ቁጽሪ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ናብ 11 ክብ ኢሉ

Published

ኣብቲ ካብ ጽባሕ 19 ጀሚሩ 26 ለካቲት ዝዛዘም መብል 15 ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ናብ 11 ክብ ኢሉ።

ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ገዲም ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ሃገር ዓንደማርያም፣ ዩኤል ሃብተኣብ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዓወት ኣማንን ኮይኖም ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣልዩ ውድድሮም ከካይዱ’ዮም።

ብዘይካ እዚኦም ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝወዳደር ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ምስ ጋንትኡ ብምዃን ንብጫ ማልያ ክወዳደር’ዩ።

ምሰ ጋንታ ባርድያኒ ዝወዳደር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ከምኡ ኸኣ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ጋንታ ትረንጋኑ ዝወዳደር መትከል እዮብ ከምኡ’ውን ምስታ ብኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥን ኮንቲነታል ጋንታ መይ ስታር’ውን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣቤል ብርሃነን ኣሮን ስምኦንን ምስ ሰለስተ ርዋንዳውያን ብምጥርናፍ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ'ያ።

ከምኡ ኸኣ ኮንቲነንታል ጋንታ Q36.5 ሓደ ኣብዚ ውድድር ከተሳትፎ ኣብ ዝርዝር ኣእትያቶ ዝጸንሐት ተቐዳዳማያ ስለዝሓመማ ቅያሩ ንኣባል እታ ጋንታ ናሆም ዘርኣይ ኣብዚ ውድድር ከተሳትፎ ምዃና ገሊጻ።

በዚ መሰረት ቁጽሪ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ናብ 11 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ወዲ 20 ዓመት ናሆም ዘርኣያ ኣብ 2021 ማ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ከምዝተሳተፍ ዝዝክከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ውድድር ንኻልኣያ ግዜኡ'ዩ ዝሳተፍ ዘሎ።

ናሆም፡ ኣብ 2021 ዙር ርዋንዳ ዝበለጸ ኣፍሪቓዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ክሽለም እንከሎ ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ታሽዓይ ኮይኑ ወዲኡ።

ዙር ርዋንዳ ናይ 2.2 መዐቐኒ እንከለዉ ኦሎምካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ተዓዊትሉ ከምዝነበረ ዝዝከር'ዩ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ካብ ዝሰጋገር ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዙኡ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ዓርባዕተ ዓመታት ኸኣ ኤርትውያን ሰለስተ ግዜ ብጫ ማልያ ክውንኑ ክኢሎም።

ኣብ 2019 ብመንገዲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2022 ኸኣ ብመንገዲ ናትናኤል ተስፋጽዮን።

ኣብ ዙር ርዋንዳ 20 ጋንታታት ክሳተፋ'ኳ መደብ ወጺኡ እንተነበረ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣብዚ ውድድር ከምዝቦኾረት ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ በዚ መሰረት 19 ጋንታታት 95 ተቐዳደመቲ ሒዘን ኣብዚ ውድድር ክስለፋ ትጽቢት ይግበር።