እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 10 መዓልቲ ሆስፒታል ዝኣተወ ኣሊ ቢራ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ስድራቤቱ ገሊጾም
ድምጻዊ ኣሊ ቢራ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ካብ ዝኣቱ 10 መዓልቲ ከምዝገበረን ግቡእ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎን ስድራቤቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ወዲ 75 ዓመት ድምጻዊ ኣሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓሚሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ተገይሩሉ ነይሩ።
ኣሊ ቢራ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ብኦሮምኛ ደርፍታቱ ህቡብ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ብዙሓት ንምዕባለ ሙዚቃ ኦሮሞ ዓብዪ እጃም ከምዘበርከተ ይዛረቡ።
ኣሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ ሕማም ልቢን ሽኮርያን ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ካብ ዩኒቨርስቲ ድሬዳዋን ዩኒቨርስቲ ጅማን ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተቐበለ ኣሊ ቢራ 260 ደርፍታት ዝደረፈ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 30 ሽልማታት’ውን ረኺቡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ብስሙ ፓርክ ከምዝተሰየመሉ ይዝከር።
ኣሊ ቢራ ኣብ ግንቦት 1940 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብ ድሬዳዋ ተወሊዱ።
ምስቲ ኣብ 1954 ዓ.ም ዝተመስረተ ናይ መጀመሪያ ናይ ኦሮምኛ ጉጅለ ኪነት “አፍረን ቀሎ” ሙያኡ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።
እቲ ድምጻዊ ካብ ኦሮምኛ ብተወሳኺ ብሱማሊኛ፡፣ ብዓፋርኛ፣ ብሐረሪ፣ ብኣምሓርኛን ብሱዳንኛን ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ደሪፉ እዩ።