ኣብ ደቡብ ወሎ ኣብ ዕደና ኦፓል ዝተደፈኑ ሰባት ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ ኳዕቲ ደው ከምዝበለ ተገሊጹ

ዓደንቲ ዝተደበዩሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, SOUTH WOLLO COMMU

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ደላንታ ፡ ማዕድን ኦፓል ኣብ ዘውፅኡሉ እዋን በዓቲ ዝፈረሶም ብዙሓት ሰባት ካብቲ ቦታ ንምውፃእ ዝካየድ ዝነበረ ኳዕቲ ከምዝተቛረፀ ተሓቢሩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ወገል ጤና ኣቶ ተስፋይ ኣለምነው፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሻድሻይ መዓልቱ ዘቑፀረ፡ ኣብ ወሽጢ ዝተደፈኑ ንምድሓን ዝተጀመረ ኳዕቲ ደው ከምዝበለ ሓቢሩ።

ሸሞንተ ኣባላቱ ግዳይ እቲ ምፍራስ ከምዝዀኑ ዝገለጸ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣፍረይቲ ክቡር እምኒ፡ ኣቶ ተስፋይ ኣጋዥ፡ እቲ ኳዕቲ ደው ከምዝበለ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ተስፋይ፡ ዕዮ ኳዕቲ ትማሊ ረቡዕ 6 ለካቲት 2016 ዓ.ም ወጋሕታ ጠጠው ኢሉ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ግን ክጅመር እዩ እንተበሉ'ኳ፡ ኣቶ ተስፋይ ኣጋዥ ግን ስራሕ ኳዕቲ ትማሊ ሰሉስ ጠጠው ከምዝበለን፡ ሎሚ ከምዘይጅምርን ገሊፆም።

እቶም ብኣማኢት ሜትሮ ዕምቆት ተቐቢሮም ተባሂሎም ዝእመነሎም ኣውፃእቲ ዕደና ኦፓል ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ፡ ካብ 60 ክሳብ 70 ሜትሮ ዕምቆት ድሕሪ ምኹዓት እዩ ደው ኢሉ።

ሓሙስ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ግእዝ እቲ በዓቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብለይቲ ዕደና ኦፓል ዝኹዕቱ ዝነበሩ ፈሪሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰብ ተደፊኑ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኩነታቶም ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኮሚኒኬሽን ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ቁልቁል ኣፉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ታንከር ዕደና ዝፈረሱ ሰባት ልዕሊ 20 ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ልክዕ ቁጽሮም ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ምዃኑ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ይገልጹ።

ኣቶ ተስፋይ ኣጋዥ፡ እቶም ዓደንቲ ካብ ሓመድ ንምውጻእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓመድ ክሃምም ስለዝጀመረ፡ እቲ ኳዕቲ ደው ከምዝበለ ይዛረብ።

ትማሊ ኣብቲ ናይ ኳዕቲ ንጥፈታት ኣስታት 55 ሰባት ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓመድ ክስሕብ ምስ ጀመረ ቀልጢፎም ከም ዝወጹ ገሊጾም።

“ቀልጢፍና እንተዘይንወፀጽእ ነይርና ሓደጋ ነይሩ። ህይወት እቶም ዝኹዕቱ ዝነበሩ ሰባት ንሓደጋ ተሳጢሑ ነይሩ" ክብል ነቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሓደጋ ኣብሪሁ።

“ ኣባለት ስድራቤት እቶም ኣብቲ በዓቲ ዝቐቢሮም ዘለዉ ዓደንቲ ኣብኡ ነይሮም፡ ‘እቲ ገደል ፈሪሱ ካልእ ሓደጋ ስለዘስዕብ፡ ክነቋርፆ ተገዲድና’ ምስ በልናዮም፡ እናበኸዩ ከይዶም" ኢሎም።

ኣቶ ተስፋይ ኣጋዥ፡ እቲ ናይ ምኹዓት ስራሕ 60 ሜትሮ ከምዝበጽሐን ዝሓለፈ ረቡዕ ምሸት ደው ከምዝበለን ገሊጹ።

እቶም ሰባት ኣብ ኣማኢት ሜትሮታት ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ተቐቢሮም ስለዘለዉ፡ በቲ ኳዕቲ ኣቢልካ ንፋስ ንክኣትወሎም ኣብ ዘኽእል ቦታ ክብፃሕ ኣይተኽኣለን።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ደላንታ 018 ኣለዋት ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ማይ ኮክ ዝተባህለ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።

ኮሚኒኬሽን እቲ ዞባ፡ እቶም ዝተደበዩ ሰባት ልዕሊ 20 ምዃኖም ክገልጽ ከሎ፤ ሰብመዚ ግን ትኽክለኛ ቁጽሮም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብቲ ቦታ ብምኻድ ኣብ ስራሕ ምድሓን ህይወት ክሕግዙ እንከለዉ፡ ናብቲ በዓቲ ዝወስድ መንገዲ ግን ጸቢብ ስለዝዀነን ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ክኣትዉ ስለዘይክእሉን ጻዕሮም ቅልጡፍ ክኸውን ኣይከኣለን።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተገብረ ኳዕቲ፡ መሬት እቲ ከባቢ ድልዱል ስለዘይኰነ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ዝገብር ዘሎ ህዝቢ እውን ካልእ ስግኣት ከምዘስዕብ ኣይተ ኣያሌው ኣመልኪቱ።

ኣካያዲ እቲ ዞባ ዓሊ መኮነን፡ እቲ ከባቢ "ኣሽንኳይዶ ንኳዕቲ መኪና እኹል ሰብ ንምእታው'ውን ዝምችእ ኣይኰነን" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከብ ወረዳ ደላንታ ንስራሕ ስልማት ዘድሊ ኦፓል ዝርከበሉ ቦታ ኰይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ማዕድን ኣብ ዘይውሑስ ኵነታት ኣውጺኦም ናብ ዕዳጋ ይሸጡ።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ኣያሌው በሪሁን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ሓደገኛ ከምዝዀነ መጠንቀቅታ ክወሃብ ምጽንሑ ሓቢሩ።