣቐሚጥዎ?
- ስልምንታይ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ ገንዘብ ምስጠፍአ ንፖሊስ ዘይሓበረ?
- ስለምንታይ እቲ ተሸይጡ ዝበሎ ጎባይ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ሕርሻ ይርከብ ኣሎ?
ብወገኑ ዝብሎ ነገርን፡ ፈጢሩሉ ዘሎ ፖለቲካዊን ሕጋውን ታኼላን ንብዙሓት ዘገርም'ዩ። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ምስሉ ኣንጻር ብልሽውና ብዘካይዶ ቃልስን ንጽህናን ዝተሃነጸ'ዩ። ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ጄኮፕ ዙማ፡ ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ዝተቛማጠዐ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ራማፖዛ ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ ንፓርላማ'ዩ ሓላፍነት ኣረኪብዎ።
በቲ ሰልፊ ዝዕብለል ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ መስርሕ እንተኣንቂሉ፡ ፍሉይ ኮሚተ መስሪቱ፡ ምምይይጥ ተኻይድሉ ድምጺ ክሳብ ዝወሃብ ግዜ ከምዝወስድ ርዱእ'ዩ።
ብዓይኒ ፍርዲ ህዝቢ ግን፡ ንጽህናን ስነምግባራዊ ባህሪን ናይቲ ፕረዚደንት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ'ዩ። እቲ ዝዓበየ ግን፡ በዲሉ እንተተረኺቡ እሞ'ኸኣ፡ ነቲ ኣብ 1990ታት ኣብ ምንዳፉ ዓቢ ተራ ዝተጻወተሉ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ጥሒሱ'ዩ ክርከብ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ገበናዊ ክስታት እንተቐሪብሉ ጥራይ'ዩ ካብ መዝነቱ ከውርዶ ዝኽእል- ዛጊት ገበናዊ ክስታት ግን ኣይቀረበሉን።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ክወዳደር ዝዳሎ ዘሎ ገዲም ፖለቲከኛን ወናኒ ናይ ሃድን ሕርሻን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ።
እቲ ብ'ፋርምጌት' ዝፍለጥ ዋጢጥ፡ ኣብ ሰነ 2020 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓላፊ ስለያ እታ ሃገር ዝነበረ ኣርተር ፍሬዘር፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝውንኖ ሕርሻ 'ፋላ ፋላ' ብዛዕባ ዝተሰርቆ 4 ሚልዮን ዶላር ኣይሓበረን ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ዝፍልም።
እቲ መሻርኽቲ ዙማ ዝኾነ ሓላፊ ስለያ ነበር፡ እቲ ጉዳይ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብልሽውናን፡ ከምኡ'ውን ጭውያን ጉቦን ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ዩ ዝኸስስ።
ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ኢድካ ምሓዝ ንሕግታት ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ራማፖዛ ብወገኑ፡ እቲ ዝምታ ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ ክንድቲ ዝተባህለ ከምዘይኮነን ክሰትሮ ከምዘይፈተነን'ዩ ዝምጉት።
ኣብ ሶፋ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ፡ ቡፋሎ ሸይጡ ዝረኸቦ ኣስታት 580 ሽሕ ዶላር ከምዝተሰርቀ ግን ተኣሚኑ'ዩ።
"ከምቲ ዝብሃል፡ ነቶም ነቲ ስርቂ ዝፈጸሙ 'ምህዳን' ኣይፈጸምኩን፡ ንክፍጸም ዝሃብክዎ ትእዛዝ የለን" ክብል ኣብቲ ንመርማሪ ጉጅለ ዝሃቦ መልሲ ይገልጽ።
"እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ምንጪ ናይቲ ዝተሰርቀ ሸርፊ ወጻኢ፡ ይኹን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ገንዘብ ብዝምልከት ክሕተት ኣለዎ ኢልና ንኣምን" ይብል እቲ ጸብጻብ።
"ከም መራሒ ሃገር፡ ነቲ ጥርጡር ንምሓዝ ንፕረዚደንት ናሚብያ ምትሕብባር ክግብረሉ ምሕታቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ንስልጣኑ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ" ድማ ይብል።
ፕረዚደንት ናሚብያ ሃገ ጌንጎብ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብሉ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ሸውዓተ ሓቅታት ብዛዕባ ሲሪል ራማፖዛ፣
- ኣብ 1952 ሰዌቶ ኣብ ዝተባህለ ታሪኻዊ ሰፈራ ጆሃንስበር ተወሊዱ
- ኣብ 1974፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1976 ኣንጻር ዓሌታዊ መግዛእቲ ጻዓዱ (ኣፓርታይድ) ብዘካየዶ ንጥፈታት ተኣሲሩ። ኣብ 1982 ድማ ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዕደና መስሪቱ
- ነልሰን ማንዴላ ኣብ 1990 ካብ ማእሰርቲ ኣብ ዝተፈትሓሉ፡ ኣቦመንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብምዃን ኣብቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ተዋሲኡ
- ኣብ 1994 ኣባል ባይቶን ኣቦመንበር ቅዋማዊ ባይቶን ብምዃን ኣገልጊሉ
- ኣብ 1997 ምሉእ ግዚኡ ናብ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምግባር ሓደ ካብ ሃብታማት እታ ሃገር ክኸውን በቒዑ
- ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ዕደና ማሪካና፡ ኣባል ቦርድ ኩባንያ ሎንሚን'ዩ ነይሩ
- ኣብ 2017 መራሒ ኤ-ኤን-ሲ ድሕሪ ምዃኑ፡ ብ15 ለካቲት 2018 ነቲ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝተገደደ ጄኮፕ ዙማ ብምትካእ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