ብስነ-ገበን ዶክትሬት ዝመሃር መንእሰይ ብገበን ቅትለት ኣርባዕተ ሰባት ተጠርጢሩ ተኣሲሩ

እቲ ጥርጡር ኣብ ዋሽንግተን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ መምህር ክኾን ተመሪጹ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, CBS/ MONROE COUNTY CORRECTION FACILITY

መግለጺ ስእሊ, እቲ ጥርጡር ኣብ ዋሽንግተን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ መምህር ክኸውን ተመሪጹ ነይሩ
Published

ሓደ ብዶክትሬት ስነ-ገበን ዘጽንዕ ወዲ 28 ዓመት ተመሃራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ኣይዳሆ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈጸመ ኣዘራራቢ ቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ገሊጹ።

እቶም ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ግዳያት፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣይዳሆ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ሻና ኬርኖድል፡ ኢታን ቻፒን፡ ካይሊ ጎንሰልቪስን ማዲሰን ሞገንን ኣብ ጥቓ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ገዛ ተኻርዮም ይነብሩ ነይሮም።

ብ13 ሕዳር 2022፡ ኣርባዕቲኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተኻረይዎ ገዛ ኣብ ዓራቶም ብኻራ ተቐቲሎም ተረኺቦም።  

ብሪያን ክሪስቶፈር ኮበርገር ከኣ፡ ካብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ልዕሊ 4,020 ኪሎሜተር ርሒቝ ኣብ ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝርከብ ገዛ ወለዱ ከም ዝተተሓዘ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ ጥርጡር ኣብ ጥቓ እታ ቅትለት ዝተፈጸመላ ከተማ ይነብር ከም ዝነበረ ፖሊስ ይሕብር።

ኣብቶም ሬሳታት ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ መጥቃዕቲ እቶም ግዳይት ኣብ ዝደቀስሉ እዋን ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት። ፖሊስ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘይረኸበ ይገልጽ።

ኢታን ቻፒንን ሻና ኬርኖድልን መጻምድቲ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, INSTAGRAM

መግለጺ ስእሊ, ኢታን ቻፒንን ሻና ኬርኖድልን መጻምድቲ ነይሮም

እቲ ጥርጡር፡ ብኣርባዕተ ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት፡ ገዛ ሰቢሩ ብምእታውን ብስርቂን ከም ዝተኸሰሰ ሓደ በዓልስልጣን እቲ ከባቢ ኣረጋጊጹ።

እቶም ቅትለታት፡ "ሕብረተሰብ ኣዝዮም ዘደንገጹ’ዮም፡ ህይወት እዞም መንእሰያት ተመሃሮ ዝትክእ ዝዀነ ማእሰርቲ የለን" ክብል ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ጀምስ ፍራይ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

"እቲ ክብለኩም ዝኽእል፡ ነዚ ዘስካሕክሕ ገበናት ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሎ፣ ሕብረተሰብና ውሑስ ምዃኑ ድማ እኣምን" ኢሉ።

"ግን ሕጂ'ውን ንቝሓት ክንከውን ኣለና፣ ሓቀይ'ዶ?"

ብሪያን፡ ኣብ ዋሽንግተን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ብገበናዊ ፍትሕን ስነ-ገበንን ናይ ዶክትሬት ተማሃራይ ከም ዝዀነ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ውሑስ መስርሕ ፍርዲ ንኽካየድ ብዝብል ዝተወሰኑ ዝርዝራት ምግላጽ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ይገልጽ።

እቲ ጥርጡር ነቶም ግዳያት ይፈልጦም ድዩ ኣይፈልጦምን ዝብል ግን ገና የጻሪ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦም ልዕሊ 19 ሽሕ ሓበሬታ ከም ዝምርምር ገሊጹ።

እንተዀነ እቶም ቅትለታት ንምፍጻም ዝወዓለ መሳርሒ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተረኽበን።

ካይሊ ጎንሰልቪስን ማዲሰን ሞገንን መሓዙት ከም ዝነበራ ወለደን ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, CBS/FAMILY HANDOUT

መግለጺ ስእሊ, ካይሊ ጎንሰልቪስን ማዲሰን ሞገንን መሓዙት ከም ዝነበራ ወለደን ይገልጹ

ብሪያን፡ ኣብ ዋሽንግተን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንሰለስተ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ገበናዊ ትምህርቲታት ከም ተሓጋጋዚ መምህር ዝተመርጸ ከም ዝዀነ ጋዜጣ ኣይዳሆ ስቴትስማን ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣይዳሆ፡ ዋሽንግተን ወይ ፐንሲልቫንያ ዝፍለጥ መዝገብ ማእሰርቲ ከም ዘይብሉ እውን ጸብጻብ እቲ ጋዜጣ ይገልጽ።

ቤን ሮበርትስ ዝተበሃለ መማህርቱ፡ እቲ ጥርጡር ርእሰ ተኣማንነትን ዝርኣዮ ሰብ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

እንተዀ፡ "ልዕሊ ዓቐን ነቓጽ" ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣባላት ስድራቤት እቶም ግዳያት፡ ብዛዕባ ምዕባለ እቲ መርመራ ብስጭቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብሪያን ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ተስፋ ዝህብ ከም ዝዀነ ስድራቤት ኢታን ቻፒን ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጾም።