እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኬንያ፡ ንህዝቢ እትጉስጉስ -ንባዕላ ግን ዘይትመርጽ ጓል ኣንስተይቲ
ዲያና ምዋዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ መረጻ እታ ሃገር፡ ኣብ ህይወታ ለውጢ ከምጽኡ ንዝኽእሉ ሰባት ናይ ምምራጽ ዕድል ዘይኮነስ፡ ገንዘብ ዝረኽብሉ መንገዲ ጌሮም ካብ ዝርእይዎ ብዙሓት ኬንያውያን መንእሰያት ሓንቲ እያ።
እታ ጓል 20 ዓመት ንእስቲ፡ ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ዕግርግር ዝመልኦ ፖለቲካ ኬንያ፡ ንሳ እትነብረሉ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ጽቕጥቅጥ ዝበለ ሰፈር ኪብራ፡ ንእሽቶ ጽልዋ ፈጢራ ኣላ።
ብኽፍሊት ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኣብ ሰልፍታት ክሳተፉ ትደሊ - ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣገልግሎታ ክትህብ ድማ ሕጉስቲ እያ።
"ደገፍ ህዝቢ ከም ዘለዎም ከርእዩ ካብ ዝደልዩ ፖለቲከኛታት ስራሕ ክረክብ ስለዝገበረኒ በቲ መረፃ ተሓጒሰ ኣለኹ" ትብል።
ቅድሚ እቲ ብ9 ነሓሰ ዝካየድ መረጻ፡ ሰዓል ምርጫ ነታ ሃገር ሒዝዋ ኣሎ - ጭርሖታት ሰልፍታት ኣካል ናይቲ ንቡር ደስታታት ኮይኖም፡ ኣብ መላእ ህዝባዊ ቦታታት ፖለቲካዊ ፖስተራት ተለኺዮም፡ ካብ ኣብ ጎስጓስ መካይን ዝተሰቕሉ ዓበይቲ መጉልሒ ድምጺ ብዝፍኖ ሙዚቃን ጭርሖታትን መሊኡ ኣሎ።
ክልቲኦም ገዳይም ፖለቲከኛታት፡ ንኣጋጣሚ ዝገድፍዎ ነገር የለን፡ ምኽንያቱ ናይ ተፈታውነት ጦብላሕታ ምፍጣር ቁልፊ እዩ - ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ህዝቢ ዝኣቱ።
"ሰባት ኣብ ሰልፊ ክሳተፉ ምውዳብ ከቢድ ስራሕ ኣይኮነን ምኽንያቱ ስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ምርካብ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ" ትብል ባዕላ ክትመርጽ መደብ ዘይብላ ወ/ሪት ምዋዚ።
"ኩሎም ፖለቲከኛታት ሓሰውቲ እዮም። ኣብ እዋን ምርጫ ከም ኣባጊዕ ኣብዚ ይውሕዙ፡ 'እዚ ክገብር እየ’፡ ‘ንመንእሰያት ስራሕ ክህብ እየ' ዝብል ቃል ይኣትዉ። ምስ መረጽካዮም ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገብሩን እዮም።"
ህዝቢ ምእካብ "ጎድናዊ-ስራሕ እዩ” ትብል ወ/ሮ ምዋዚ።
ካብ ዕዳጋ ሸበጥ ገዚኣ ብመንገዲ ጉጅለታት ዋትስኣፕ ትሸጦ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ነቲ ኣዲኣ ከም ሰራሕተኛ ጥዕና ማሕበረሰብ ዘለዋ ድኹም ኣታዊ ንምዕባይ ይሕግዝ።
ኣብቲ ናይ ጎስጓስ እዋን፡ ሚስ ምዋዚ ምስ ካልኦት ጎስጎስቲ ትሰርሕን ከከም ብዝሒ ዝተሓተቱ ሰባት ድማ ካብ 40 ክሳብ 100 ሰባት ክትእክብ ትኽእል እያ።
"ንሓደ ፍጻመ 500 ኬንያ ሽሊንግ (5 ዶላር፤ 3 ፓውንድ) እረክብ እየ፤ ገለ ፖለቲከኛታት ግን ለጋሳት እዮም" ትብል ሚስ ምዋዚ።
እቶምተሳተፍቲ ድማ ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ይረኽቡ።
"ፖለቲከኛታት መወዳድርቶም ዝያዳ ደገፍ ከምዘለዎም ከርእዩ ስለዝደልዩ፡ንህዝቢ ስእሊ ብምውሳድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑ" ትብል ሚስ ምዋዚ።
መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውዳብ ዓወት ረኺባ እያ፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ምርካብ ግን ዝያዳ ኣጸጋሚ ኰይኑዋ ኣሎ።
"ደቂ ተባዕትዮዝተኣማመነሎም ኣይኮኑን፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ገንዘብ የማርሩ" ትብል ንሳ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ተጻረርቲ ጉጅለታትመንእሰያት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምስዝራኸቡ፡ ከም ዝጋጨዉ ትዛረብ።
ኣብታ ብውሑዱ 70% ካብ ህዝባ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝዀና ሃገር፡ መንእሰያት መረጽቲ ኣብቲ ምርጫ ከም ዝረኣዩ ምርግጋጽ፡ ነቶም ኣብቲ ብሓንሳብ ዝካየድ ዘሎ ሽዱሽተ ምርጫታት ንፕረዚደንትነት፡ ባይቶን ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ሓዊሱ ንስልጣኖም ዝወዳደሩ ወሳኒ እዩ።
ሕጹያት ኣብ ናይ ጎስጓስ ናውቲ፡ ሎጂስቲክስን ርክባትን ሚልዮናት ዶላር የውጽኡ፡ እዚ ድማ ምቹእ ጽሑፋት ንምፍጣር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ዝፈጥሩ ሰባት ምቑጻር ይርከብዎም።
ብተወሳኺ ምስቶም ፖለቲከኛታት ንኽዕወቱ ዘለዎም ተስፋ ምቑራጽ ዝሃድኑ ዝያዳ ጠለብ ዘለዎም መራጽቲ ክጓዓዙ ኣለዎም - ፖለቲከኛታት ኬንያ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበለጹ ደሞዝ ዝረኽቡ እዮም።
ፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር እቶም ዝበዝሐ ገንዘብ ዘውጽኡ ሰባት ንኽምረጹ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኣባል ባይቶኮይኑ ዘይተዓወተ ፍሉጥ ኣክቲቪስት ቦኒፋስ ምዋንጊ ይዛረብ።
"ሓደ ሕጹይ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ንኽምረጽ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር (1.5 ሚልዮን ፓውንድ) ወጻኢ ገይሩ" ይብል።
"ሓደ ድኻ ሕጹይ ኰይኑ ክምረጽ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ - ድኻታት ንዓኻ ንኽመርጹ ምልዕዓል የድልዮም።"
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተኸተልቲ ዘለውዎ ሚስተር ምዋንጊ፡ ሕቶታት ስራሕ ሓዊሱ ካብ መንእሰያት ኬንያውያን ብቐጻሊ ዕጽፍታት ጠለብ ይቕበሉ።
እዚ ድማ ፖለቲከኛታት ስራሕ ንምፍጣር ዘይምኽኣሎም ዘጉልህ እዩ ይብል፡ መረጽቲ ድማ ፈተውቲ ገንዘብ ኮይኖም ኣለዉ - ንዝኸፈሎም ድምጾም ይህቡ።
"ገለ ካብቶም ፍሉጣት ፖለቲከኛታት እዛ ሃገር ንፉዓት መራሕቲ ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ዝፍተዉ፤ ብገንዘቦም ለጋሳት ስለዝኾኑ እዩ፡፡ መረጽቲ ‘ ድምጽና ንመሸጣ እዩ’ ኢሎም ወሲኖም እዮም፡፡ ስለዚ እንካን ሃባን ኾይኑ" ይብል ሚስተር ይብል ምዋንጊ።
