እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ግጥሙ ንማእሰርቲ ዝተቓለዐ ራፐር
ያንግ ተግ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ወዲ 31 ዓመት ጀፈሪ ላማር ዊልያምስ፡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ኣልበማት ዝሸጠ ራፐር እዩ።
"ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎ ራፐር" ተባሂሉ’ውን ይንኣድ።
እዚ ራፐር ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ዋሕስ ተኸልኪሉ እዩ።
ዊልያምስ ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ጎደና ጕጅለታት ብምስታፍን ንዝተወደበ ገበን ንምምካት ዝዓለመ ሕጊ ፌደራል ንምጥሓስ ውዲት ብምፍጻምን እዩ ተኸሲሱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዊልያምስ ዝመስረቶ ናይ ራፕ ትካል ያንግ ስቶነር ላይፍ (YSL) ሪከርድስ፡ ኣብታ ከተማ "ካብ 75 ክሳብ 80 ሚእታዊ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት" ተሓታቲ ዝኾነ ዝተወደበ ሕብረት ገበን ከምዝኾነ ይኸሱ።
ነዚ ክሲ እንታይ መርትዖ የቕርቡ? እቲ ራፐር ኣዝዮም ብዙሓት ኣድነቕቲ ዘፍረየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ግጥሚ ደርፊ።
ንኣብነት ኣብ 2018 ኣብ ዝፈነዋ ‘Anybody’ እትብል ደርፉ፡ "ሰብ ቀቲለ ኣይፈልጥን፡ ግን ምስቲ ሬሳ ገለ ርክብ ኣለኒ" ክብል ይእውጅ። ብተወሳኺ እውን "ሚእቲ ዙር ክትኩሱ ነጊረዮም" ይብል።
ግጥሚ ራፕ: ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየዱ ልዕሊ 500 ገበናዊ ጉዳያት ከም መርትዖ ቀሪቦም እዮም።
ሕጂ፡ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ፡ ነቲ ተግባር ደው ንምባል ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ብናጽነት ምዝራብ፡ ስነ-ጥበባዊ ምግላጽን ዓሌትን ሕቶታት የልዕል ኣሎ።
እቲ ሪስቶሪንግ ኣርቲስቲክ ፕሮቴክሽንስ ዝበሃል ሓድሽ እማመ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሃንክ ጆንሰን ዝተባህለ ጸሊም ዲሞክራት ኣባል ኮንግረስ ዝተኣታተወ እዩ።
ሃንክ ጆንሰን፡ ግጥሚ ራፕ ከም ገበናዊ መርትዖ ምጥቃም ዓሌታዊ ምዃኑ ይምጉት።
"ግጥሚ ራፕ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ምጥቃም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእምሮ መጋባእያታትን ዳያኑን ምዝባዕን ወገናውነትን ዝፈጥር መንገዲ'ዩ፡ እዚ ድማ ጌጋ'ዩ" ይብል።
ተጣበቕቲ ኢንዱስትሪ ራፕ በዚ ሓሳብ ይሰማምዑን እቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ከምዘሎን ይዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪችሞንድ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኤሪክ ኔልሰን ኣብ መንጎ ጸሊም ስነጥበባዊ መግለጺን ሕጊ ኣሜሪካን ዘሎርክብ መጽናዕቲ የካይድ እዩ።
ፕሮፌሰር ኔልሰን፡ "ነዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝረኣናዮ እዩ፡ በዚ መንገዲ ዒላማ ዝግበር ካልእ ልብወለዳዊት ሕዝቶ፡ ሙዚቃዊ ይኹን ካልእ፡ የለን" ይብል።
ብተወሳኺ ኣብ 2019 ምስታ ቅድሚ ሕጂ ተሓላቒ ህዝቢዝነበረት ኣንድርያ ደኒስ ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዋ Rap on Trial ትብል መጽሓፍ፡ ራፕ ከም ገበናዊ መርትዖ ናይ ምጥቃም ልምዲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጹ።
"ብሓፈሻ ብርቱዕ ምክልኻል ንምቑጻር ዘድልዮም ጸጋታት ዝጎድሎም እቶም ዝኾነ ሓቀኛ ስም ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣማተር ራፐራት'ዮም" ይብል።
"ፖሊስን ዓቃቢሕግን ግን ዝያዳ ድፍረት ከም ዝረኸቡ ክንርኢ ጀሚርና ኣለና።"
"ብዙሕ ግዜ ብፕላቲኒየም ደረጃ ብዝሸጡ ስነጥበባውያን ዝግለጹ ስሩዕ ግጥምታት እዮም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ከምኡ ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ" ይብል።
ዋላ እቶም ራፐራት ገበን ከምዝፈጸሙ ዘርእይ ኣካላዊ መርትዖ እንተዘይሃለወ’ውን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ካብቶም ግጥምታት ደርፊ ዘፈራርሑን ወገናውነትን ዘርእዩ ብምምራጽ "ብዙሓት መጋባእያታትን [ዳያኑን] ብዛዕባ ገበን መንእሰያት ጸለምቲ ጽልዋ ብምግባር [ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ] ድልየት ንክፍጽሙ” ክገብሩ ከምዝኽእሉ ኒልሰን ይጥቁም።
