ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ፡ ወንጌላዊ እምነቱ ንዓወቱ ብኸመይ ጸልይዎ?

Published

ሓድሽ ፕረዚደትን ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ሰሉስ 13 መስከረም 2022 ነታ ሃገር ንኽመርሕ ቃለ ማሕላ ብምፍጻም ስርሑ ጀሚሩ’ሎ።

ሩቶ፡ ኣብ ታሪኽ ‘ታ ሃገር ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ‘ወንጌላዊ ክርስትያን’ ኰይኑ፡ ኣብ መስርሕ መረጻ ንዘመዝገቦ ዓወት፡ ሃይማኖቱ ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮ ይንገር ኣሎ። በዚ ኸኣ፡ ሃይማኖት ዝማእከሉ ምሕደራ ክኽተል ከም ዝኽእል ብኣጋኡ ይግመት።

እዚ ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ እምነቱ ብግልጺ ንምዝራብ ከም ዘይሓፍር እዩ ዝዝረበሉ። ኣብ ከም መሰል ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ፡ ምንጻል ጥንሲን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ክለዓሉ ተኽእሎ ዘለዎም ጉዳያት ኰይኖም፡ ብዛዕባኦም ዘለዎ መርገጺ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብጋህዲ ኣነጺሩ እዩ።

ሩቶ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብቐጻሊ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ፡ ክጽሊን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን ክነብዕ ዝርአይን ብዙሕ ዘይስከፍ ሰብ እዩ። ነዚ ዝረኣዩ ተቓወምቱ ኣብ እዋን ጐስጓስ ንመረጻ፡ "ምክትል የሱስ" ኢሎም ክቕይዑሉ እንከለው፡ ሰዓብቱ ድማ ቀልጢፎም መለለይኡ ዝገብርዋ ሳጓኡ ገይሮምዋ።

ሩቶ፡ ኣብቲ መረጻ ዝረኸቦ ዓወት ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምጽዳቝ፡ ፈለማ ዝገበሮ ነገር እንተነይሩ፡ ኣብ ጐድኒ በዓልቲ ቤቱ ራሄልን ምስቶም ኣብ ገዛኡ ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ሰብመዝን ተንበርኪኽካ ምጽላይ እዩ።

ሩቶን በዓልቲ ቤቱን ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ፡ ‘ካረን’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ገዛኦም ቤተ ጸሎት ከይተረፈ ሃኒጾም እዮም።

ሽዑ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሰዓቢ እስልምና ዝዀነ መራሒ’ውን ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብእምነቱ ኣብቲ ቀጽሪ እንዳ ሩቶ ክጽሊ ተራእዩ።

ሩቶ ጽኑዕ ክርስትያናዊ እምነት ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ተግባሩ ግን መራሒ ኣመንቲ ኵሉ ሃይማኖታት ክኸውን መደብ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ።  

ኬንያ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ብሰላም ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ኰይና፡ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንታ ኸኣ ደገፍ ብዙሓት ኣስላም ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ጳጳስ ወንጌላዊት ቤተክስርትያን ኬንያ፡ ደቪድ ኦጊንደ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሩቶ "ንክብርታት [ሕብረተሰብ] ደው ክብልን፣ እዚ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ምዃኑ ከኽብርን" ተስፋኡ ገሊጹ።

ኬንያ ጽኑዓት ኣመንቲ-ሃይማኖተኛታት ዝነብሩላ ሃገር ኰይና፡ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ወግዓዊ ዝገበረት ላዕለወይቲ ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ማርታ ኩመ፡ ነቲ ዓወት ሩቶ ዘረጋገጸ መስርሕ ቤት ፍርዲ “እዚ ስራሕ ኣምላኽ ጥራይ እዩ. . .” ክትብል እያ ገሊጻቶ።

ሩቶ ከም ምኽትል ፕረዚደንት’ቲ ኣብ ቀረባ ዝተሰናበተ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ዝዀነ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቀዳማይ ሓሙሽተ ዓመት ዘመነ ስልጣኖም ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ርኡይ ነይሩ፤ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2007 ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣስማቶም ንምጽራይ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ተራ ሩቶ ቀሊል ዘይምንባሩ እዩ ዝግምገም።

ኣብቲ እዋን፡ ሩቶን ሰበይቱን ብቐጻሊ ኣብ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተረኺቦም ጸሎት ይገብሩ ነይሮም፤  ኣብ ፍርዲ ከይቀርቡ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዝነበሩ እዋን ህዝባዊ ድንጋጸ'ውን ረኺቦም እዮም።

