ትግራይ፡ ንስድራቤት ገንዘባዊ ደበስ ክወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ

Published

ኣብ ትግራይ፡ ‘ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን’ ክካየድ ምዃኑ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ስድራቤታት ሓገዝ ገንዘባዊ ደበስ ክወሃበን ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፡ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ካብ 3-5 ጥቅምቲ 2016 [ግእዝ] ክካየድ ተወሲኑ ንዘሎ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣመልኪቱ መምርሒ ትግባረ ኣብ ዝዘርግሓሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶምን ሰንኪሎም እዮም፤ ብሰንኩ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ጸገም ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ወዲቐን ይርከባ።

ሰብ መዚ እቲ ክልል መርድእ ብስሩዕ መንገዲ ብዘይምንጋሮምን ብምድንጓዮምን ስድራቤታት ንጭንቀትን ምክልባትን ተቓሊዖም ዝብል ነቐፌታ ክቐርብ ምጽንሑ’ውን ዝፍለጥ እዩ።

ወለዲ ብዛዕባ ደቈም፡ ሰበይቲ ደሃይ ሰብኣያ ክሓቱ ብዙሓት ተኸላቢቶምን፤ ካብዚ ሓሊፉ ደሃይ ይፈልጡ እዮም ንዝበልዎም “ውልቀሰባት” ገንዘብ ከፊሎም ሓበሬታ ክዕድጉን ምጽንሖም ክንገር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ብገበን ከምዘቕጽዕ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ስድራቤት፡ ነቲ ብምምሕዳር ኣብቲ ቅንያት መዓልቲ ሓዘን ዝግለጽ ወግዓዊ ምንጋር ክጽበዩ ብዝቐረበ መዘካኸሪ መሰረት ድማ፡ እቲ መዓልቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክኸውን ተወሲኑን፡ ደቈም ዝሰኣኑ ስድራቤታት ድማ በቲ ግዝያዊ መንግስቲን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ - ትእምትን ገንዘባዊ ደበስ ክወሃቦም ምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

በዚ መሰረት፡ “ንስድራቤታት [ብሕሳብ] ንነፍስወከፍ ስዉእ 20 ሽሕ ብር ክወሃብ” ምዃኑ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

እዚ ገንዘብ፡ 10ሽሕ ብግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ፍርቍ 10 ሽሕ ድማ ብትእምት ዝሽፈን ኰይኑ ንደበስ እምበር ንመትከል እግሪ ከም ዘይኰነ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ብምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ተፈሪሙ ንህዝቢ ተዘርጊሑ ዘሎ መምርሒ፡ ካብ ጥቅምቲ ዝመጽእ ቀዳም 3 ክሳብ 5 [14-16] መዓልታት ሓዘን፡ መርድእን ዝኽሪን ክኸውን፤ ጥቅምቲ 6 [17] ድማ መዓልቲ 'ሕራነ' ኰይኑ እቲ ስርዓት ብሄራዊ ሓዘንን ዝዛዝመሉ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝተወሰነ የመልክት።

ኣብቶም ዝተጠቕሱ መዓልታት ሓዘን ዝዀነ ይዅን ብንግዳዊ ይዅን ዘይንግዳዊ ትካል ድምጺ ምቅላሕ፡ ስፖርታዊ ጸወታ ምክያድ፤ ብተወሳኺ ትልሂትን ጓይላን ከምዘይፍቀድን ብሕጊ ከም ዘቕጽዕን ኣብቲ መምርሒ ተነጺሩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ማሕበረሰባዊ ውራያት መርዓ፡ ጥምቀትን ዓመትን ቈልዓ ክልኩል ኰይኑ፡ ኣብያተ መስተን ሙዚቃን ዕጹዋት እየን።

እቲ ብ ጀነራል ታደሰ ተፈሪሙ ተዘርጊሑ ዘሎ መምርሒ “ብወግዒ ዝፍቀድ ኣስከሬን ስውእ ካብ ዝተቐበረሉ ቦታ ምልዓል ወይ ቦታ ምዝዋር ክልኩል እዩ፡” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ‘ውላድኩም ኣበይ ከምዝወደቐ ክንሕብረኩም’ . . . ብዝብል ዓሰርታት ኣሽሓት ገንዘብ ክቕበሉ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ጀነራል ታደሰ “ኣስከሬን ንምምጻእ ኣበይ ከም ዝተወሰውአ መረዳእታ ኣለኒ እናበሉ ከም ስራሕ ዝሓዙዎ ሰባት ምህላዎም ንፈልጥ ኢና፤ ገበን’ዩ።

ወለዲ ግን ደሃይ ውላዶም ንምፍላጥ ምንቅስቓስ ኣየድልዮምን፤ ንሕና ኢና ናብኦም ኬድና ንዛረቦ” ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ’ውን ነዚ ብምምልካት፡ “ሓበሬታ ስዉኣት ኣለኒ ብምባል ዝዀነ ይዅን ጥቕሚን ክፍሊትን ምሕታትን ምቕባልን ክሳብ 50 ሽሕ ብር ዘቕጽዕ ዘይሕጋዊ ተግባር” ምዃኑ ተነጺሩ’ሎ።

ነዚ ግብራዊ ንምግባር ድማ ኮሚቴታት ቍጽጻርን መቕጻዕትን ብደረጃን ጣብያን ወረዳን ቈይመን ከምዘለዋ ተፈሊጡ’ሎ።