ማእሰርቲ ኣን ሳን ሱ ቺ ናብ 33 ዓመታት ክውስኽ ተበይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ሚያንማር፡ ኣን ሳን ሱ ቺ ተወሳኺ 7 ዓመት ክትእሰር ፈሪዱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኦንግ ሳን ሱ ቺ ብድምር ትእሰረሉ ግዜ ናብ 33 ዓመት ወሲኹ ኣሎ።
ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪፃ መራሒት ሚያንማር ዝነበረት ኣን ሳን ሱ ቺ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ትወርድ ንደሓር ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ትርከብ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብ19 ክስታት ን18 ኣዋርሕ ተኣሲራ፤ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ግን እቶም ክስታት መሰረት ከም ዘይብሎም ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እታ ፖለቲከኛ ንክትፍታሕ ጸዊዑ ነይሩ።
ሎሚ ዓርቢ ግን በቶም ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ክስታት ተፈሪዳ'ላ።
ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ ሚኒስተር መንግስቲ ሄሊኮፕተር ኣብ ዘከራየትሉ እዋን ደንቢ ስለ ዘይተኸተለት ብብልሽውና ገበነኛ ኮይና ረኺብዋ።
ቅድም ክብል ናይ ኮቪድ ሕግታት ብምጥሓስ፣ መራኸቢ ሬድዮ ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ብምእታውን ወግዓዊ ሕጊ ምስጢራት ብምጥሓስን ሓዊሱ ብ14 ዝተፈላለዩ ገበናት ተፈሪዳ ነይራ።
ኣብዚ ዓመት ዝነበረ ፍርዲ ኣብ ዕጹው መስርሕ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ህዝብን መራኸቢታት ብዙሃንን ከይኣትዉ ከምኡ’ውን ጠበቓታታ ምስ ጋዜጠኛታት ከይዛረቡ ተኸልሊሎም እዮም።
ኣን ሳን ሱ ቺ፡ ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
እታ ጓል 77 ዓመት ተዓዋቲት ሽልማት ሰላም ኖቤል፡ ዝበዝሕ ግዜ ማእሰርታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኔይ ፒ ቶዋ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማእሰርቲ እያ ኣሕሊፋቶ።
ንሳን ብዙሓት ኣባላት ሰልፋን ካብቶም እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝተኣስሩ ልዕሊ 16,600 ሰባት እዮም።
ካብኣቶም ድማ እቶም 13 ሽሕ ሕጂ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ማሕበር ሓገዝ ንፖለቲካዊ እሱራት (በርማ) ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብልን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ጸዊዑ ነይሩ።
ቻይናን ሩስያን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን፡ ኣብ ኣገላልጻ ናይቲ ውሳነ ምምሕያሻት ምስ ተገበረ ድማ ነቲ ውሳነ ናይ ምቅዋም ወይ ምስራዝ መሰለን ኣይተጠቐማን።

ምንጪ ስእሊ, SOE ZEYA TUN
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ኣን ሳን ሱ ቺ ዝተፈጸመ "ዘይሕለል ሕጋዊ መጥቃዕቲ" እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ "ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ወይ ትርጉም ኣልቦ ክሲታት ንምቕራብ ንቤት ፍርዲ ከም መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ" ዘመልክት'ዩ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብዓመጽ ስልጣን ምምንዛዑ ሰፊሕ ሰልፍታት ኣበጊሱ'ዩ። እዚ ድማ ሰራዊት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ሰልፈኛታትን ደለይቲ ፍትሕን ከበድቲ ስጉምቲታት ንኽወስድ ምኽንያት ኮይኑዎ።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዓመጽቲ ጉጅለታት ዝተፈላለዩ ብሄራት ዳግማይ ውሽጣዊ ግጭት ኣበጊሱ’ዩ። እቶም ጉጅለታት ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊን ገዛኢ ጁንታን ዝቃወሙ ሲቪላዊ ሓይልታት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።
እቲ ጁንታ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ብምፍጻምን ሲቪላዊ ቁሸታት ብነፈርቲ ብምድብዳብን ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።
ክሳዕ ሕጂ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 2600 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
