ኢትዮጵያ፡ ስእላዊ መግለጺ ጽንብል ዓወት ዓድዋ ኣብ መበል 127 ዓመቱ

ዝነጥር ዘሎ ፈረስ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ስነስርዓት ፈረሰኛታት ምርኢት ኣቕሪቦም ነይሮም
Published

መበል 127 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኽብሪ ተጸንቢሉ ውዒሉ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ሰራዊት እታ ሃገር ዘማእከሎ ጽንብል፡ ሓይልታት ጸጥታ ወተሃደራዊ ሰልፊን ምርኢትን ኣቕሪቦም።

ድሩዓት ተሽከርከርቲ ሰራዊትን ፖሊስን፡ ሚሳይላት ዝዓጠቓ ወተሃደራውያን መካይን፡ ከምኡ'ውን ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ዝተሳተፍሉ ምርኢት'ዩ ነይሩ።

ውግእ ዓድዋ ኣብ 1896 (ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢጣልያን ብንጉስ ምኒሊክ ዝምራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ባሕቲ መጋቢት ናይቲ ዓመት ብስዕረት ኢጣልያውያን ዝተወድአ እዩ።

እቲ ዓወት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ኣንጻር ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ዘነቓቕሐ'ዩ ነይሩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሎሚ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም (2 መጋቢት) ዝተኻየደ ጽንብል እንሆ፣

ድሩዓት ወተሃደራውያን መካይን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሰራዊት እታ ሃገር ዘማእከሎ'ዩ ነይሩ
ተመራሕቲ ሚሳይላትን ወንጨፍቲ ሮኬታትን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ተመራሕቲ ሚሳይላትን ወንጨፍቲ ሮኬታትን'ውን ኣካል ናይቲ ብሰራዊት ዝተዳለወ ምርኢት'ዮም ነይሮም
ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝርከብዎም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ምርኢት እናተዓዘቡ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝርከብዎም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ምርኢት እናተዓዘቡ
ጽንብል ዓድዋ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ዋና ናይቲ ዓወት ዝኾነትን በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ዝተሃስየትን ከተማ ዓድዋ ዝነበረ ጽንብል
ሰልፊ ኣባላት ሰራዊት

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሰራዊት ኣብ ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ- ኣዲስ ኣበባ
ኣብታ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር'ውን እቲ በዓል ተዘኪሩ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር'ውን እቲ በዓል ተዘኪሩ ውዒሉ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defence Forces

መግለጺ ስእሊ, ሰበሰልጣን መንግስቲ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ዕንባባ ኣንቢሮም
ኣብቲ ኣብ 'መስቀል ኣደባባይ' ዝተኻየደ ስነስርዓት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተረኺቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, ETV/youtube

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኣብ 'መስቀል ኣደባባይ' ዝተኻየደ ስነስርዓት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተረኺቡ ነይሩ
ወንጨፍቲ ሮኬታት ዝዓጠቓ ናኣሽቱ መካይን ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ወንጨፍቲ ሮኬታት ዝዓጠቓ ናኣሽቱ መካይን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምርኢት- ኣዲስ ኣበባ
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ብኣጋጣሚ እቲ በዓል ኣብ ሰማያት እታ ከተማ ምርኢት ኣቕሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Etv

መግለጺ ስእሊ, ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ብኣጋጣሚ እቲ በዓል ኣብ ሰማያት እታ ከተማ ምርኢት ኣቕሪቡ
ወተሃደራዊ ሰልፊ ሚሳይላትን ድሩዓት መካይንን ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defence Forces

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ ሰልፊ ሚሳይላትን ድሩዓት መካይንን ሰራዊት ኢትዮጵያ