እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ትካል ጸጥታ ዝተዋህቦ ስልጣን "መኸተ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት" እንታይ የመልክት?
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ዝብል ቃል ንባዕሉ ኣዝዩ ኣካታዒ ኰይኑ ብዙሕ ዝተፈላለየ ትርጕማት ኣለዎ። ፕሮፖጋንዳ ግን ቀንዲ ትሕዝቶኡ እዩ።
ምስ ልምዳዊ ኲናትን ዕጥቃዊ ቃልስን ብምትእስሳር ግን ኣጽቢቦም ዝትርጕምዎ ኣለዉ።
ካልኦት ድማ ንሰላማውያን ሰባት እውን ዒላማ ዝገበረ ዝተዋደደ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ገይሮም ይርእይዎ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ ሞራል ጸላኢ ምድኻም እዩ።
ንዘመናት ብፍላይ ንወተሃደራዊ መራሕትን ወተሃደራትን ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፡ ብባህላዊ ኣገባብ መራኸቢታት እዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ምስፍሕፋሕ ኢንተርነት ተተሓሒዙ ግን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ መንጎ ተቓለስቲን ዒላማን ግልጺ ዘይኮነ መስመር ተፈጢሩ’ሎ።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንግስታት ዝምራሕ ዝነበረ ወፍሪ፡ ሕጂ ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን ስለዝሳተፉሉ እዩ።
ክንፈ ይልማ (ዶ/ር) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓባበሪ ፕሮፌሰር እዩ። ብፍላይ ብሕጊ ሳይበር ውህሉል ተመኵሮ ኣለዎ።
ኢንተርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ ክቐልል ምግባሩን ሰባት መንነቶም ከይተፈልጠ ሓበሬታ ክዝርግሑ ምኽኣሎምን፡ ሃገራት ንጉዳይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብደቂቕ ክጥምታ ዝገበረ ምዃኑ ይኣምኑ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ኢትዮጵያን
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ካብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለምን ምጅማር ዝሑል ኲናትን ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ቓል እዩ።
ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ "ሃጸያውያን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ከፊቶምልና" ብምባል ንምዕራባውያን ምውቃሱ ምዝካር፡ እዚ ጕዳይ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።
ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብዝምልከት ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ይዅን ኣብ ሰነዳት መንግስቲ ዝተገልጸ ነገር የለን።
ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሓምለ 01/2014 ዓ.ም. ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኣዋጅ ምቛም ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ምምሕያሽ ገይሩ እዩ። እቲ ምምሕያሽ ካብ ዘጠቓለሎም ዓንቀጻት እቲ ሓደ ኣቓልቦ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ስሒቡ’ሎ።
እቲ ምምሕያሽ ነቲ ትካል ተወሳኺ ስልጣን ዝሃበ ኰይኑ ካብዚኦም እቲ ሓደ መኸተ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት እዩ።
“መስርሕ ምምካት ኣብ ሃገር ዝግበሩ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናታት ምምራሕን ምውዳድን” ዝብል ሓላፍነት ነቲ ትካል ከምዝሃበ እቲ ምምሕያሽ ይሕብር።
ቅድሚ ዓመታት ንሚኒስትሪ ሰላም ዝተዋህበ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ተመለስቲን ናይ ምክትታል ሓላፍነት’ውን ተመሊሱሉ ኣሎ።
"ከምኡ'ውን ዝዀነ ሰብ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸቦ ሓበሬታ ክጥቀምን ኣብ ስራሕ ከውዕሎ ይግባእ" ይብል እቲ ሓድሽ ኣዋጅ። እዚ ግዴታ ዘይምፍጻም ብመሰረት ሕጊ ገበን ተሓታትነት ከም ዘስዕብ እቲ ኣዋጅ ይገልጽ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ስግኣት ዝኸውን ስለምንታይ እዩ?
እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ኣዋጅ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሕግታት ዝግበር፡ ነቲ ተግባር ብእዅል መልክዑ ዝገልጽ ኣይኰነን። ነቲ ሓላፍነቱ ካብ ምሃብ ሓሊፉ’ውን ንመን ከም ዝምልከት ሓዊሱ ዝዀነ ይዅን መብርሂ የብሉን።
ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ፡ ሕጊ ገበን ኮምፒተር፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝቈጻጸር ሕጊ፡ ዋላ እውን ሕጊ ገበን ኣሎ። ስለምንታይ እዚ ኣዋጅ ምውጻእ ኣድላዪ ኰይኑ ዝብል ሕቶ እዅል መልሲ ኣይረኸበን።
ኣብቲ ዓውዲ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ጕዳይ እዅል ምምኽኻር ኣይተገበረን ዝብል ጥርዓን ኣብ ዘስምዑሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ኣዋጅ ብታህዋኽ ዝጸደቐሉ ምኽንያት ሕቶታት ኣስዒቡ ኣሎ።
"ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ናይ ጸጥታ ጸገምን ዘይምርግጋእን ነዚ ናይ ሕጊ ጽገና ዝወለደን እመስለኒ። ኣካላት መንግስቲ ነቲ ጸገም ኣጋዲዶምዎ ካብ ዝብል እምነት ዝመጸ እመስለኒ" ክብል ከንፈ ይልማ (ዶክተር) ግምቱ ይገልጽ ።
ከም 'ኲናት ሓበሬታ'ን 'ስርሒታት ሳይበር'ን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህሉው ሕግታት ዝሽፈኑ ምዃኖም እውን ይሕብር።
ወሲኹ እውን፡ ዕላማ ምምስራቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራዊ ትካል ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (INSA) ነዞም ዕማማት ዝፍጽም ግቡእ ትካል ምዀነ ነይሩ ይብል።
ክንፈ፡ "እቲ ኵነታት ኣብ መንጐ እቲ ሕጊ ዝነደፈ ኣካልን ዝምልከቶም ህዝብን ክሳብ ክንደይ ዘተ ከምዝነበረ ዘርኢ እመስለኒ" ኢሉ።
መፍትሒኡ እንታይ እዩ?
ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ ዝምልከት ዝገዝእ ኣህጉራዊ ሕጊ የለን። ነዚ ንምትግባር ድማ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለወን ሕጋውን ፖሊሲኣውን ኣማራጺታት ተጠቒመን ነቲ ክፍተት ክሽፍና ይፍትና እየን።
ንኣብነት ኣሜሪካ ኣብ ወተሃደራታ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ንምምካት ዝተወደቡ ረጅመንት ኣለዉዋ። እዚ ሰራዊት ይዅን ኣባላቱ ነዚ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክጥቀሙሉ ከምዘይክእሉ ግን ብሕጊ ተቐሚጡ ኣሎ።
ብዘይካ ኣሜሪካ፡ ብዙሓት ሓይልታት ዓለም ነዚ ፕሮፖጋንዳዊ ኲናት ዝተወፈየ ሕግታትን መሓውራትን ክፍልታትን ኣለወን። ብጥብቂ ቍጽጽር ግን እዚ ንዕለታዊ ንጥፈታት ዜጋታትን ሰብኣዊ መሰላቶምን ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ይጽዕሩ።
ብዓለምለኸ ሕግታት ኣቢሎም ነቲ ክፍተት ንምምላእ ብደረጃ ሕቡራት መንግስታት ዝግበር ጻዕሪ ኣሎ ዝብል ዶክተር ክንፈ፡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ቀረባ እዋን ፍረ ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት የብሉን። እዚ ድማ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ሓያላት ሃገራት ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ጸረ-ሽበራ ዝፍጸሙ ገበናት እንታይ ፍልልይ ከምዘለዎ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።
ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ውልቀሰባት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ እዋናዊ ይዅን ጸጥታዊ ጉዳያት ዝህብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ናይዚ ሓድሽ ሕጊ ከይኣትዉ ስግኣታት ኣሎ።
"ኣብ ናጽነት ምዝራብን ተዛመድቲ መሰላትን ጸቕጢ ከይመጽእ፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ርእሰ-ሳንሱር ከይኣትዉ ስግኣት ኣለኒ" ክብል ስክፍታኡ ይገልጽ።
እቲ ሕጊ ንጥሕሰት መሰላት ከይውዕል ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ሕጂ እውን ናይ መንግስቲ ከምዝዀነ’ውን የተሓሳስብ።
ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ወይ እቲ ትካል ተወሳኺ መምርሒታት ብምውጻእ ዘይርጕጽ ዝዀኑ ነገራት ከነጽር ከምዘለዎ እውን ይመክር።
ዶክተር ከምዝብሎ፡ እዞም ትርጕማት እዚኦም'ውን መሰል ምዝራብ ሓዊሱ ንሰባዊ መሰላት ብዘይትንክፍ መገዲ ክትርጐሙ ኣለዎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሲቪላዊ ማሕበራት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ክሊ ዝተፈላለዩ ሕግታት ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ዓቢይ ስራሕ ክሰርሑን እዚ ሓድሽ ስልጣን ንጥሕሰት መሰላት ከይውዕል ሕጂ'ውን ከረጋግጹ ኣለዎም።