"ኣብ ሓቃዊ ዲሞክራሲ፡ እቶም እትመርጾም ሰባት የገልግሉኻ። ኣብ ኬንያ እቶም መረጽቲ ንፖለቲከኛታት እዮም ዘገልግሉ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።
ወ/ሪት ምዋዚ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ምስ ኣዲኣን ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋታን እትነብረሉ ካብ እምኒ ዝተሰርሐ ሓደ ክፍሊ፡ ካብ ሞገድ ሓጺን ዝተሃንጸ መስርዕ ገዛውቲ ኣሎ።
በቲ ሰፊሕ ዕንክሊል ዝበለ፡ ናይቲ ዝሰፍሐ ድኻታት ዝነብርሉ ከባቢ፡ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎም ሻምብቆታት ማይ ዝሓልፍሉ ሓደ ጸቢብ ረሳሕ መንገዲ ይፈላለዩ።
ኣብኡ ድማ ምስ ጀምስ ሞጋካ ወይ "ጂሚ ጠበቓ" ይራኸቡ።
በሊሕ፣ ጽቡቕ ኣከዳድና ዘለዎን ጸጉሩ ‘ድሬድ’ ዝተሰርሐን፡ ቀይሕ ናይ ጎማ ጓንቲ ገይሩ ኣሎ።
ንሱ ንዝተዓጽወ ሸንኮለል ይፈትሕ ኣሎ፡ ቦርሳታት፣ ጥርሙዝን ካልእ ጎሓፍን ዝመልአ።
ሕጊ ስለ ዘጽንዐ፡ ሓድሓደ ግዜ ከም ሕሱም ላግጺ ዝጥቀመሉ ሞኽሲ ስም ኣለዎ። ስሩዕ ስራሕ ክረክብ ስለዘይከኣለ ግን፡ ውሑዳት ሽልንግ ንምርካብ ናይ ኢድ ስራሕ ይሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ መደባት ቲቪ ከም ተወሳኺ ምርኢት የቕርብ።
እዚ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ዘይከም ወ/ሪት ምዋዚ፡ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝበሎ ሕጹይ ድምጹ ክህብ መደብ ኣለዎ።
ብዙሓት መንእሰያት ግን ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ ከም ዘጸግሞምን፡ "ንከብዲ ዝኸውን ገንዘብ" ንምርካብ ድምጾም ምሻጥ ዝብል ዘዋርድ ተመክሮ ክሓልፉ ከም ዝግደዱን ይዛረብ።
"ረ ዋላ'ውን ካብ ፖለቲከኛታት ጥረ ገንዘብ እንተዘይወሰዱ፡ ካልእ ሰብ ከም ዝወስድ፡ ጸገሞም ድማ ከም ዝጸንሕ ይፈልጡ እዮም" ይብል።
ኬንያ ቅልውላው ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ከምዘለዋ ፈጻሚት ዳይረክተር ፈደረሽን ኣስራሕቲ ኬንያ ጃክሊን ሙጎ ገሊጻ።
"ተስፋ ዝቖረጸ፡ ዝተቖጥዐን ዓቕሉ ዝጸበቦን መንእሰይ ሃገራዊ ጸገም'ዩ... መነባብሮኦም ክረኽቡ ዘይክእሉን ወለዶም ዘድልዮም ነገራት ከማልኡሎም ዘይክእሉን መንእሰያት እንተሃልዮምኻ፡ እዚ ምልክት ናይ ግዜ ቦምብ'ዩ" ትብል።
"ኣብ ከባቢ 16 ክሳብ 35 ዝበጽሕ ዕድመ እንተርኢኻዮ፡ ሽዑ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክሳብ 40% ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ነገራት ኣዝዮም ሕማቓት እዮም ግን ካብቲ ዘለዎ ክገድድ ዝኽእል ኣይመስለንን" ትብል ሚስ ሙጎ፡ ለውጢ ንምምፃእ መናእሰይ ኣብ ፖለቲካ ተሪሩ ክሳተፍ ከምዘለዎ ብምምዓድ።
ሓደ መዓልቲ ስነ ጥበብ ምድላው መግቢ ከተጽንዕ ተስፋ ዘለዋ ወ/ሪት ምዋዚ፡ ገና ኣይኣመነትሉን።
ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ምርጫ ምስተወድአ፡ ካብቶም ፖለቲከኛታት ደጊማ ክትሰምዕ ኢላ ኣይትጽበን። ሕዚ መነባብሮኣ ንምምሕያሽ ካብ ሓደ ሰልፊ ናብቲ ካልእ ሰልፊ ምዝላል ክትቅጽል እያ።
"ብዝኾነ መብዛሕትኦም ኣብዚ ኣይነብሩን እዮም" ትብል መንኵባ እናነቕነቐት።