ነጥበይ ውሒዱ ኢሉ ንመምህሩ ዝቐተለ ተምሃራይ ንሕልፈት ተፈሪዱ

Published

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣዮዋ፡ ዊልርድ ሚለር ዝተበሃለ ወዲ 17 ዓመት ተምሃራይ፡ ቋንቋ ስጳኛ ትምህሮ ንዝነበረት መምህሩ፡ ነጥቢ ኣውሒድክለይ ኢሉ ኣብ ሚያዝያ ሃሪሙ ስለዝቐተላ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

ሚለርን ምስኡ ዝነበረ ጀረሚ ጉዳለን፡ ነታ ጓል 66 ዓመት ኖሄማ ግራበር ዝተበሃለት መምህሮም ነጥቢ ሚለር ውሒዱ ብምባል’ዮም ክልቲኦም ከቲሮም ብተሪር በትሪ መጻወቲ በይዝቦል ሃሪሞም ቀቲሎማ።

ኣብቲ ቅትለት ኢዱ ዝሓወሰ ሕጂ ወዲ 18 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ጀረሚ ጉዳለ፡ መስርሕ ፍርዱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክፍጸም’ዩ።

ክልቲኦም ፈጸምቲ ገበን ነቲ ቅትለት ክፍጽምዎ እንከለዉ ደቂ 16ን 17 ዓመትን’ኳ እንተነበሩ፡ ከም እኹላት ሰባት’ዮም ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

እቲ ቀንዲ ተኸሳሲ ናይዚ ቅትለት ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ ዊልርድ ሚለር ብውሕዱ 35 ዓመታት ምስ ተኣሰረ ጥራይ ኣሞክሮ ከምዝሓትት ተነጊርዎ ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝውዓለ መጋባእያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእሰርቲ ንስድራ መዋቲት 150 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክወሃብ’ውን እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ ኣሎ።

ነቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ሻውን ሾወርስ፡ “ዊልርድ ሚለር ነቲ ገበን ክፍጽሞ እንከሎ ንእሽተይ ስለዝነበረ ንዅሉ ኣየገናዘብን” ንዝብል መከራኸሪ ሓሳብ ብምንጻግ “ሰይጣን መዓልቲ ልደት ይብሉን” ኢሉ።

ስድራ መዋቲት መምህር ኖሄማ ግራበር፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ዊልርድ ሚለር ዝኾነ ናይ ጣዕሳ ምልክት ኣየርኣየን ኢሎም።

እቶም ስድራ መዋቲት፡ ሞት ናሄማ ግራበር በዓል ቤታ ፖል ብሓዝን ተኾምቲሩ ንኽምውት ምኽንያት ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ስነስርዓት ቀብሩ ድሮ እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።

ፍርዲ ምስ ተወሃበ፡ ዊልርድ ሚለር ንዅሉ ሕብረተሰብ ይቕሬታ ብምሕታት ንስደራ መዋቲት ብፍሉይ “በቲ ዘውረድኩልኩም ጭንቀትን ንስድራቤትኩም ዘውረድኩዎ ዕንወትን ካብ ልበይ ይቕሬታ እሓትት" ኢሉ።

ዊልርድ ሚለር፡ “ንብዙሕ ዓመት ተኣሲረ መንነተይን ዝመጻኹለን ክርስዕ ኣይደልይን’የ” ብምባል ንብዙሕ ዓመታት ከይፈርዶ ንዳኛ ተማሕጺኑ።

ኣኽባሪ ሕጊ ነታ መምህር ክልቲኦም ከምዝሃረምዋ’ዩ ገሊጹ።

ሬሳ ናይታ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነት መምህር፡ ጽባሕ እቲ ፍጻመ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኣ ናብ ገዛኣ ኣብ እትኸደሉ ኣብ ጥቃ መንገዲ ባቡር ኣብ ትሕቲ ሓደ ማይ ዝሓልፈሉ ጎማ ተሓቢኡ ከምዝጸንሐ ፖሊስ ሐቢሩ።

ኣብ እዋኑ እቲ ተኸሳሲ፡ እታ መምህር ትኽተሎ ኣገባብ ኣመሃህራ ከምዘይፈትዎ ንፖሊስ ቃሉ ብምሃብ፡ እቲ ዘምጽኦ ትሑት ነጥቢ ናብ ኮሌጅ ንኽኣቱ ከምዘጸግሞ ተዛሪቡ።

እታ መበቈላ ካብ ሜክሲኮ ዝዀነት መምህር ካብ 2012 ጀሚራ’ያ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትምህር ነይራ።