ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 48 ሰባት ሞይቶም

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, GOOGLE MAP

Published

ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ናይ መኪና ሓደጋ ብውሕዱ 48 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓቢሮም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ከሪቾ ሓንቲ ኮንተይነር ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ ሓደ ሰብ ብጻዕቒ ዝንቀሳቐሰሉ ቦታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ናብ መካይንን ሰብን ድሕሪ ምእታዋ’ዩ ኣጋጢሙ።

ኮማነደር ፖሊስ እታ ከተማ ጀፍሪ ማየክ፡ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ፡ 30 ሰባት’ውን ብኸቢድ ተሃስዮም ከምዘለዉ ብምሕባር ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ።

እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ዝተገልበጠት መኪና ዝተጸቐጡ ክልተ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ’ውን ሓቢሩ።

ካልእ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ዞባ ዝኾነ ቶም ምቦያ ኦደሮ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል’ውን “እታ ኮንተይነር ጽዒና ዝነረት ዓባይ መኪና ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ኣብ ልዕሊ ሸሞንት መካይን፡ ሞተር ብሽክለታታት፡ ብእግሮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ እግረኛታትን ኣብ ወሰን ጽርግያ ኮይኖም ዝሽቕጡ ዝነበሩ ሰባትን ሓደጋ ኣውረዳ” ኢሉ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እታ ዓባይ መኪና፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ጽርግያ ተሰይራ ደው ኢላ ዝነበረት ኣውቶቡስ ክትእለ ክትብል ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ነዚ ሓደጋ ከምዝፈጸመት ንማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝሰንበደን ሓዘን ከምዝተሰመዖን ብምግላጽ “መራሕቲ መኪና ብፍላይ ኣብ እዋን ብርቱዕ ማይ ዝያዳ ጥንቓቐ ከዘውትሩ” ብተዊተር ተማሕጺኑ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርገሐ ኣሳእል ናይቲ ሓደጋ፡ ሓንቲ ቀይሕ ኮንተይነር ዝጽዓነት ዓባይ መኪኣ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ባንኪ ቶጎንብያ እንከላ የርኢ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከሪቾ ዶክተር ኤሪክ ሙታይ ነቲ ክስተት “ጸሊም ሓደጋ” ብምባል ገሊጽዎ።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ስእሊ ናይታ ሓደጋ ዝፈጸመት መኪና ኣሰንዩ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ሓዘን መግለጺ “ልብኻ ዝሰብር ሓደጋ” ድሕሪ ምባል፡ ኩሉ ዘድሊ ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ነቲ ስርሓት ህይወት ኣድሕን፡ እቲ ዝሃርም ዝነበረ ብርቱዕ ዝናብ ከምዘሰናኸሎ’ኳ ኣንተተገለጸ፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ብርቱዕ ዝናብ እንተኾይኑ ግን ኣይተገለጸን።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝርከብ ጽርግያታት ኣዝዩ ካብ ምጽባቡ ዝተላዓለ ብተደጋጋሚ ሓደጋታት ከምዘጋጥም’ዩ ዝግለጽ።

ውደብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ዝበዝሐ ሓደጋታት ትራፊክ ከምዝተመዝገበላ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ሓንቲ ኣውቶቡስ ካብ ቢንቶ ናብ ማይ ዝመልአ ሩባ ብምጥሓላ 34 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።