መራሕቲ ዓለም ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

Published

መራሕቲ ዓለምን ዓበይቲ ሰባትን፡ ኣብ መበል 96 ዓመተን ንዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዘለዎም ክብሪ ይገልጹ'ለዉ።

እቶም መራሕቲ፡ እተን ንግስቲ ንዝነበረን ዓሚቝ ስምዒት ሓላፍነትን ጽንዓትን ከምኡ’ውን ተዋዛይነትን ልግስን ዘለዎም ክብሪ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ “መሓዛ ፈረንሳ” ዝነበራ “ለዋህ ዝልበን ንግስቲ” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስተን ንግስቲ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ፡ ዘመነ ንግስነት እተን ንግስቲ “ብጸጋ፡ ብግርማን ዘይደክም ስነምግባር ስራሕን” ንዓለም ማሪኸን እየን ኢሉ።

ንፈለማ እዋን ቅድሚ 40 ዓመት ረኺብወን ዝነበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብግደኡ፡ “ካብ ንግስና ንላዕሊ - ንዘመን ዝገልጻ” እየን ክብል ሓቢሩ።

ኣብ 2021 ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነበሮ ምብጻሕ ብምዝኽኻር ድማ፡ “ብብልሐን ማሪኸናና፣ ብሕያውነተን ኣለዓዒለናና፣ ጥበበን ክኣ ኣካፊለናና” ኢሉ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ግዜ ንግስነተን ምስ 13 ፕረዚደንትታት ኣሜሪካ ተራኺበን።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ “ንጽቡቕ ምሕዝነት፡ ዓቢይ ጥበብን ዘደንቕ ክእለት ዋዛን ግርማዊት ፈጺመ ኣይርስዖን” ኢሉ።

ትራምፕ፡ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ “ኣዝየን ፍልይትን ምልክዕትን ሰብ ነይረን፤ ከምአን ዝበለ ሰብ የለን” ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ደብሊው ቡሽ ክኣ፡ ኣብ ግዜኡ ምስተን ንግስቲ ዘሕለፎ ናይ ሻሂ ሰዓታት ብምዝካር ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ “ዓባይ ሊቅ፡ ማራኺትን በላሕን” ነይረን ኢሉ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ዘመን ንግስናአን ምስ 12 ቀዳሞት ሚኒስተራት ካናዳ ተራኺበን እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ “ንካናዳውያን ግልጺ ዝዀነ ዓሚቝን ዘላቕን ፍቕሪ” ነይሩወን ይብል።

“ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተሓላለኸ ዓለም፡ ድልዱል ጸጋአንን ውሳነአንን ንዅላትና መጸናንዒ ሂቡና’ዩ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሓላይት፡ ጥበበኛ፡ ባህጊ ምፍላጥ ዝነበረን፡ ሓጋዚት፡ ተዋዛይትን ካልእን” እየን ነይረን ኢሉ።

ትሩዶ ሕንቕንቕ እናበለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብቶም ዝፈትዎም ሰባት ነይረን፤ ክናፍቐን እየ” ኢሉ።

‘ፍሉይ ስብእና’

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ሓዊሱ ባንዴራ ዝተፈላለያ ሃገራት ትሕት ኢሉ’ዩ ተሰቒሉ'ሎ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ዴር ሌይን፡ ናይተን ንግስቲ፡ “ንዕአን ብሓቂ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝጸንሐ ተደናጋጽነትን ምስ ኵሉ ወለዶ ናይ ምትሕውስዋስ ክእለትን ኣብነት ሓቀኛ መሪሕነት’ዩ” ኢላ።

ሓምሻይ ወዲ ሓውኣቦ እተን ንግስቲ ዝዀነ ንጉስ ኔዘርላንድ ዊለም-ኣሌክሳንደር፡ ንሱን ንግስቲ ማክሲማን፡ “ኣብ ውሽጢ ዓሚቝ ክብርን ፍቕርን፡ ንጽኑዕን ጥበበኛን ንግስና” ንዝክር ኢሉ።

ናይ ርሑቕ ዘመድ ዝዀነ ንጉስ ስዊድን ካርል 16 [XVI] ጉስታቭ ብወገኑ፡ “ወትሩ ቤተሰበይ ዝፈትዋን ኣብ ሓበራዊ ታሪኽ ቤተሰብና ዓባይ መተኣሳሰሪትን” ዝነበረት ንግስቲ እያ ክብል ገሊጹ።

ንጉስ ቤልጅም ፊሊፕን ንግስቲ ማቲልዴን ክኣ “ፍሉይ ስብእና  . . . ኣብ ዘመን ንግስንአን ክብሪ፡ ሓቦን ውፍይነትን ዘርኣያ” ኢሎም።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝገርም ዋዛአን ከም ዝዝክር ብምግላጽ፡ “ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ መንጐ ጀርመንን ኢንግሊዝን ዕርቂ ክወርድ ዝነበረን ተወፋይነት ፈጺሙ ኣይርሳዕን” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ድማ፡ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ንግስና ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ምስተን ንግስቲ ዘይርሳዕ ግዜ ከም ዘሕለፈ ተዛሪቡ።

