ካብ ጃልባ ጸዲፉ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐ ገፋፊ ዓሳ ብደሓን ተረኺቡ

Published

ኣብ ገማግም ብራዚል ካብ ጃልባኡ ጸዲፉ ተሳኢኑ ዝጸንሐ ሓደ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብ ዓንዲ መሐበሪ ኣንፈት መራኽብ ሓዅሩ ተረኺቡ።

ወዲ 43 ዓመት ዳቪድ ሶረስ፡ ጃልባኡ ብማዕበል ተገፊዓ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ድሕሪ ምርካባ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እዩ ብኻልእ ገፋፊ ዓሳ ተረኺቡ።

ንሱ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓሳ እናገፈፈ እንከሎ ካብ ጃልባኡ ከምዝጸደፈን ናብቲ መሐበሪ መራኽብ ንኽበጽሕ ንኣርባዕተ ሰዓታት ከምዝሓምበሰን ተዛሪቡ።

ዳቪድ፡ ብጽምኢ ማይ ተሃስዩ ብምጽንሑ ሕክምናዊ ሓገዛት ድሕሪ ምርካቡ ናብ ንቡር ስርሑ ምግፋፍ ዓሳ ተመሊሱ ኣሎ።

ንሱ ብ25 ታሕሳስ እዩ ዓሳ ንኽገፍፍ ካብ ገማግም ሰሜን ዞባ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ተበጊሱ።

ዳቪድ ንማዕከን ዜና ብራዚል ጂ1 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብተን ናይ ፈለማ 10 ደቓይቕ፡ ናብታ ጃልባ ክሓኩር ይፍትን'ኳ እንተነበረ እቲ ማዕበል ብርቱዕ ብምንባሩ ክዕወት ከምዘይከኣለን እቲ ዝኸበደ ኵነታት ምንባሩ ተዛሪቡ።

ክሰልጦ ከምዘይክእል ምስተገንዘበ ግን ነቲ ሚዛን ወሲኹ ኣጸጊምዎ ዝነበረ ካምቻኡን ስረኡን ከምዘውጽአ ገሊጹ።

“ንፋስ ስለዝነበረን እቲ ማይ ይጻፋዕ ብምንባሩን ብዙሕ ሓይለይ ንኸየጥፍእ፡ በቲ ማዕበል ክድፋእ ወሲነ፡” ኢሉ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ከባቢ ወደብ ኣኩ ዝርከብ መሐበሪ ኣንፈት መራኽብ ብምርካቡ ኣብኡ ክሓኩር ክኢሉ።

“ዝዀነ ሓገዝ ቅድሚ ምርካበይ ብሰንኪ ቐዝሒ ክመውት እየ ኢለ ሰጊአ ነይረ” ክብል ነቲ ኵነታት ይዝክር።

ስድራኡ ብዛዕባ ምጥፋእ ሃለዋቱ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርጋሖም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ሓደ ንኽደልዮ ዝወፈረ ገፈፊ ዓሳ ረኺብዎ።

ዳቪድ ናብ ቤቱ እናተመለሰ እንከሎ ኣብ ዝተሳእለ ቪድዮ፡ ኵነታት ጥዕናኡ ደሓን ከምዝነበረን ይዋዘን ይስሕቕን ምንባሩን የርኢ።