ቀታሊ ጓሉ ንምህዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደኸመ ኣቦ ዓሪፉ

ጆን ዋርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ጓሉ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምቕታላ፡ ቀታሊኣ ክሃድን ን35 ዓመታት ዘሕለፈ ኣቦ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ።

ሬሳ ጁሊ ዋርድ፡ ካብ ቤሪ ሴንት ኤድሙንድስ-ሳፎልክ ዝተባህለ ኣብ መስከረም 1988 ኣብ ሕዛእቲ ማሳይ ማራ እዩ ተረኺቡ።

እንተዀነ፡ ዛጊድ ብቕትለት እታ ጓል 28 ዓመት ሰኣሊት እንስሳ ዘገዳም ዝተፈርደ ሰብ የለን።

ነቲ ጉዳይ ንምምርማር ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገንዘብ 2 ሚልዮን ፓውንድ ዘውጽአ ወላዲኣ ጆን ዋርድ፡ በዓልቲ ቤቱ ጃን ምስ ዓረፈት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን'ዩ ሞይቱ።

ዝተረፉ ክልተ ደቆም ቦብን ቲምን ተልእኾ ኣቦኦም ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጾም።

ቦብ ዋርድ፡ እቲ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ዝሞተ ኣቡኡ፡ ክሳብ ቅድሚ ገለ ሰሙናት መሪሕነት ምክትታል ከምዝቐጸለ ገሊጹ።

ምስ ሓዉ ብምዃን ስራሕ ኣቦኦም ክቕጽሉ ምዃኖምን፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መጽሓፍ ንምሕታምን፡ ሰነዳዊ ፊልም ንክስራሕን መደብ ከም ዘለዎም ይዛረብ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ዓለም፡ ኣቦይ ንዝሓለፉ 35 ዓመታት እንታይ ክገብር ከምዝጸንሐ ክትፈልጥ ትኽእል እያ" ኢሉ።

"ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ዛንታ'ዩ፡ ሰባት ድማ ኣስታት ፍርቂ እቲ ዛንታ ጥራይ እዮም ዝፈልጡ ይመስለኒ"።

ጁሊ ዋርድ ኣብ መወዳእታ ኣብ በረኻ ሳፋሪ ናይ ባዕላ ስእሊ ምስ ሰኣለት'ያ ተሰዊራ።

ንመወዳእታ ግዜ ብህይወት ዝተርኣየት፡ 6 መስከረም 1988 ኰይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ፡ ዝተቓጸለን ዝተፈላለየን ኣካላታ ዝሓዘ ሬሳኣ ብኣቦኣ ተረኺቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ሰበስልጣን ኬንያ ብእንስሳታት ዘገዳም መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመላ እኳ እንተገለጹ፡ ድሒሮም ግን ኣቦኣ ተወሳኺ መርትዖታት ምስ ኣቃልዐ ብኢድ ሰብ ከምዝተቐትለት ተቐቢሎም።

ዘይሕጋዊ ቅትለት

ክልተ ሓለውቲ ሕዛእትን እንስሳ ዘገዳምን ብሰንኪ ሰኣን እኹል መርትዖ፡ ኣብ 1992 ካብ ቅትለት ሚስ ዋርድ ናጻ ኮይኖም።

ሓድሽ ጉጅለ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ነቲ ጉዳይ ኣብ 1997 ዳግማይ መርሚሮምዎ፡ ኣብ 1999 ድማ ሓደ ሓላዊ ካብቲ ገበን ናጻ ኮይኑ።

ኣብ 2004 ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መርመራ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት ዝብል ፍርዲ ተመዝጊቡ።

ኣብ ብሮክሊ ዝተባህለ ከባቢ ዝነብር ኣቦኣ ጆን ዋርድ ልዕሊ 100 ግዜ ናብ ኬንያ መገሻ ብምግባር፡ ንቕትለት ጓሉ መን ተሓታቲ ምዃኑ ክሃድን ፈቲኑ ነይሩ።

ኣቐዲሙ፡ ሞት ጓሉ ብኣጋጣሚ እንተዝኸውን ‘ምተቐበልክዎ ነይረ’ ክብል እኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ቅትለት ንምጽራይ ግን ተስፋ ንኸቆርጽ ቆሪጹ ተላዒሉ።