እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያ ዝተጸውዐ ሰልፊ ተቓውሞ ደው ንኽብል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ
ጻውዒት ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ስዒቡ ሎሚ ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝተሓሰበ ሓያል ተቓውሞ ተሰሪዙ።
እቶም ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ (ሰኑይን ሓሙስን) ሰለማዊ ሰልፊ ክካየዱ ዝጽውዕ ዝነበረ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ራይላ ኦሞሎ ኦዲንጋ ትማሊ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ጻውዒት እቲ ፕረዝደንት ተቐቢሉ “ንዝርርብ ቦታ ንሃብ” ኢሉ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ሓያሎ ዕንወት ንብረት ክበጽሕ እብከሎ ህይወት ሰባት ሓሊፉ’ዩ።
ትማሊ ምሸት ንህዝቢ መልእኽቲ ዘሕለፈ ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ ኦዲንጋ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ከኽብር ጸዊዑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩቶ ካብ ተቓወምቲ ዝቐረበሉ ዘይሻራዊ ኮሚሽን መረጻ ከም ብሓድሽ ክጣየሽ ናይ ምግባር ሓሳብ ከም ዝተቐበለ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተቓውሞታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ተሪር ኣካይዳ ንምግልባጥ ምውሳኑ፡ ንዘተ በሪ ከም ዝኸፈተ ዘርኢ’ዩ ክብል መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ትማሊ ሰንበት ፕረዚደንት ሩቶ ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ መነባብሮን ኣብ ምርጫታት ተፈጢሩ ዝበሃል ዘሎ ዘይስሩዕነትን ዝተላዕለ ተቓውሞታት ንፈለማ እዋን መደረ ኣስሚዑ’ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ንሓደ ካብ ጠለባት ኦዲንጋ ተሰማሚዑ ኣሎ - እዚ ድማ ኣብ ምቛም ዝቕጽል ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ባይቶ ክልተኣዊ ጽምዶ ክህሉ ምግባር እዩ።
ይኹን’ምበር፡ እንተላይ ኣብ ዋጋ መነባብሮን ሕጋውነት ፕረዚደንትነቱን ሓዊሱ ኣብ ካልእ ጠለባቱ ንራይላ ኦዲንጋ ከም ዘየሳትፎ ኣፍሊጡ።
ኦዲንጋ ምስ ኣብ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ፕረዝደንት ሩቶ ዘርኣዮ ምልስላስ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ኩሎም ጉዳያት ኣብ ጠረጴዛ ክቐርቡ ኣለዎም ይብል።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦዲንጋ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘጋጠመ ምኽባር ዋጋታት ምኽንያት ብምግባር ደገፍቱ ናብ ኣደባባይ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ዘለዎም ቁጥዐ ክገልጹ ጻውዒት ክገብር ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ንሎሚ መዓልቲ ተወጢኑ ዝነበረ ሰልፊ ሓያል ጐንጺ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።
ማሕበር ጋዜጠኛታት ኬንያ፡ ብምኽንያት እዚ ተቓውሞ መንግስቲ ኢንተርነት ክዓጹ ይኽእል’ዩ ዝብል ሓበሬታ በጺሑኒ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ እኳ እንተነበረ፡ ፕረዝደንት ሩቶ ሚዲያ እንዕፍነሉ፣ ኢንተርነት እንዓጽወሉ ዘመን ሓሊፉ’ዩ፤ ኬንያ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዛ እያ ክብል ትማሊ ነጺጉዎ።
ሓሙሽተ ግዜ ኣብ መረጻ ተወዳዲሩ ክዕወት ዘይክኣለ ራይላ ኦዲንጋ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝጸንሐ ኰይኑ ኣብ ሓደ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ኦዲንጋ፡ እቲ ተቓውሞ ከም ዝተሰረዘ ክእውጅ እንከሎ ምስ ፕረዝደንት ሩቶ ዝግበር ዝርርብ ውጽኢታዊ እንተዘይኰይኑ ዳግም ህዝቢ ንተቓውሞ ከም ዝጽውዕ ኣጠንቂቑ ኣሎ።