እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ሕክምና ሰራዊት ትግራይ፡ 'ህላወ ፈጣሪ ዝተጠራጠረሉ' መሪር ተመኵሮኡ ብኸመይ ይገልጽ?
ኣብ ነሓሰ 2022 (ነሓሰ 2014 - ግ)፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ብሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ዝሕገዝ ሰራዊት ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ኲናት ከምብሓድሽ ተወሊዑ ካልእ ዙር ምፍሳስ ደም ጀመረ።
እተን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኵሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንምድላው ተጠቒሞሙለን። እቲ ውግእ ምስ ተባርዐ፡ ሰራዊት ትግራይ ዳርጋ 360 ዲግሪ ንኽዋጋእ ኣብ ዝተገደደሉን እዋን፡ ኣባል ክፍሊ ሕክምና እቲ ሰራዊት ነበር ብርሃን፡ ኣብ ዓቢይ ዓዲ ኣብ ዝርከብ ማእከል ውጕኣት ንኣባላት ሰራዊት ይሕክም ነይሩ።
(ብርሃን ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን)
'ልዕለይ ነዛ ሰላም ዝተመነያ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን'
ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ግደ ብርሃንን ብጾቱን ህይወት ናይቶም መውጋእቲ ዘጋጠሞም ተጋደልቲ ምድሓን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ክባን ዝነበረት ትግራይ ቀረብ መድሃኒትን መሳርሒ ሕክምናን ኣይነበረን። ብፍላይ ውግእ ኣብ ዝጽዕጽዓሉ እዋን ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ትንፋስ ብጾቶም ከድሕኑን ስቓይ ቍሱላት ከዐግሱን ብዘይምኽኣሎም ንዓኣቶም እውን ካልእ ስቓይ ነይሩ።
“ኣብቲ ከቢድ ዝበሃል እዋን ኣጋጣሚ ይሕክም ነይረ። ሕዳር 2014 ዓ/ም ካብ ክልል ኣምሓራ ክንምለስ እንከለና፡ ሰራዊት ትግራይ ከቢድ መጥቃዕቲ ስለዝበጽሖ ዘስካሕክሕ ኵነታት’ዩ ገጢሙና። ክትኣልዮ ዘጸግም ብዝሒ ውጕኣት ነይሩ። ኣብ ሕክምና ኣትዩ ዝስዋእ ተጋዳላይ እውን ብዙሕ ነይሩ። ሓይሊ ሰብ ኣይነበረናን፤ እኹል ዝዀነ መሳርሒ ሕክምና'ውን ኣይነበረን። ጸረ-ረኽሲ ይዅን መዐገስ ቃንዛ መድሃኒት ኣይነበረናን" ይብል።
እንተዀነ እቲ ወቕቲ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዙር ናይቲ ኲናት ዝነበረ ኵነታት ብተዛማዲ ዝሓሸ ምንባሩ’ዩ ብርሃን ዝገልጽ።
ኣብቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ዝነበረትሉ ወቕቲ፡ ብዙሓት ሰላማውያን እውን ብግፍዒ፡ ጥምየትን ስእነት መድሃኒትን ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ረድኤትን የመልክቱ።
ብርሃን ይቕጽል. . .
“ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2015 ዓ/ም እውን ኣብ ዓቢይ ዓዲ ነይረ። ከም በዓል ሞያ ኰይነ ክዛረብ ከለኹ፡ ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ፡ ዘሕዝን፡ ንባዕልኻ ዓርሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝደፋፍእ ኵነታት ነይሩ።
“እትርእዮ ኵነት ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ብሰንኪ ስእነት መሳርሕን መድሃኒትን ብቓንዛ ዝልለው ቍስሎም ዝሓሰኸ ውጕኣት ክትሕክም ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን ነዛ ንባዕለይ እንተዘይህሉ ኢለ ዝተመነኹሉ ሰዓት ነይሩ” ይብል።
እቲ ንኣእምሮኣዊ ኵነቱ ዝፈተነ ኲናት፡ ህልውና ፈጣሪ ዝተጠራጠረሉ ከምዝነበረ እውን ይዝክር።
“ብፍላይ ኣብ ጥቅምቲ ስሩዕ ሰብ ነይረ ኣይብልን፤ ምስ እግዚኣብሄር እውን ዝተበኣስኩሉ፡ ‘እምበርከ ብሓቂ እግዚኣሄር ኣሎ ድዩ?’ ‘እግዚኣብሄር የለን’ ናብ ዝብል ኵነታት ዝበጻሕኩሉ እዋን ነይሩ። ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ኣብ ዝዀነ ይዅን ህይወት ወዲ ሰብ እንተዘየጋጥም ኢለ ዝተመነኹሉ እዋን እዩ።”
ሓድሽ ተስፋ
ላዕለዎት ተወከልቲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣሸማጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ፕሪቶርያ ክዛተዩ ኣብ ዝተቐመጡሉ፡ እቲ ኲናት ብዅሉ ኣንፈት ተጋዲዱ ቀጺሉ፤ ብፍላይ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ መስመር ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ ዝሰበሩ ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያ ናብ ኣንፈት ከተማ መቐለ ዝግስግሱሉን እዋን’ዩ ነይሩ።
ቀቅድሚ እቲ ኲናት ነበርቲ ገዛኦም ገዲፎም፡ ገሊኦም ድማ ንኻልኣይን ሳልሳይን ግዜ ተፈናቒሎም፤ ቀጺሉ እንታይ ኮን ይፍጠር ኣብ ዝብል ከቢድ ጭንቀት ነይሮም።
ብርሃንን ሓካይም ብጾቱን እውን ንዝቘሰሉ ተጋደልቲ ብዝኸኣልዎ ንምድሓን ይረባረቡ ነይሮም።
