ኢትዮጵያ፡ ኣብ በዓቲ ዝተደበዩ ዓደንቲ ድሕሪ 12 መዓልቲ ኣብ ከመይ ኣለዉ?

ዓደንቲ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ውስጣ ውሽጢ ዝጓዓዓዙ ዓደንቲ
Published

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ፡ ወረዳ ደላንታ፡ ቅድሚ 12 መዓልቲታት መዓድን ኦፓል ንምውጻእ ኵዕታ እናካየዱ በዓቲ ዝፈረሶም ሰባት ንምውጻእ ሕጂ እውን ፍታሕ ከምዘይተረኸበ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወሎን ማሕበር ኣፍረይቲ ክቡራት መዓድናትን ገሊጾም።

ሰኑይ 11 ለካቲት 2016 [ግ] ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብቲ በዓቲ መጺኡ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ በዓቲ ብነታጒ ንምፍራስ ዝገበሮ ፈተነ ከምዘይሰመረ ዋና ኣመሓዳሪ ኣቶ ዓሊ መኮነን ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ወረዳ ደላንታ “018 ኣለኋት” ቀበሌ ቆቃ ውሃ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ በዓቲ፡ 30 ጥሪ 2016 [ግ] ምሸት እዩ ኣብ ልዕሊ መዓድን ኦፓል ዘውጽኡ ዝነበሩ ሰባት ፈሪሱ።

ኣብቲ ምሸት ሸሞንተ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣፍረይቲ ክቡራት መዓድናት ኣቶ ተስፋዬ ኣጋዥ፡ ካልኦት ኣውጻእቲ መዓድን እውን ነይሮም ተባሂሉ ከምዝግመት ኣረዲኡ።

ምፍራስ ናይቲ በዓቲ ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ነቶም ዝተደበዩ ሰባት ንምውጻእ ጻዕሪ ዝገበሩ ኰይኖም 80 ሜትሮ ዕምቆት ምስተፍሓረ እቲ ጻዕሪ ተቛሪጹ።

ኣቶ ተስፋዬ ከምዝብሎ፡ ላዕለዋይ ክፋል እቲ በዓቲ ኣብ ዝባን እቶም ዝዅዕቱ ከይጸድፍ ስለዝተሰግአ እዩ እቲ ኵዕታ ደው ክብል ተገይሩ።

እቲ በዓቲ ዝርከበሉ ኣቀማምጣ ነቶም ሰባት ንምውጻእ ከቢድ ክኸውን ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝዀነ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ ዓሊ መኮነን ይገልጽ።

“(እቲ በዓቲ ዝርከበሉ) ኣብ ጸድፊ ስለዝዀነ ካልኦት ማሽናት ምጥቃም ዝከኣለሉ ኣይኰነን” ዝብል ኣቶ ዓሊ፡ በዚ ምኽንያት ምምሕዳር እቲ ዞባ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምዝርራብ መሃንድሳት እቲ ሰራዊት ነቲ በዓቲ ክርእይዎ ከምዝተገበረ ተዛሪቡ።

እቶም መሃንድሳት ካብ ቤተሰብ ናይቶም ዝተደበዩ ዓደንቲ፡ ነበርትን ምምሕዳር እቲ ከባብን ፍቓድ ምስረኸቡ ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩ እውን ሓቢሩ። እቶም ሰብሞያ ነቲ ከባቢ ምስተዓዘቡ “ነታጒን ድማሚት” ብምጥቃም ንላዕለዋይ ክፋል እቲ በዓቲ ንምፍራስ ሓሳብ ከምዘቕረቡ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ።

“መሃንዲሳት ምክልኻል (ዘቕረብዎ ሓሳብ) ነቲ ዝተንጠልጠለ በዓቲ ንምፍራስ ‘ብነታጒን ድማሚትን ንፈትን’ ዝብል እዩ ነይሩ። ትማሊ ተፈቲኑ ግን ኣይተኽኣለን” ብምባል እቲ ፈተነ ከምዘይሰመረ ኣቶ ዓሊ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝብሎ እቲ ነታጒ እኳ እንተተፈንጀረ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ከይፈርስ ስግኣት ዝፈጠረ ክፋል እቲ በዓቲ ግን ከወግዶ ኣይከኣለን።

መዓድን ኦፓል

ምንጪ ስእሊ, SOUTH WOLLO COMMUNICATION

እዚ ድሕሪ ምፍሻሉ እቲ ክፈርስ ዝተደለየ ክፋል በዓቲ፡ “ ብታንኪ ክውቃዕ” እቶም መሃንድሳት ሓሳብ ከምዘቕረቡ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣፍረይቲ ክቡራት መዓድናት ኣቶ ተስፋዬ ጠቒሱ።

“ተስፋ ዘቝርጽ ኣይኮነን፡ እታ ቦታ እንተዝውቃዕ ነቶም ሰባት ፍሒርካ ምውጻእ ዝከኣለሉ ዕድል ምሃለወ” ዝብል ኣቶ ተስፋየ እቲ ክፋል ምስፈረሰ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኵዕታ ቀጺሎም ነቶም ዝተደበዩ ዓደንቲ ከድሕንዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።

እንተዀነ እቲ “ብታንኪ ምውቃዕ” ዝብል ሓሳብ ዝምልከት ኣብ ውሳነ ኣይተበጽሐን ኢሉ።

ዋና ኣመሓዳሪ ኣቶ ዓሊ ብወገኑ፡ “ፍታሕ ምሃብ ዝከኣል ሰብ ሞያ ርእዮምዎ፣ ነቲ ዝነቐዐ (ክፋል በዓቲ) ከፍርሶ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ቴክኖሎጂ ንጠቐም? ዝብል ደጊሙ ተፈቲሹ እዩ። (ብታንኪ እንተዝውቃዕ) ዝብል ሓሳብ ኣሎ፤ ግን ‘ከፍርሶ ይኽእል ዶ?’ ዝብል ክረጋገጽ ኣለዎ” ብምባል እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ክረአ ከምዘለዎ ጠቒሱ።

እቶም ኣብ በዓቲ መውጽኢ ስኢኖም ልዕሊ 12 መዓልቲ ዘቝጸሩ ሰባት ብዘይ ምግቢ “ክሳብ ሕጂ ብህይወት ክጸንሑ ይኽእሉዶ?” ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣፍረይቲ ክቡራት መዓድናት ኣቶ ተስፋየ፡ ሕጂ እውን ተስፋ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

“ይህልዉ እዮም፣ ክሳብ 15 መዓልቲ ናይ ምጽናሕ ዕድል ኣለዎም። ኣብቲ በዓቲ ማይ ስለዘሎ፡ ሓመድ በሊዖምስ ገለ ገይሮምስ ናይ ምጽናሕ ዕድል ኣለዎም” ብምባል እቶም ሰባት ብህይወት ክርከቡ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ እውን ገሊጹ።

ሰብሞያ ሰራዊት ምክልኻል ሕጂ እውን ኣብቲ ከባቢ ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ፡ መንግስቲ ነቶም ዜጋታት ንምውጻእ ዝከኣል ከምዝገብር ኣረዲኡ።