እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ፍሉጥ ድምጻዊ ኣሊ ቢራ "ይሕሸኒ ኣሎ" ኢሉ
ወዲ 73 ዓመት ኣርቲስት ኣሊ ቢራ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ክሕከም ቀንዩ።
"ብጣዕሚ ሓሚመን ነይረ። ሕጂ ግን ሒሹኒ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለኹሉ ሆስፒታል ሓካይም ክትትል ይገብሩለይ ስለ ዘለው ፈጣሪ ይመስገን ድሓን'የ" ኢሉ።
ኣሊ ቢራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ይግበረሉ ዘሎ ኮይኑ ቅድም ኢሉ ሕማም ልብን ሽኮርን ከም ዝነበሮ ይዛረብ።
ገለ ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕብኡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሑ ከም ዝቐነዩን በዚ ከም ዝሰንበደን ዝገልጽ ኣርቲስት ኣሊ ቢራ፡ ሰባት ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ሓቕነቱ ከየረጋገጹ ካብ ምጽሓፍ ክቑጠቡ ሓቲቱ።
በዓልቲ ቤቱ ሊሊ በዚ ከም ዝሓረቐትን ሰባት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራትን ክቑጠቡን ተማሕጺና።
ኣሊ ቢራ ናብ ዝሕከሞ ሆስፒታል ብምኻድ ዘዘራረቦ ሪፖርተር ቢቢሲ፡ "ኣሊ ቢራ ዋላ'ኳ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል እንተሃለወ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና'ዩ ዝርከብ" ኢሉ።
እቲ ኣርቲስት ብሞት ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስምዒቱ ተጎዲኡ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ "ሞት እቲ ቖልዓ ኣዝዩ ጎዲኡኒ'ዩ . . ." ብማለት ዘረብኡ ከይወድአ ናብ ብኽያት ኣትዩ።
ሰብ ሞያ ኮሌጅ ጥዕና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ጽቡቕ ክንክን ይገብርሉ ከም ዘለው ገሊጹ።
ኣሊ ቢራ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃ ጸላዊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ንዕብየት ቋንቋ ኦሮሞ'ውን ዓብዪ እጃም ኣበርኪቱ።