እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መድረኻት ሕቡራት ሃገራት እንርእዮ ቸርነት ሃሪፎ መን’ዩ?
ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ቸርነት ሃሪፎ ገና ብቘልዓኡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት እዩ ነይሩ።
ኣነባብራና ብትምህርቲ’ዩ ዝቕየር ዝብል ጽኑዕ እምነት ዘለዎ መንእሰይ ቸርነት፡ ህጻናትን መናእሰይን ብፍላይ ስደተኛታት ምቹእ ዕድላት ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም ብምባል ክሳብ ናብ ጽፍሕታት ውድብ ሕቡራት ዝበጽሕ ጐስጓስ ይገብር።
ሓላፊት ክፍሊ ዓለምለኻዊ ርክባት ሕቡራት ሃገራት ሜሊሳ ፍሌሚንግ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥሪ ክትረኽቦ እንከላ’ውን እቲ መንእሰይ ንትምህርቲ ዝነበሮ ባህጊ እያ ጠቒሳ።
ንሳ ኣብ ትዊተራ ኣብ ዘስፈረቶ መልእኽቲ፡ “ኣብዚ እዋን ቸርነት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ሰብ ኰይኑ ምርኣይ ኣዝዩ ደስ ዘብል’ዩ። ኣብ ኬንያ ስደተኛ ቈልዓ ኰይኑ ክረኽቦ እንከለኹ፡ ሕልሙ ካብቲ መዓስከር ምውጻእን ምምሃርን’ዩ ነይሩ” ኢላ።
ቸርነት ሃሪፎ፡ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ እንከሎ ንዘይሕጋዊ ስደት እኳ እንተተቓልዐ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ንዘጋጠሙዎ ማሕበራዊ ጸገማት ሰጊሩ ተጣባቒ መሰላት መንእሰይ ክኸውን በቒዑ።
ገና ቈልዓ ትሸዓተ ዓመት እንከሎ ብዘይ ኣላዪ ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ከም ዝተሰደደ ዝዛረብ ቸርነት፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኬንያ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ከም ዝዓበየ ይገልጽ።
“ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ካልእ ሃገራት ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ስዒበ እየ መጺአ። ከመይ ገይረ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዝበጻሕኹ ግን ኣይፈልጥን፤ ሰባት ተኸቲለ ጥራይ’የ ኣብኡ በጺሐ” ይብል።
ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘጋጠምዎ ብድሆታት ስንባደ ስለ ዝፈጥሩሉ ብዝርዝር ክዛረበሎም'ኳ እንተዘይደለየ፡ ኣዲኡ ካብ ትግራይ ናብ ከተማ ክልል ህዝብታት ደቡብ ሃዋሳ ሒዛቶ ዓዲ ምስ ቀየረት ኣብ ጐደናታት ከም ዝዓበየ፡ ጐንጽን ሽግራትን ዝበዝሖ ህይወት ስለ ዝጸንሖ ክሃድም ከም ዝተገደደ ይዛረብ።
“ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝዀነ ሰብ ተዛሪበ ኣይፈልጥን’የ፤ ቈልዓ እንከለኹ ወላዲተይ ካብ ኤርትራ መጺኣ ጓል 16 ወይ 17 ዕድመኣ ስለ ዝወለደትኒ ንእሽቶ እንከለኹ እያ ኣብ ሃዋሳ ገዲፋትኒ። ሽዑ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ወዲ 9 ዓመት እንከለኹ ክሃድም ተገዲደ” ይብል።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ምስ ረኸቦ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ኣሰጋጊሩዎ።ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ኣብ ናይሮቢ መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚሩ።
‘ጸዋር’የ’
ሓደ ቈልዓ ክረኽቦም ዝግባኦ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዘይተማልኣሉ ኵነታት ከም ዝዓበየ ዝዛረብ ቸርነት፡ ብፍላይ ናባዪ ዘይነበሮም ህጻናት ስደተኛታት ንጭውያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ጐድናዊ ሳዕቤናትን ኣዝዮም ዝተቓልዑ ምንባሮም ገሊጹ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ እኹል መምሃሪ ናውቲን ቦታን ዘይምህላዎም፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዓሶ፡ ታይፎይድን ካልኦትን ብብዝሒ ይኽሰቱን የሸግሩዎ ከም ዝነበሩን ብምግላጽ፡ “ከቢድ ህይወት ነይሩ” ክብል ይዛረብ።