“ሕያዋይነተን ፈጺመ አይርስዖን። ኣብ ሓደኡ ኣኼባና፡ ማህተማ ጋንዲ ኣብ መርዓአን ዝሃበን መንዲል ኣርእየናኒ። እዚ ዝኽሪ ወትሩ ኣብ ልበይ ከሕድሮ’የ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ከምኡ’ውን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን እውን መልእኽቲ ሓዘኖም ሰዲዶም።

“ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ዘይጠፍእ መርኣያ መሪሕነት ነይረን” ክብል ንጉስ ሳልማን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣየርላንድን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን’ውን ብተመሳሳሊ ብሞት እተን ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘንን ዝኽርን ገሊጾም።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ንሰብዓ ዓመታት ኣብ ንግስና ጸኒሐን። እተን ንግስቲ 16 ግዜ ኣብ ኣውስትራሊያ ምብጻሕ ገይረን እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ብዘይብእአን ብዙሓት ዓለም ኣይምለፈጡዋን ኢሉ።

“ዓውዓውታን ዕግርግርን ኣብ ዘለዎም ዓመታት፡ ንሰን ግዜ ዘየህስሶ ጭውነትን ስኽነትን ኣርእየን” እየን ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ወሲኹ፡ “ምሳና ጽቡቕ ግዜያት ኣኽቢረን፤ ኣብ ሕማቕ ግዜ’ውን ኣይተፈለያናን። ሕጕስቲ፡ ምዕርግትን ጽንዕትን” ኢሉ።

'ኣብ ታሪኽ ነቢረን፣ ታሪኽ ሰሪሐን'

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቅ ሀርዞግ፡ እተን ንግስቲ ኣብ ዘመነ ንግስናአን ብዙሕ ለውጥታት ከም ዝርኣያ ብምግላጽ፡ “ምልክት ህዱእ፡ ሓላፍነታዊ መሪሕነትን ሞራል፡ ሰብኣውነትን ፍቕሪ ሃገርን ነይረን” ክብል ተዘክሮኡ ገሊጹ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ናብ እስራኤል ከይደን ኣይፈልጣን።

ልኡል ቻርለስ፡ ኤድዋርድ፡ ዊልያምን ኣደኡ ኣብ እየሩሳሌም ዝተቐብረት ልኡል ፍሊፕን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም።

“ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ታሪኸኛ ሰብ ነይረን፤ ኣብ ታሪኽ ነቢረን፣ ታሪኽ ሰሪሐን። ድሕሪ ሕልፈተን’ውን ኣዝዩ ዘደንቕን ምልዕዓል ዝፈጥርን ውርሻ ገዲፈን” ክብል ፕረዚደንት ሀርዞግ ጽሒፉ።

ምስተን ንግስቲ ብዙሕ ግዜ ዝተራኸበን ኣብ ሓደ እዋን ን14 ደቓይቕ ኣጸብዩወን ዝበሃልን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ መግለጺ ሓዘኑ ናብ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ልኢኹ።

“ኣብ ውሽጢ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ክስተታት ዓባይ ብሪጣንያ ካብተን ግርማዊት ፈሊኻ ዝርኣዩ ኣይኰኑን። ንብዙሓት ዓሰርታት ዓመታት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ ኣገልገሎተን ኣብ ዓለም ድማ ከም መራሒት ፍቕርን ክብርን ረኺበን እየን” ክብል ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ብሪጣንያ ሓዊሱ ሃገራት ምዕራብ ቍጠባዊ እገዳ ኣንቢረናላ ይርከባ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ብትዊተር ገሊጹ። 

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ -መብዛሕትኦም ‘ኮመንወልዝ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ሃገራት’ውን፡ ብሞት እተን ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ኣለዉ።

ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ “ንታሪኻዊ ውርሻአን” ንኢዱ።

ኬንያ፡ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ኰይና ብ1963 እያ ናጽነታ ረኺባ። እተን ንግስቲ ድማ ኬንያ ኣዝየን ዝፈትዋኣ ሃገር እያ።

ክጅመር እንከሎ፡ ኣብኡ እየን ንግስቲ ኰይነን።

ሽዑ፡ ጓል 25 ዓመት ዝነበራ እተን ልእልቲ ንዕረፍቲ ናብ ኬንያ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ኣብ ድቃሶም እንከለዉ ብ1952 ሞይቶም።

ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጐ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ’ውን ብተመሳሳሊ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

“ንግስቲ ኤልሳቤጥ መሓዛ ኣፍሪቃ ነይረን፤ ኣፍሪቃ እውን ንዓአን ዝነበራ ፍቕሪ ኣርእያ’ያ” ክብል ዓሊ ቦንጐ ገሊጹ።