ሃገራት ምዕራብ፡ ግዳያት ኲናት ትግራይ ፍትሒ ክረኽቡ ጸዊዐን

Published

ሃገራት ምዕራብ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት (02 ሕዳር 2022) ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንደማዊ ኲናት ትግራይ ብሰላም ከም ዝዓርፍ ምግባሩን ንክልል ትግራይ ናብ ንቡር ምምላሱን ንኢደን።

እዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ ዝበላ እዘን ሃገራት፡ እቶም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ከምኡ’ውን ካልኦት ከባቢታት ዝቕጽሉ ዘለው ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘሻቕለን ሓቢረን።

ሎሚ ሓሙስ፡ ሃገራት ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ዴንማርክ፣ ፊንላንድ፣ ጃፓን፣ ኔዘርላንድ፣ ኒውዝላንድ፣ ኖርወይ፣ ስዊድንን ብሪጣኒያን ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ ኵሎም ወገናት ንድሕነት ሲቪላውያን ውሕስነት ክህቡ፣ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ንዅሉ ዝሓቘፈ ዝርርብ ክገብሩን ጸዊዐን።

እቲ ብምኽንያት ሓደ ዓመት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝወጽአ መግለጺ እዘን ሃገራት፡ እቲ ስምምዕ ኲናት ደው ብምባል ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ኩነታት ክምለስ ከም ዘኽኣለ ብምግላጽ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተረኽበ መኽሰብ ብምጽንባል፡ ነቶም ዝተረፉ ብድሆታትን ጻዕርታት ሰላምን ዕድል ዝፈጥር’ዩ ኢለን።

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነጥብታት ናይቲ ስምም ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይን ሓያለ ካልኦት ከባቢታትን ዝተመዛበሉ ሰባት ክሳብ ሎሚ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ይጽበዩ ኣለዉ።

ምስ ምውራድ ዕጥቂን ምጥያስ ዕጡቓት ህወሓትን ዝተሓሓዝ'ውን ብዙይ ዘይተፈትሐ ጸገም ኣሎ።

ኵሎም ዜጋታት ሰላም ንክረኽቡ ክስርሑ ዝግብኦም ነገራት ምህላዎም ንግንዘብ ኢና ዝበላ እዘን ሃገራት፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ምጥያስን፣ ሃገራዊ ልዝብ፣ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪ ቦታኦም ምምላስ ዝበሉ ቀጻሊ ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያት ምዃኖም ሓቢረን።

ብተወሳኺ፡ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ሓይልታትን፣ ግዳያት ግፍዕታት እቲ ኲናት ዝዀኑ ሰባት ፍትሕትን ተሓታትነትን ክረኽቡን ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣመልኪተን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ በሰላታት እቲ ኣዕናዊ ጐንጺ ንምሕዋይ ንምሕጋዝ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን እተን ሃገራት ገሊጸን።

እቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐን እቲ ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝዀኑ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘውረደ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምስጋሩ ድማ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢ ኣስዒቡ'ዩ።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ድማ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕትን ዝርከብዎም ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

እቲ ፈለማ ኣብ ርእሰከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀነት ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ንክልል ኣምሓራን ኤርትራን ዘሳተፈ ኣይነበረን።

ብድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ወጥርን ምትፍናንን ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊን ዘይስሩዓት ሚሊሻን ክልላት ከፍርስ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ብፋኖ ዝፍለጡ ዕጡቓት ዕጥቂ ምውራድ ኣብዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ግጭት'ውን ቀጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ንነዊሕ ዓመታት ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ይርከብ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካካይዶ ዝፈተነ ዝርርብ ሰላም ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዛንዚባር (ታንዛንያ) ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ዘይተሰማምዕሎም ቀንዲ ጉዳያት ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ምዃኑ ተሳተፍቲ ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውግእ ከም ዝተኻየደ ጸብጻባት ካብቲ ክልል ይገልጹ።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝፍጠር ዘሎ ጎንጽታት ንምፍታሕ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ኣትሪረን ክምሕጸና ምጽንሐን ይፍለጥ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኽፍጸም ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ዕቱብ ምክትታል ከም ዝገበራን ነቲ መስርሕ ክሳብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ርኡይ ተገዳስነት ኣርእየን ነይረን።