ዓቃቢ ሕጊ [ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ] ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ንዝቐረበ ክሲ ኣብ 2014፣ ልዕሊ ሚስተር ሩቶ ዝቐረበ ክሲ ድማ ኣብ 2016 ኣቋሪጽዎ።

ካብ ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታንት ዝኾኑ ስድራ ዝተወልደ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብ ንእስነቱ ፓስተር ምንባሩ ዘርኢ ኣሳእል ብማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ተዘርጊሑ ኔሩ።

በዓልቲ ቤቱ ብዙሕ ግዜ ጉባኤታት ጸሎት ኣካይዳ እያ፣ ሚስተር ሩቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንፖለቲካዊ ዓወቱ መንፈሳዊ ምትእትታዋት ከም ዘለዎ ብምግላጽ ከመስግን ተሰሚዑ እዩ።

ሃይማኖታዊ መርኣያ ‘ቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ፡ በዓልቲ ቤት እቲ ምኽትሉ ክኸውን ዝመረጾ ሪጋቲ ጋቻጉዋ ዝዀነት ዶርካስ፡ ብዕቱብ ክድገፍ ምኽኣሉ እዩ።

ንሳ ሰራሕተኛ ባንኪ ዝነበረት ኰይና፡ ካብኡ ድሕሪ ምስንባታ ፓስተር ዝዀነት እያ።

ኬንያውያን፡ ኣስታት 85 ሚእታዊት ክርስትያን [33% ፕሮቴስታንት፡ 21% ካቶሊክ፡ 20% ወንጌላውያን፡ 7% ድማ ሰዓብቲ ኣብያተ ክርስትያናት ኣፍሪቃ ] - ኣስታት 11% ከኣ ኣስላም እዮም።

ተንታኒ ፖለቲካ ማቻርያ ሙነኔ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሩቶ ንዅሎም ክርስትያን ብማዕረ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ኣብ መረጻ ንኽዕወት ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ይገልጽ።

"ተቐናቓኒኡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብዛዕባ ክርስትና ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ እምነት ክትቅበል ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው ምባሉ፡  በዓልቲ ቤቱ፡ ኤዳ’ውን ምቍጽጻር ኣብያተ ክርስቲያን ክግበር ኣመልኪታ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ተደማሚሩ ንረብሓ ሩቶ እዩ ኰይኑ፡” ይብል ሙነነ።

ተንታኒ ፖለቲካ ሄርማን ማንዮራ ብወገኑ፡ ሩቶ ኣብቲ ዝምስርቶ መንግስቲ መራሕቲ ሃይማኖት እንተሸይሙ ከምዘይገርሞ ብምግላጽ፣ “ምኽንያቱ ኣብ ጐስጓሱ ዓቢይ ተራ ተጻዊቶምሉ እዮም፡” ይብል።

ማንዮራ ወሲኹ፡ "ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሞይ፡ ኣገልግሎት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ዜናታት ሰንበት ጐሊሑ ንኽቐርብ ሸፈነ ክወሃቦ ተኽእሎ ‘ሎ" ኢሉ። 

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ መሰላት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ተሪር መርገጺ ክሕዝ ትጽቢት ይግበር። ንሱ፡ ኣብ 2015 ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነበረ ጆን ኬሪ ቀቅድሚ ‘ቲ ንኬንያ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣብ ናይሮቢ ንዝተኣከቡ ኣመንቲ፡ "ኬንያ ንኣምላኽ እተምልኽ ሪፓብሊክ እያ። ኣብዚ፡ ንሰዶማውነት ፍጹም ቦታ የለን" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ ዓወቱ ምስ ሲኤንኤን - መደበር ተሌቪዥን ኣሜሪካ - ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ካብ ጕላ ሓደ እምባ ክፈጥር ኣይደልን እየ፡” ድሕሪ ምባል፡ “[መሰል ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ] ክሳብ ክንድኡ ዓቢይ ጉዳይ እንተዀይኑ ግን ህዝቢ እዩ ዝውስን፡” ኢሉ።

ማንዮራ ከም ዝብሎ፡ መሰላት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ኣፍልጦ ንምሃብ ሕጋዊ ፈተነ እንተተገይሩ፡ ንመንግስቲ ዓቢ ከቢድ ብድሆ ክፈጥረሉ እዩ። ኣብ 2019 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣንጻር እቶም ንሕደ ጾታውነት ዝኽልክል ዝተደንገገ ሕጊ ንክቕልብሱ ዝተንቀሳቐሱ ተሓለቅቲ ውሳነ ሂቡ ነይሩ። ይዅን እምበር እዞም ተሓለቕቲ ጐስጓሶም ክቕጽሉ ምዃኖም ፈኪሮም እዮም።