ናይ ቁልዕነት ተመኵሮታተይ ሓፍ ኮፍ ዝበዝሖ’ዩ ነይሩ ዝብል ቸርነት፡ “ዋላ’ውን ዝብህጐ ናብዮት፡ ዘድልየኒ ትምህርትን ደገፍን እንተዘይነበረ፡ ንብዙሓት ጸገማት ጸዋር ኰይነ እየ ዓብየ፤ ሓያል ሰብ ከኣ ገይሩኒ” ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ ኲናት፡ ጐንጺ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርትን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለው ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገራት ዩክረይን፡ ኢትዮጵያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሶርያን ሚያንማርን ብዝተወልዐ ጐንጺታት ንናህሪ ስደት ከም ዘደየቦ እቲ ኤጀንሲ ይጠቅስ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ንክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ጠንቂ ስደትን ምዝንባልን ሚልዮናት ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከብቅዕ እንከሎ፡ ብዙሓት ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ዳግም መነባብሮኦም ክሃንጹ የማዕድው።
ኣብ ዝዀነ ጐንጽን ግጭትን እቶም ግዳያት ቈልዓ ሰበይቲ እዮም።
ስደተኛታት ከኣ ዝያዳ ጸገም የጋጥሞም።
ቸርነት፡ ብሰንኪ ጐንጽን ሕጽረት ዕድላትን፡ ብዙሓት ዓቕሚን ተውህቦን ዘለዎም መምህራን፡ ሓካይምን ሰብ ካልእ ሞያ መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ከም ዝዕዘብ ይዛረብ።
“ካብ ሃገሩ ክሃድም ወይ ክስደድ ዝመርጽ የለን። ኣነ ካብታ ዝፈትዋ ሃገረይ ክወጽእ ኣይመረጽኩን - ግን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ተገዲደ” ኢሉ።
መንእሰይ ቸርነት ኣብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ’ዩ ዝገብር?
ቸርነት፡ ገና ወዲ 21 ዓመት መንእሰይን ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲን እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን የጽንዕ ኣሎ።
ብ2018፡ ብፕሮግራም ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምእታው ቋንቋታት ናይ ምምሃር ፍሉይ ድሌት ከም ዝነበሮን ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ብምንጣፍ ከም ዝዓበየን ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን ብዘይካ ቋንቋ ኣዲኡ ትግርኛ፡ እንግሊዘኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ፈረንሳይኛን ስዋሂሊን ብምምላኹ ፍሉይ ክእለት ቋንቋ ኣማዕቢሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካይዶም ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ክሳተፍ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ዝዅንኑ መልእኽታት ከሕልፍን ከስምዕን ጸኒሑ’ሎ።
ንርእሱ፡ “ማሕበራዊ ለውጢ ዝጠልብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እየ ክብል እኽእል” ብምባል ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ጥሪ ድማ፡ “ካብ ሎሚ - 2023 ጀሚረ ክሳብ 2024 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንሚልዮናት ኣፍሪቃውያን መናእሰይ” ዝምልከቱ ጉዳያት ሓሳቡ ከስምዓሉ ዝኽእል መንበር ከም ዝረኸበ ብወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣካፊሉ።
“ወዲ 15 ዓመት እንከለኹ ኣትሒዘ’የ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተላልየ፤ ሕጂ ወኪል መናእሰይ 2023 ኰይነ ምምራጸይ ዓቢይ ዕድል እዩ። ንስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክሰርሕ ጸኒሐ እየ።
"ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘለው ህጻናት ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ንክረኽቡ፡ እኹል ናውቲ ትምህርቲ ክህልዎም ኣብ ምርግጋጽ ብዙሕ ሰሪሐ እየ። እዚ ሓድሽ መድረኽ ድማ ብዛዕባ መናእሰይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ክዝትየሉ፡ ክማጐተሉ ዝኽእል ሓደ መድረኽ እዩ” ይብል።
ኣቐዲሙ፡ ካብ 2021- 22 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብቲ ውድብ ወኪል መናእሰይ ሸቶ ዘላቒ ልምዓት ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
“ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው ሰባት ብፍላይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ዘለው ሓደ እዋን ክሕግዘኩም እየ ኢለ ቃል ኣትየሎም እየ። እቶም ኣብ መዓስከራት ዘለው ስደተኛታት ንድልየታቶም ዘቃልሕ ድምጺ የብሎምን።
"ኣነ ከኣ ኣብ ኵሎም ዝረኸቦም ዕድላት መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ መንእሰይ ክኸውን’የ ዝደሊ” ብምባል ምኽንያት ስደት መንእሰያት ዝዀኑ ጸገማት ንኽፍትሑ ክቃለስ እየ ይብል።
ኣስታት 60 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ትሕቲ 25 ዓመት መንእሰያት ዝሓዘ እዩ።
ብመሰረት ፋውንዴሽን ፋሚሊ ኢቺኮቪች (IFF) ኣብ 2022 ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት መንእሰያት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት መንግስታቶም መነባብሮኦም ከም ዝመሓየሽ እንተዘይገይሮም ክስደዱ ከም ዝመርጹ የመልክት።
ኣብዚ ኣህጉር፡ ሚልዮናት መናእሰይ ተማሂሮም ብውሕዱ ዲግሪ ዘለዎም ግን ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ዘይክኣሉ መናእሰይ እዮም ዘለው፡ ዝብል ቸርነት ብወገኑ፡ ነዚ ንምብዳህ መንግስታት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምዕዋት ከተኩሩጭ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን።
“ነዚ ኣብ ምስራጽ ክኣ ጸቒጠ ክሰርሓሉ’የ”።
‘ትግራይ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ትደሊ’
መንእሰይ ቸርነት ሃሪፎ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ክቃወሙን ኲናት ደው ክብል ክጕስጉሱ ካብ ዝጸንሑን ተጋሩ ዲያስፖራ ይጥቀስ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣዝማዱ ተቘራሪጹ ከም ዝጸንሐ ዝዛረብ ቸርነት፡ ኣብዚ እዋን ኵሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ምቁራጽ ተጻብኦታት ልዑል ተስፋ ሰላም ከም ዘሕደረ ተዛሪቡ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፍጹም ደረት የብሉን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስቓይን ኢና ርኢና። ብፍላይ ሰባት ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ንብዙሓት ስድራ ቤታት ኣዝዩ ዝኸበደ ገይርዎ እዩ። ብሰንኪ ክውገድ ዝኽእል ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም፤ ግን ክኣ ብዙሕ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ስለ ዝነበረ ኣብኡ ወዲቕና” ይብል።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝለዓሉ ዝነበሩ ውሽጣዊ ጐንጽታት ህይወት ሚልዮናት ኣህዛብ ክጐሳቘል፡ በሰላታት ኲናት ሱር ክሰድድ ብምግባሮም፡ እቶም ሕጂ እንርእዮም ዘለና ተስፋታት ንምዕቃብ፡ “ፍትሒ ክረጋገጽን ዕርቂ ክመጽእን” ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኣብ ትግራይ ግን ብፍሉይ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ከም ዘድሊ ይምጕት።
“ህዝቢ ትግራይ ድኻ እዩ፤ እተን ደቀን መስዋእቲ ዝዀኑ ኣደታት ሕጂ’ውን ኣብ ህድሞን ሰቐላን እየን ዝነብራ ዘለዋ፤ ናብራአን ኣይተለወጠን። ፖለቲካዊ መሓውር ትግራይ ህወሓት ቈሪኑ ዝሓዞን ኣክንዲ ህዝቢ ዝውስንን ምዃኑ ብውሑድ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ርኢናዮ ኢና። ሕጂ ግን ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘድልየሉ ግዜ እዩ” ብምባል ይነቅፍ።
ወሲኹ፡ “ኣብ መንእሰይ ብዙሕ ተስፋ ኣሎኒ፤ ህዝቢ ሰላምን ሓቢርካ ምንባርን እምበር ኲናትን ዓጸቦን ኣይደልን” ክብል ተዛሪቡ።