እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርማሪ ላዕለዋይ ደረጃ ብልሽውና ምስ ወዱ ተቐቲሉ
ላዕለዋይ ደረጃ ጉዳያት ብልሽውና ዝምርምር ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ክኢላ ሕሳብ ምስ ወዱ ብጥይት ተቐቲሉ።
ወዲ 50 ዓመት ክሎተ ሙረይ፡ ኣብ ብዙሕ ዕንደራታት ውዕል መንግስቲ ብምስታፍ ንዝተጠርጠረ ኩባንያ ቦሳሳ የጻሪ ነይሩ።
ብተወሳኺ ምስቶም ንዝቐርበሎም ክስታት ብላዕ ዝኽሕዱ ሃብታማት ኣሕዋት ጉፕታ ዝተኣሳሰሩ ትካላት እውን ኣጻራዪ ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።
ፖሊስ ኣብ መንጐ ቅትለት ሙረይን እዞም መርመራታት ብልሽውናን ምትእስሳር እንተሃልዩ ከጻሪ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ሙረይ ብቐዳም ምስ ኣማኻሪ ሕጊ ዝዀነ ወዲ 28 ዓመት ወዱ ቶማስ ኣብ ጆሃንስበርግ ብመኪና እናኸዱ እንከለው ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብጥይት ተሃሪሙ።
ወዱ ሽዑ ንሽዑ ክመውት እንከሎ፡ ሙረይ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ብሰንኪ ዝወረዶ ማህሰይቲ ድሒሩ ከም ዝሞተ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ንወሃቢ ቃል ፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢረን።
ኣቦን ወድን ናብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝርከብ ገዛኦም ገጾም ይኸዱ ከም ዝነበሩ ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ጸብጺበን።
ሙረይ ከም ሓደ ብቤት ፍርዲ ዝተመዘዘ ኩባንያ ምጽራይ [ሕሳባት] ኰይኑ ዝሰርሖ ስራሕ፡ ሕሳብ ናይተን ትካላት ምፍታሽ፡ ንብረት ምምላስን ዝዀነ ገበን እንተሃልዩ ምሕባርን እዩ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ትካላት ቦሳሳ ዝበሃል ኣብ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ዝነጥፍ መንግስታዊ ውዕል ዝወሰደ ትካል እዩ ነይሩ።
ዞንዶ ኮሚሽን ብልሽውና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ፍርዲ ኮሚሽን መርማሪ መንግስታዊ ትካላት፡ ብልሽውናን ምትላልን መንግስታዊ ጽላት እቲ ኩባንያ ፕረዚደንትነት ጃኮብ ዙማ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውዕሊ መንግስቲ ንምርካብ ንፖለቲከኛታትን ሰበስልጣን መንግስትን ብሰፊሑ ብላዕ ሂቡ’ዩ ክብል ደምዲሙ’ዩ።
ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብቲ መርመራ ምትሕብባር ክነጽግ እንከሎ፡ ዝቐረብሉ ክስታት ብብልሽውና’ውን ነጺግዎም።
ኣብ 2018፡ ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ካብ ቦሳሳ ዝተረኸበ ወፈያ (ልግሲ) 35 ሽሕ ዶላር ክመልስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሓደ መርማሪ ጸረ ብልሽውና ብዛዕባ እቲ ወፈያ ንባይቶ ከም ዘጋገዮ እኳ እንተሓበረ፡ ውጽኢት መርመራኡ ግን ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተነጺጉ።
ፕረዚደንት ራማፎሳ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝነጽጐም ካልኦት ክስታት ብልሽውና ቀሪቦምሉ ኣለው።
ቦሳሳ፡ ናይ ባንክ ሕሳባቱ ምስ ተዓጸወ ናብ ወለንታዊ ምፍራስ እዩ ኣትዩ።
ሙረይ ምስ ኣሕዋት ጉፕታ ዝተኣሳሰሩ ትካላት ኣብ ምጽራይ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኮሚሽን ዞንዶ እቶም ኣሕዋት - ኣጃይ፡ ራጀሽን ኣቱልን - ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዙማ፡ "ስቴት ካፕቸር" ተባሂሉ ብዝፍለጥ መስርሕ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውሳነታት ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝፈተኑ መረዳእታ ረኺቡ’ዩ።
ስድራቤት ጉፕታ ኣብ 1993 ካብ ህንዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ምስ ክፍልታት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ብመንግስቲ ዝውነና ኩባንያታትን ኣታዊ ዘለዎ ውዕላት ዝነበሮም ኩባንያታት ዝወነኑ’ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ እቶም ኣሕዋት ጉፕታ ካብታ ዝተኣሰሩላ ኢማራት ዓረብ ኣሕሊፎም ክወሃቡ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ይሰርሑ ኣለው።
መንግስታዊ ውዕላት ንምስዓር ፋይናንሳዊ ብላዕ ከፊሎም ዝብሉ ክስታት ግን ይነጽግዎም።