እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
7-0፡ ኣብ ኣንፊልድ ክብራ ዝሰኣነት ዩናይትድ ‘ብደዋ'ያ ሞይታ’
ጋሪ ነቪል ናይ ቀደም ጋንታኡ ማንቸስተር ዩናይትድ ትማሊ ሰንበት ብዘይእመን ኵነታት ብሊቨርፑል 7 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ‘ዘሕፍር’ ክብል ገሊጽዎ።
ሓለቓ እታ ጋንታ ነበር ጋሪ፡ ነቲ ስዕረት ቀንዲ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ሓለቓ እታ ጋንታ ብሩኖ ፈርናንደዝ እዩ ይብል።
ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ተን ሃግ ብወገኑ በቲ ጸወታ ጋንታኡ ኣዝያ ከም ዝጓሃየት ገሊጹ።
እቲ ስዕረት ንማንቸስተር ዝኸበደ ክኸውን እንከሎ ንሊቨርፑል ኣንጻር መቐናቕንታ ዝዓበየ ዓወት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ኣንፊልድ ዝነበረ ጸወታ፡ ማንቸስተር ደሓን ዝዀነ ምንቅስቓሳት ተርኢ ነይራ፤ 1 ብ 0 ተመሪሓ እያ ንዕረፍቲ ወጺኣ። ኣብ ካልኣይ እብረ ግና ኵነታት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኰይኑ ሽዱሽተ ተወሳኺ ሸቶታት ተመዝጊቡ።
“ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ፡ ንሕና ኣይነበርናን። ናትና ኣጸዋውታ ኣይነበረን። ከም ጋንታ ኣይተጻወትናን፡” ኢሉ ተን ሃግ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 1931 ብዎልቭስ፡ ኣብ 1930 ብኣስቶን ቪላ ኣብ 1926 ከኣ ብብላክበርን ሮቨርስ ብተመሳሳሊ ተወቒዓ እያ።
ድሕሪ እቲ ስዕረት ንብዙሕ ነቐፌታታት ዝተቓልዐ ብሩኖ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ተቐይሩ ዝኣተወ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ስቴፋን፡ ኩዕሶ ሒዙ ክሓልፎ እንከሎ፡ ኣክንዲ ተኸታቲሉ ክምንጥሎ ዝፍትን ደው ኢሉ ተራእዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ንተሓጋጋዚ ዳኛ ክዳፋእ ተራእዩ።
ኣብ መበል 85 ደቂቕ ማርኮስ ራሽፎርድ ተቐይሩ ክወጽእ እንከሎ፡ ብሩኖ፡ ንምንታይ ይቕየር ኣሎ ብዘስምዕ ሕቶ ምልዓሉ ንጋሪ ነቪል ዘሐጕስ ኣይነበረን።
ነቪል ድሕሪ እቲ ጸወታ ብዛዕባ ብሩኖ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ኢዱ ኣልዒሉ፡ ‘ንምንታይ ኣነ ዘይተቐየርኩ?’ ክብል ሓቲቱ፡” ኢሉ።
“እዚ ካብ ሓለቓ ጋንታ ማንቸስተር እትጽበዮ ኣይኮነን፤ ርግጸኛ እየ ተን ሃግ ነዚ ክእርሞ።”
ብዙሕ ነቐፌታታት ዝወረዶ ቡሩኖ ድሕሪ እቲ ጸወታ ንጋዜጠኛታት ንምምላስ ድሕር ኣይበለን። “ኣዝዩ የጉሂ፣ ተስፋ የቝርጽ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ውጽኢት ብምዃኑ ዘሕዝን እዩ” ኢሉ።
ትማሊ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብ ግጥማት ፕረሚየር ሊግ ሎምዘበን፡ ኣጀማምራኣ ጽቡቕ'ኳ እንተዘይነበረ ምቅይያራት ብምግባር ካብ ዝሓለፉ 22 ጸወታታት 49 ነጥብታት ክትእክብ ክኢላ ነይራ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ምሸት ጸወታ’ውን ማንቸስተር ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ጸወታ ጽቡቕ ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ተኽእሎታት ክትፈጥር ክኢላ ነይራ። ካብ ጸወታ ወጻኢ ብምዃኑ ክምዘገብ ኣይከኣለን እምበር ካዚሚሮ ኩዕሶ ናብ መርበብ ኣዕሊቡ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ግን ኵነታት ብቕልጡፍ ተቐያዪሩ። “ኵነታት ምስተበላሸው ቀንዲ ተጻወትቲ ጠፊኦም፡” ይብል ሓለቓ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ሮይ ኪን።
ኣከፋፋሊ ማንቸስተር ነበር፡ ሚካህ ሪቻርድስ ብወገኑ፡ “ኣብ መንጐ ዳሎትን ኣንቶኒን ምርድዳእ ኣይነበረን። ኣንቶኒ ስርሑ ብዘይምስርሑ ዩናይትድ፡ ብ 10 ተጻወትቲ ዝጻወቱ ዘለው እዮም ዝመስሉ ነይሮም። . . . ኣብነታዊ ክኸውን ዝነበሮ ብሩኖ ብተደጋጋሚ ኣእዳው የልዕል ነይሩ፡” ኢሉ።
ጋንታኡ ኣብ ካልኣይ እብረ ብዘርኣየቶ ጸወታ ሓሪቝ እንተዀይኑ ዝተሓተተ ኣሰልጣኒ ተን ሃግ፡ ምስቲ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ተርእዮ ዝነበረት “ተጻዋርነትን ናይ ምስዓር መንፈስን” ብምንጽጻር ከምዝተገረመ ተዛሪቡ።
“ከም ውጥንና ኣይሰራሕናን፣ ሓሪቕና፤ ስራሕና ኣይሰራሕናን። ንምለስ ኣይነበርናን ሞያዊ ጸወታ ኣይተጻወትናን” ኢሉ።