ብ2 ሕዳር 2022 [ኣ.ኣ]፡ እቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘምርሑ ተዛተይቲ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ክርክር፡ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ ንምግባር ከምዝተሰማምዑ ዝገልጽ ዜና ተሰምዐ።
“ነዛ መዓልቲ ልዕለይ ዝተመነያ ኣይነበረን” ይብል ብርሃን እቲ ሓኪም ተጋደልቲ።
“ልዕሊ እቲ ኣብ ግንባር ዝነበረ ሰራዊት'ኳ እንተዘይበልኩ፡ ከም ሓደ ትግራዋይ ግን ልዕለይ ነታ ሰላም ዝምነያ ሰብ ነይሩ ኢለ ኣይሓስብን።
“ብዙሓት ውቑዓት ነይሮም፤ ተሓካሚ ክትሕክመሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ሰዓት፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ናበይ ክኣቱ ኣብ ዝብለሉ ጭንቂ እዋን፡ እቲ ውዕል ምፍራሙ ብጣዕሚ ኣሐጒሱኒ። ኣብ ህይወተይ እውን ቅሩብ ተስፋ ክገብር ዘኽኣለኒ ውዕል’ዩ። ከም ትግራዋይ ከም ሓደ ናይ ራህዋ ነጥቢ መቐይሮ እየ ዝርእዮ።”
እቲ ናይ ሓጐስን ሩፍታን ስምዒት ናይ በይኑ ዘይኰነስ ናይ ብዙሕ ህዝብን ሰራዊትን ከምዝነበረ እዩ እቲ ሓኪም ዝዛረብ።
ካብ ትማሊ እትሓይሽ ሎሚ
ኲናት ኣምሪሩ ዝጸልእ ብርሃን፡ ዋላ'ኳ ውዕል ፕሪቶርያ ክንድቲ ዝድለ ተግባራዊ ኰይኑ ኢሉ እንተዘይኣመነ፡ ኵነታት ትግራይ ግን ካብ ትማሊ ሎሚ ይሓይሽ ይብል።
“ድምጺ ተዅሲ፡ እተን ድሮናትን ሚጋትን እናመጻ ዘደንግጻና ዝነበራ፡ እቲ ስቓይ ንሱ ዓሪፉልና እዩ። ናይ ሰላም መንፈስ ከምዝህልወና ገይሩ እዩ።
“ብወገን ፈደራል ይዅን ብወገን ሚድያታት ትግራይ ዝንዛሕ ዝነበረ ናይ ጽልእን ኵናትን ፕሮፖጋንዳ እውን ደው ኢሉ እዩ፤ እዝኒ ሕማቕ ኣይትሰምዕን።”
እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ጥራይ ዝኸልከለ ዘይኰነስ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩ እውን ስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ ዘይክእልሉ ኵነታት ዝፈጠረ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ናብ ስድራቤቶም ገንዘብ ንምልኣኽ ክሳብ 50 ሚእታዊት ዓስቢ ክኸፍሉ ይግደዱ ነይሮም። ኣብቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ገንዘቦም ተበሊዖም ዝተረፉ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት እቲ ጸገም ከምዝተቐረፈ እዩ ብርሃን ዝዛረብ።
መርድእ ደቁ ኣብ ጐደና ዝሰምዕ ዘሎ ህዝቢ
ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓጺር እዋን ክፍጸም’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዝነበሮ ዝገልጽ ኣባል ክፍሊ ሕክምና ሰራዊት ትግራይ ብርሃን፡ ዓበይቲ ክፋላት እቲ ውዕል ዛጊት ተፈጻምነት ብዘይ ምርካቦም ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከምዝቐጸለ ይዛረብ።
“ካብዝን ካብትን ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ኣይከኣለን። ጸላእቲ ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ክወጹን መንግስቲ ፈደራል ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ወሰን ኢትዮጵያን ክሕሉ ተሰማሚዖም ነይሮም፤ ክትግበር ግን ኣይከኣለን።”
ሰብ መዚ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይን ዝነበሩን ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡን ከባቢታት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መዕቈቢታትን ከቢድ ህይወት የሕልፉ ኣለዉ። ኣስታት 60 ሽሕ ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ እውን፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ተቐርቂሮም፡ ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ ኵነታት ብጭንቀት ይጽበዩ ኣለዉ።
መራሕቲ ትግራይ መርድእ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ዝተቐተሉ ኣባላት ሰራዊት ንስድራቤታት ይነግርሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሓዘን ናይቶም ተፈናቂሎም ፎቘድኡ ዝርከቡ ተጋሩ ከምዝዛየደ ብርሃን ብጓሂ ይዛረብ።
“እዚ ኵሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ መርድእ ውላዱ ኣብ ጐደና ዝሰምዓሉ፡ መርድእ ውላዱ ኣብ እንዳማቱ ዳስ ከይዱ ዝበኽየሉ፡ ወይ ድማ ኣብ ቴንዳ ተፈናቐልቲ ኰይኑ ዝሓዝን ማሕበረሰብና ብጣዕሚ የሕዝነካ።”
ካብዚ ብተወሳኺ ናብቲ ክልል እዅል ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ከምዘየለን ኣደታትን ህጻናትን ንዝኸፍአ ሕጽረት ምግቢ ከምዝተቓልዑን ብርሃን ይገልጽ።