እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ሓያለ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ብሰንኪ'ቲ ናዕቢ ንግዳዊ ንጥፈታት ደስኪሉ ውዒሉ።
እቲ ተቓውሞታት ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ እቲ "ተቐባልነት ዘይብሉ" ዝበሎ መንግስቲ ነቲ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት መነባብሮ ፍታሕ ክረኽበሉ ከምዘይክኣለ ይኸስስ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ግን ንክስታት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝሰዓሮ ኦዲንጋ ነጺጉዎ'ሎ።
ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕሙ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ብውሕዱ ሓደ ሰብ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተሃርመ ተፈሊጡ።
ራይላ ኦዲንጋ ዝጓዓዘላ ዝነበረት መኪና ከይተረፈት ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተተኮሰላን ጉድኣት ከምዝወረዳን ተገሊጹ።
ኦዲንጋ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ነቲ ዘይተቐበሎ ውጽኢት ንምስራዝ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ'ኳ እንተነበረ ኣይሰመረሉን።
ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝኾነ ልዕሊ ሕጊ ዝኾነ ሰብ ከምዘየለን ኣብታ ሃገር ሕግን ስርዓትን ከሰፍን ምዃኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።
"ከም ፕረዚደንት፡ እዛ ሃገር ብግዝኣተ-ሕጊ ከምእትመሓደር ክገብር'የ። እቲ እንገብሮ ነገር ግን ካብ ሕጊ-ወጻኢ ወይ ካብ ሕገ-መንግስቲ ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ" ኢሉ።
ራይላ ኦዲንጋ ዘየለ ቅልውላው ሃንዲሱ ነቲ ተቓውሞታት ወዲቡ ክብል'ውን ሩቶ ነቒፉ።
ጠንቂ ተቓውሞታት ደቡብ ኣፍሪቃኸ እንታይ'ዩ?
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰኑይ ክካየድ ዝወዓለ ሓያል ተቓውሞታት'ውን ተመሳሳሊ ክብሪ መነባብሮ ዘበገሶ'ዩ።
እቲ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተወደበ ሰልፍታት፡ ንንጥፈታት እታ ሃገር ንሓደ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ንምዕጻው ዝዓለመ ኮይኑ፡ ፍርቂ ለይቲ ከብቅዕ ትጽቢት ይግበረሉ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ናብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ብምምራሕ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖዛ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም።
ራማፖዛ ብወገኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት ዝኾነ ሰብ ከይጎድኡን ንብረት ከየዕንዉን ኣጠንቂቑ።
መራሒ ናይቲ ንዝያዳ መሰላትን ረብሓታትን ጸለምቲ ከምዝቃለስ ዝገልጽ ኣብታ ሃገር ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ተቓዋሚ ሰልፊ 'ተቓለስቲ ቁጠባዊ ሓርነት' (ኢ-ኤፍ-ኤፍ) ጁልየስ ማሌማ ነቲ ሰልፊ ብምምራሕ ተሳቲፉ።
እታ ብልዑል ሽቕለት ኣልቦነት እትሳቐ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ሓያል ናይ ጸዓት ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሃሰየ ቁጠባኣ፡ ከምኡ'ውን ሕዱር ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ኣብ ህይወት ዜጋታታ እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።