ኣብ ጉዳይ ጀፈሪ ላማር ዊልያምስ (ያንግ ተግ)፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ YSL ዝበሃል ትካል ያንግ ተግ፡ ዋላ'ኳ ግራሚ ዝሽለሙ ስነጥበባውያን እንተፈረየ፡ ቅኑዕ ንግዲ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ሃገራዊ ትካል ጕጅለ ብላድስ ዝተኣሳሰር ናይ ጎደና ጕጅለ ምዃኑ ተማጒቶም።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ክሲ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ YSL ዘፍረዮም 28 ስነጥበባውያን ሕጊ ገበነኛ ዝጽለዉን ብልሹዋትን ትካላት (Racketeer Influenced and Corrupt Organizations Act, RICO) ንምጥሓስ ውዲት ፈጺሞም ክብል ከሲስዎም። ከምኡ’ውን ምስ ተኸታታሊ ገበናት፡ እንተላይ ቅትለት፡ ብዕጥቂ ምዝራፍን ምስ ስርቂ መኪናን ኣተኣሳሲርዎም’ዩ።
ኣብ ምሉእ እቲ ሰነድ ክሲ "ንውዲት ንምስጓም" ዝተጠቕሱ ኣብ ዓሰርተታት ደርፍታት ዝርከቡ ግጥምታት እቶም ራፐራት እዮም።
ብዙሓት ተኸሰስቲ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጎም። ንነዊሕ እዋን ጠበቓ ዊልያምስ ዝነበረ ብራያን ስቲል እቲ ራፐር "ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ" ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።
እቶም ኣኽበርቲ ቢቢሲ ንዘቐረበሎም ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃቡን።
ኣብ ወርሒ ሰነ ዊልያምስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ንደገፍቱ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ፡ "እዚ ብዛዕባይ ወይ ብዛዕባ YSL ከምዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም። ኹሉ ግዜ ሙዚቃይ ከም ስነጥበባዊ መግለጺ እየ ዝጥቀመሉ፡ ሕጂ ድማ ጸለምቲ ስነጥበባውያንን ራፐራትን ከምኡ ከም ክገብሩ ናጽነት ከምዘይብሎም ይርኢ ኣለኹ" ኢሉ።
ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ሎስ ኣንጀለስ ነበር ፊል ስተርሊንግ ናይቶም ራፐራት ስነጥበባዊ መግለጺታት ከም መርትዖ ብዙሕ ከምዝሓገዙ ይገልጽ።
ፊል ስተርሊንግ፡ ልዕሊ ዓቐን ድልየት ዘለዎ ወይ ኣኽራሪ ዓቃቢ ሕጊ ከምኡ’ውን ዘይፍትሓዊ ዳኛ እንተመጺኡ ምዝባዕ ከጋጥም ከም ዝኽእል እኳ እንተኣመነ፡ ግጥሚ ከም መርትዖ ምጥቃም "ዓሌታዊ" እዩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ግን ይነጽግ።
ኣብ ገበናዊ ፍርዲ ግጥሚ ራፕ ከም መርትዖ ምጥቃም ንምድራት ኣብ ዝሓለፈ ገለ ፈተነታት ተኻይዱ እዩ።
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ኒውጀርሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቮንት ስኪነር ዝተዋህበ ፍርዲ ፈተነ ቅትለት ቀይርዎ እዩ። ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብቲ ጉዳይ ግጥሚ ስኪነር ከም መርትዖ ክጥቀሙሉ እንከለዉ፡ እቲ ቤት ፍርዲ "ንመጋባእያ ዝምርዝ" ጽልዋ ኣለዎ ኢሉ ወሲኑ ነይሩ።
እቲ ሪስቶሪንግ ኣርቲስቲክ ፕሮቴክሽንስ ዝበሃል ሓድሽ እማመ ብደረጃ ፌደራል ዝኽልክል ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን ኣብ መወዳእታ ሕጊ ክኸውን ድዩ ኣይኾንን ንምፍላጥ ግዜኡ ገና እዩ።
ንሱ ሕጊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ምእሳር ያንግ ተግ ግን ነቶም ለውጢ ዝደፍኡ ስነጥበባውያን ናህሪ ሂብዎም ኣሎ።
ኪለር ማይክ ብዝብል ዝፍለጥ ራፐርን ኣክቲቪስትን ማይክል ረንደር፡ ዊልያምስ ካብ ዝኽሰስ ጀሚሩ ኣብ ሙዚቃኦም ካብ ዝጠቐስዎ ሓያሎ ዉሩያት ስነጥበባውያን እዩ። ንሱ፡ ማእሰርቲ ዊልያምስ ምስቲ ንሙዚቃ ራፕ ዒላማ ዝገበረ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝሰማማዕ ከምዝኾነ ይምጉት።
"ፊልም እንተጽሒፍካን፡ ብኣጋጣሚ ምስቲ ፊልም ዝመሳሰል ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙን፡ ጉጅለ ገበን ኢኻ ኢለ ኣይክኸሰካን እየ" ይብል።
"ሂፕ ሆፕ ስነ-ጥበብ'ዩ፡ ስነ-ጽሑፍ'ዩ፡ ግጥሚ'ዩ፡ ናጻ ምዝራብ'ዩ፡ ጋዜጠኝነት'ዩ፡ ከምኡ'ውን ክዕቀብ ኣለዎ" ይብል ኣውራጃኡ እታ ትውልዲ ሂፕ ሆፕ ዝኾነት ብሮንክስ፡ ኒውዮርክ ዘጠቓልል ኣባል ኮንግረስ ጀማል ቦውማን። "ገበን ክኸውን የብሉን።"