"ኣስከሬን 10 ሰባት ተረኺቡ ቀብሪ ተፈጺሙ፤ ናይ ካልኦት ኣለሻ ቀፂሉ'ሎ" ውፃእ ሓደጋ ውሕጅ ትግራይ

ሓደጋ ውሕጅ

ምንጪ ስእሊ, FB/SCREEN

Published

ኣብ ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሰለኽለኻ ዘጋጠመ ከቢድ ውሑጅ፡ ኣስታት 10 ሰባት ቀቲሉ ብዙሓት ድማ ደሃዮም ከምዝጠፍአን ኣለሻ ከም ዝቐጸለን ተገሊፁ።

ህዝቢ እቲ ከባቢ  ደሃዮም ንዝጠፍኡ ግዳያት ንምርካብ ኣለሻ የካይዱ ከም ዘለዉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቁፅሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ክዛይድ ከም ዝኽእል ድማ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣይተ ጉዕሽ ኣረጋይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 18 ሰነ 2014 [ግእዝ] ግዳያት ሓደጋ ውሑጅ ካብ ሞንጎ ዝኾኑን ንስክላ ዝተረፉን ነባሪ ከተማ ሰለኽለኻ እዮም።

ምስኦም ካብ ዝነበሩ 25 ሰባት ንሶም ጥራሕ ከም ዝወፅኡን ካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ዝፈልጥዎም ሰባት በቲ ውሑጅ ከም ዝተወሰዱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣይተ ጉዕሽ፡ “25 ሰባት ብሓደ ነይርና። ካብቶም 25 ሰባት ኣነ ጥራሕ እየ ወፅየ። ካልኦቶም በቲ ውሑጅ ተወሲዶም። ኣነ እውን ድሕሪ ክንደይ ገልታዕታዕ ኣብ ጥቓይ ዘዝነበረ ኦም ኣውሒ፡ ሒዘ እየ ተሪፈ” ኢሎም።

ኣብኡ ዝነበራ ዝፈልጡወን ኣደታት ምስ ደቀን በቲ ውሑጅ ከም ዝተወሰዳ ድማ ገሊፆም።

“ኣብዚ ዝነበራ ክልተ ኣደ ቆልዑ ምስ ደቀን ተወሲደን። ኣነ ብሂወት ተሪፈ ኣለኹ፤ ግና ልዕሊ 80 ሽሕ ብር ጠፊኡኒ እዩ። ሕዚ ኣብ ጥራይ ከብድና ኢና ዘለና” ኢሎም።

ኣይተ ጠዓመ ወልደገብርኤል ዝተባህሉ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ብወገኖም ብሰንኪ እቲ ሓደጋ  ናይ ዝሞቱን ኣስከሬኖም ዝተረኸበን ሰባት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከም ዝተፈፀመን፡ ካልኦት ብዙሓት ደሃዮም ከም ዝጠፍአን ተዛሪቡ።

“ሰለኻ ብውሑጅ ኣዕለቕሊቓ እያ።  ኣብቲ ናህትና መሳገሪ ድልድል እዩ እቲ ዋና ሓደጋ ኣጋጢሙ። ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ንግዲ ኮንተይነራት ወሲድዎ። ኣብኡ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት እውን በቲ ውሑጅ ተወሲዶም። ብዙሓት ሰባት እዮም ሞይቶም። ክሳብ ሕዚ ሬሳኦም ዝተረኸበ ኣስታት10 ዝኾኑ ደቂ ሰለኽለኻ ተቐቢሮም ኣለዉ። ካልኦት ሃለዋቶም ዘይተፈለጡን ሬሳኦም ዘይተረኸቡን ኣለዉ” ኢሉ።

እቲ ሓደጋ ውሑጅ  ዘጋጠመሉ  መዓልቲ ናይ ዕዳጋ መዓልቲ ቀዳም ብምንባሩ ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ብፍሉይ ሓድሽ ዓዲ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዕዳጋ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት በቲ ውሑጅ ከምዝተወሰዱ ድማ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ካብ ህይወት ሰብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እንስሳት፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ ቀወምቲ ተኽልታትን ትካላት ንግድን ጉድኣት ከም ዘውረደ’ውን ነበርቲ ተዛሪቦም።

"ኣብ ፀገም ወዲቕና"

ነባሪ እቲ ከባቢ ዝዀነ ኣይተ ተኽለማርያም ገብረመስቀል፡፡ ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝፈረየ ቀወምቲ ኣትክልቲ በቲ ውሑጅ ከም ዝተወሰደ ይገልጽ።

“ዝናብ ምስ መጽአ ኣብቶም ኮንተይነራት ኣዕቂሉ ዝነበረ ህዝቢ በቲ ውሑጅ ተወሲዱ። ዝነበረ ዕዳጋ ሸቐጣትን ስርሓት ዕንጸይቲ ናውትን ተወሲዱ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኣብቲ ቦታ ኣብ ገዛይ ዝተኻረየት ሰብ ከም ኣጋጣሚ ብህይወት ተሪፋ፡ ኣብኡ ወዲቓ ተረኺባ። እቲ ገዛ ግን ፈሪሱ እዩ” ክብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣብሪሁ።

ካልእ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ወይዘሮ ታደለች ገላ ድማ፡ ህይወተን ንስክላ ከም ዝተረፈት ገሊፀን።

“ናብ ገዛይ ውሑጅ ኣትዩኒ ኣቝሑተይ ኵሉ ወሲድዎ። ሕሩጭ ኣይተርፍ፣ በርበረን ሽሮን ኵሉ በቲ ውሑጅ ተወሲዱ። ኣነ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ መጺኡ’ዩ ኣውጺኡኒ። ሕዚ ኣብ እንዳ ጐረቤት እየ ዝሓድር ዘለኹ” ኢለን።

እዚ ሓደጋ ብዘውረዶ ጉድኣት ብዙሓት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብዚ እዋን ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዛጊድ ዝበፅሐሎም ኣካል ከም ዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

በቲ ሓደጋ ውሑጅ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ኣይተ ጣሂር ዓሊ፡ ክሳብ ሕዚ መፅዩ ዝረኣዮም ኰነ ዝሓገዞም ኣካል ከም ዘየለ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን ዝድቅሱሉ ይኵን ዝኽደንዎ ክዳን ከም ዘይብሎም ዝገልፁ ኣይተ ጉዕሽ ብወገኖም፡ “ክሳብ ሕዚ ዋላ ሓደ መልሲ ኣይረኸብናን። ዝድቅሰሉ፡ ዝኽደኖ፡ ዝበልዖን ዝሰትዮን የብለይን። ጥራይ ከብደይ እየ ዘለኹ” ብምባል ከም ዝሓርበቶም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሰበስልጣን ትግራይ ተወሳኺ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።