ኣብ ስድራቤት ንዝተፈጠረ ባእሲ ክሽምግሉ ከይዶም ዝተቐተሉ ኣባላት ፖሊስ

Published

ኣብ ምዕራብ ካናዳ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ኣልቤርታ ዝነብሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ንዝተፈጥረ ባእሲ ክሽምግሉ ምስ ከዱ ብጥይት ተቐቲሎም።

እቲ ተኵሱ ዝቐተሎም ወዲ 16 ዓመት ጥርጡር መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ ተኵሱ ከምዝቐተለ ተፈሊጡ።

ጓል 55 ዓመት ኣደ እቲ ቐታሊ እውን ብጥይት ተወቒዓ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረላ ኣሎ።

እቶም ዝተቐትሉ፡ ትራቪስ ጆርዳን ብሪት ራያንን ዝተበሃሉ ኣባላት ፖሊስ፡ ክልቲኦም ኣብ ኣገልግሎት ፖሊስ ኤድመንተን እቲ ቐዳማይ ንሸሞንተ ዓመት ራያን ድማ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዘገልገሉ እዮም።

ሓለቓ ፖሊስ ዴል ማክፌ፡ እቶም ክልተ መኮንናት፡ ኣብ ኤድመንተን ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማ ምስ ቀረቡ ብጥይት ከም እተቐትሉ ገሊጹ ።

እቲ ናይ ፖሊስ ሓገዝ ጻውዒት በታ ኣደ ጥርጡር ከምዝቐረበን እቶም ፖሊስ ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ረኺቦምዋ ተታሓሒዞም ናብቲ ኣፓርታማ ምስ ቀረቡ ብኣድራጋ ጠያይቲ ወዳ ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ።

ምክትል መርማሪ ፖሊስ ኤድመንተን ዲቪን ላየር፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ እቲ ዝተኮሰሎም መንእሰይ፡ ብረት ከምዘለዎ ስለዘይፈለጡ ብረቶም ክጥቀሙን ነብሶም ክከላኸሉን ዕድል ኣይረኸቡን።

እቲ ተሌፎን 911 ዝቐረበ ጻውዒት ሓገዝ ፖሊስ እውን እቲ መንእሰይ ብረት ከምዘለዎ ኣይጠቐሰን።

ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ላኦራ፡ እቲ ተጠርጣርን ኣደኡን ኣብ ግጭት ስለዝኣተው ንሳ እውን ብጥይት ከምእተወቕዐት ሓቢሮም።

ፖሊስ፡ ነቲ ጥርጡርን ነታ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ከቢድ ግን ከኣ ርጕእ ኵነታት እትርከብ ኣደን ብስም ኣይጠቐሶምን።

ሓለቓ ፖሊስ ማክፌ፡ እቶም ክልተ መኮንናት ብቕልጡፍ ረድኤት ተዋሂብዎም ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስዱ እንተዀነ ክልቲኦም ብዘሕዝን ኵነታት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ምክትል ሓለቓ ስታፍ ላኦርክ እቲ ቅትለት ዝፈጸመ መንእሰይ ቅድሚ ሕጂ ብናይ ኣእምሮ ጸገም ብፖሊስ ይፍለጥ ከምዝነበረ፡ ግን ከኣ ናይ ገበን ሪኮርድ ከምዘይነበሮን ኣረዲኡ።

ፖሊስ፡ እቲ ቀታሊ እንታይ ዓይንት ሽጉጥ ከምእተጠቕመን ካበይ ከምዝምጽኣን ምርመራ ይገብሩ ከም ዘለዉ ድማ ገሊጾም።

ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲንን ኣብ መላእ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ፖሊስን ናይ ሓዘን መግለጺ ይውሕዝ ኣሎ።

ሚስተር ትሩዶ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣባላት ፖሊስ ንሰባት ምእንቲ ክኸላኸሉ ንገዛእ ርእሶም ንሓደጋ ይቃልዑ ኣለው። ኣብ ስራሕ እንከለው "ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኤድመንተን ብጥይት ተቐቲሎም” ዝብል ዜና ከኣ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘረጋግጸልና" ኢሉ።

"ንዅሎም መቕርብን መሳርሕትን እቶም መኮንናት ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ኣቕሪበሎም" ክብል'ውን ገሊጹ።

ከንቲባ ኤድመንተን ኣማርጄት ሶሂ፡ “ኣዝዩ ከቢድን ዘጕህን መዓልቲ" ክብል ገሊጹዎ።

ሶሂ "ስድራ ቤታት ፖሊስ፡ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት መዓልታዊ ስርሖም ወዲኦም ብሰላም ክምለሱዎም ብምትስፋው እዮም ናብ ስራሕ ዘፋንውዎም" ይብል።

"ብልብና ተኻፈልቲ ከቢድ ሓዘንኩም ኢና። ስለዝኾነ በቲ ዘጋጠመ ኣዚና ንሓዝን" ከኣ ኢሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ካናዳ፡ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ እንከለው ተቐቲሎም ኣለው።

ኣብ ኦንታርዮ ከምኡውን ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ እውን ካልእ ሓደጋ ኣጋጢሙ እዩ።