ካናዳ፡ ብቕትለት ሓደ ግዳም-ሓደር ዝተኸሰሳ ዕስለ ኣዋልድ

ናይ ፖሊስ ማኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ካናዳ ሸሞንተ ኮተቴ ኣዋልድ ብቕትለት ሓደ ወዲ 59 ዓመት ከም ዝተኸሰሳ ፖሊስ ከተማ ቶረንቶ ኣፍሊጡ።

እተን ኣብ ክሊ ዕድማ 13 ክሳብ 16 ዝርከባ ኣዋልድ፡ ነቲ ግዳይ ብኻራ ወጊአን ቀቲለን ዝብል ክሲ'ዩ ተመስሪቱለን ዘሎ።

ነቲ መጥቃዕቲ "ብዕስለ" ከም ዝፈጸምኦ ፖሊስ ይገልጽ።

እቲ ግዳይ ካብ ቀረበ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሓደ ንግዳም-ሓደራት ተባሂሉ ዝተዳለወ ማእከል ተዓቚቡ ዝጸንሐ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ከንቲባ ከተማ ቶረንቶ፡ በቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ" ገሊጹ'ሎ።

እተን ብመሰረት ሕጊ ካናዳ ኣስማተን ዝተዓቀበ ኣዋልድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዋን ሓያለ መሳርሒታት ከም ዝጸንሐን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሰለስተ ካብተን ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተራኸባ ዝተገልጻ ኣዋልድ፡ ኣቐዲሙ ምስ ፖሊስ ጉዳይ ዝነበረን ምዃነን፡ መርማሪ ፖሊስ ቴሪ ብራውን ገሊጹ።

"ብኸመይን ስለምንታይ ኣብታ ምሸት ኣብ ማእከል ከተማ ቶሮንቶ ከም ዝተራኸባ ኣይፈለጥናን ዘለና።"

ኣቐዲመን ኣብታ ምሸት ኣብ ካልእ እምባጓሮ ተሳቲፈን ምንባረን'ውን እቲ መርማሪ ጠቒሱ።

ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ካልእ መዕቆቢ ግዳም-ሓደራት እትነበር ሰብ ንማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ሲ ቶሮንቶ ከም ዝበለቶ፡ እተን ኣዋልድ ኣልኮላዊ መስተ ደልየን ምስ ቀረባኣ፡ ንዓኣ ክከላኸል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ብኻራ ተወጊኡ።

"ካራ ይንበረን ኣይንበረን ኣይፈለጥኩን ነይረ። ፈሪሐ ጥራይ'የ ነይረ" ብምባል፡ ካብተን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸማ ኣዋልድ ርእሳ ንምድሓን ካብቲ ቦታ ተኣልያ ናብቲ መዕቆቢ ከም ዝተዓቚበት ተዛሪባ።

"ኣብዚ ዕድመ'ዚ ከምዚ ምፍጻመን፡ ብዝሒ ናይተን ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፋን ኣዝዩ ደንጽዩኒ'ዩ ዘሎ" ክብል ከንቲባ ናይታ ከተማ ገሊጹ።

"ንመሓዙት ናይቲ ሰብን ንኩሎም ብሞቱ ዝሓዘኑን ዝተሰምዓኒ ሓዘን እገልጸሎም" ኢሉ።