እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥንሲ ከተነጽል ነዊሕ ዝተጉዓዘት ጓል 10 ዓመት ዝዓመጸ ሰብኣይ ተኣሲሩ
ሓደ ሰብኣይ: ንሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ብምዕማጹ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
እዚ ጉዳይ እዚ፡ እታ ቖልዓ ጥንዲ ንምንጻል ናብ ካልእ ግዝኣት ኣሜሪካ ክትገይሽ ድሕሪ ምግዳዳ እዩ ተቓሊዑ ኣዘራረቢ ዀይኑ ዘሎ።
ወዲ 28 ዓመት ገርሰን ፉኤንተስ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ገበናት ዓመጽ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ።
እታ ቆልዓ፡ እታ እትነብረላ ግዝኣት ጥንሲ ምንጻል ድሕሪ ምኽልካላ፡ ነቲ ጥንሲ ክትንጽል ናብ ኢንዲያና ክተከይድ ተገዲዳ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ድሕሪ ምኽልካሉ'ዩ እዚ ኣጋጢሙ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፉኤንተስ ዝተባህለ ተወላዲ ጓቲማላ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣሜሪካ ከምዘሎ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸቡ ኣመልኪቶም።
ድሕሪ 25 ዓመት ጥራይ እዩ ንኣመክሮ ከመልክት ዝኽእል፤ ካብ አመሪካ’ውን ክስጎግ ይኽእል እዩ።
ከም ጾታዊ ገበነኛ ክምዝገብ ድማ ክግደድ እዩ።
ዳኛ ፍራንክሊን ካውንቲ፡ ጁሊ ሊንች፡ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝሃበቶ ፍርዲ፡ "ዝኾነ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብዚ ቤት ፍርዲ ዝጸንሐ ሰብ፡ እዚ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ዕሸላት መንእሰያት ምግሃስ እንታይ ከም ዝስምዖ ይፈልጥ'ዩ" ኢላ።
ፉኤንተስ፡ ፖሊስ መርመራ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ነታ ህጻን ክልተ ግዜ ከምዝዓመጻ ከምዝተናዘዘ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።
መርመራ ዲኤንኤ ናይቲ ዝተነጸለ ጥንሲ ኣቦ ምዃኑ'ውን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኦሃዮ ካብ ዝርከብ ሓኪም ዓመጽ ህጻናት ዝተላእከት እታ ግዳይ፡ ጥንሳ ሽዱሽተ ሰሙንን ሰለስተ መዓልትን ኣብ ዘቑጸረሉ፡ ብ30 ሰነ ኣብ ኢንዲያናፖሊስ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ፡ ክትንጽሎ ከም ዝኸደት፡ ጋዜጣ ኢንዲያናፖሊስ ስታር ሓቢራ።
እታ ቅድሚ እቲ ጥንሲ ምስዳዳ 10 ዓመት ዝመልኣ ጓል ህጻን፡ ኦሃዮ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ ስለዝገበረት እያ ናብ ኣልእ ግዝኣት ክትጓዓዝ ዝተገደደት።
እቲ ክልከላ፡ ዋላ ንግዳያት ዓመጽ ወይ ብዘመድ ኣዝማድ ንዝፍጸሙ ዘቤታዊ ጾታዊ ዓመጻት ዝተፈለየ ትዅረት ኣይገብርን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ንደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ዘውሕስ ብ1973 ሮ/ዋይድ ዝተባህለ ፍሉይ ውሳነ ምስ ሰረዘ ድሕሪ ሰዓታት፡ ሓገግቲ ኣካላት ምንጻል ጥንሲ ንምኽልካል ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲዶም።
እታ ነቲ ጥንሲ ዝሰደደት ዶክተር ብወገና፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንማዕከናት ዜና ብምዝራባ፡ መሰል ብሕታዊነት ተኣላይታ ብምጥሓሳ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብሰበስልጣን ኢንዲያና 3000 ዶላር ተቐጺዓ'ያ።
እንተዀነ፡ ቦርድ ሕክምና ግዝኣት ኢንዲያና፡ ንፍቓድ ዶክተር ኬትሊን በርናርድ ኣየቋረጾን።