"እቲ ንግብረ ሰዶማውነት ከም ገበን ዝቐጽዕ ሕጊ ኢ-ቅዋማዊ እዩ። እንሆ ድማ ሕጂ ኣዝዩ ክርስትያን ዝዀነ ሰብኣይ መጺኡ’ሎ። ሰባት 'ምክትል የሱስ' ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ስለዚ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝወሃብ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣንጻር እምነቱን ኣተሓሳስባኡን እንተዀይኑ፡ ሩቶ ዝህቦ ግብረመልሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።" ክብል  ማንዮራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ብዘለዎ ተሪር መርገጺ’ውን ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ዘሎ ቅዋማዊ ድንጋገ ግን፡ ኣብ ጥዕና እታ ኣደ ሓደጋ እንተሃልዩ፡ ጥንሲ ክንጸል ዝፈቅድ እዩ።

ስለዚ፡ ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ንምዝላቕ ዘሎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ይዅን እምበር ቅዋም ‘ታ ሃገር ክሳዕ ዝፈቐዶ፡ ውልቃዊ እምነቱ ብዘየገድስ፡ ከኽርሮ ዘኽእል ዕድላት ኣሎዎ።

ሩቶ ኣብ ጉዳያት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታን ምንጻል ጥንስን ንዘለዎ ተሪር መርገጺ ካብ መራሕትን ኣመንትን ምስልምና ሓያል ደገፍ እዩ ዘለዎ።

እቲ ኣብ ውሽጢ መሳርዑ ዓሰርተታት መራሕቲ ኣስላም ዝሓቘፈ፡ ሰልፊ ስሙር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ [ዩዲኤም] - ንልፍንታዊ ሰልፊ ኦዲንጋ ገሊፉ፡ መራሒኡ ዊልያም ሩቶ ክዕወትን ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ክህልዎን ክኢሉ እዩ።

ይዅን እምበር ማንዮራ፡ ሩቶ ንተነቃፍነት መራሕቲ ኣስላም ክግንዘብ ከምዘለዎ የጠንቅቕ፤ "ንኣስላም፡ ንመራሕቶም ናብኡ ብምቕራብ ከህድኦም'ዩ፤ እንተዀነ እቲ ክርስቲያናዊ ቃናኡ ከልዝቦ እንተዘይክኢሉ፡ ንገለ መራሕቲ ከርሕቕ ወይ ከቐይም ይኽእል’ዩ፡" ይብል።

ጳጳስ ኦጊንደ፡ “ፕረዚደንት ሩቶ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሕታት እንተተመዚዞም ኵሎም እምነታት ክውከሉ ኣለዎም፡” ይብል።

"ክንድግፎ ኢና፡ ኣብ እንኽእለሉ ቦታ’ውን መምርሒ ክንህብ ኢና፣ ብርግጽ ድማ ክንጽልየሉ ኢና። ኣምላኻዊ መሪሕነት ከርኢ ክንጽልየሉ ኢና" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ሩቶ ኣብ መረጻ ዝረኸቦ ዓወት፡ ብዓቢኡ፡ ነቲ ብኽልተ ፖለቲካዊ ስርወ መንግስቲ - እንዳ ኦዲንጋን እንዳ ኬንያታን - ስልጣን ብሒትካ ንምቕጻል ዝተገብረ ፈተነ ዝሰዓረ፡ ነብሱ ከም "ተቓላሲ" ዝገልጸሉ ዕዉት ጕዕዞ ቓልሲ ተገይሩ ይርአ።

ንሱ፡ "ካብ ታሕቲ ንላዕሊ" ዝብል ኣገባብ ቁጠባ ክኽተል ምዃኑን፡ ነቲ ኣብ መንእሰያት ዘሎ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንምምካት፡ ከምኡ'ውን ህይወት ድኻታት ንምምሕያሽ ቃል ኣትዩ’ሎ።

ማንዮራ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ እዚ ሕጂ ዝኣትዎ ዘሎ መብጽዓታት ክትግብር ከምዘለዎም የተሓሳስብ።

"ክርስትና፡ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ስልጣን ንምርካብ ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ሽፋን እዩ፤ ሓንሳእ ስልጣን ምስ ጨበጡ ድማ ነገራት ይቕየሩ፡" ይብል።