ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ እንታይ ይብል?

Published

ሰብመዚ ኤርትራ ንዅሎም እቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎም እሱራት ብህጹጽ ክፈትሑ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዑ። 

“መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ንክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ግዱድ ምስዋር፡ ስቅያትን ዘይሕጋውን ርክብ ዝተሓረሞን ኣገባብ ማእሰርቲ ከቋርጾ” እቲ ፍሉይ ወኪል ተማሕጺኑ።

“ፖሊስ፡ ወተሃደራዊ ፖሊስን ትካላት ውሽጣዊ ጸጥታን፡ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ውሕስነት ዜጋታት ይኣስሩን ኣብ ቀይዲ ይሕዙን” ዝበለ እቲ ወኪል፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ግዳያት ንነዊሕ እዋን ከም ዝእሰሩን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝግበረሎምን ገሊጹ።

 

ብኩራት ትሕተቅርጺ ግዝኣተ-ሕጊ

ስልጣን ብሓደ ሰብ ብምብሓቱ፡ እታ ሃገር “ሰባዊ መሰላት ብኣድማዕነት እትሕልወሉን እተኽብረሉን ዝተሓተ ትሕተ-ቅርጺ ንምምዕባል ዝኾነ ምዕባለ ኣይርኣየትን” ይብል።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ እታ ሃገር ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ካብ እትወጽእ ጀሚሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ቅዋም ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት፡ ነቶም ንመሰጋገሪ እዋን ተተኺሎም ዝነበሩ ከም ሃገራዊ ባይቶ፡ ናጻ ፕረስን ሲቪካውያን ማሕበራትን ትካላት ዲሞክራስን ብምፍራስ ብዘይተሓታትነት ስልጣን ጨቢጡ ይርከብ።

ኣብ 2015 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እቲ ንምንዳፉ ክልተ ዓመታት ዝወሰደን ኣብ ግንቦት 1997 ድማ "ብቅዋማዊ ባይቶ" ዝጸደቐን ሕገ-መንግስቲ፡ "እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብ 2014 ኣብ ጽንብል ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት፡ መርሓ ፖለቲካዊ ጐደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ክሕብር እፈቱ" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝቐጸለ ቃለ-መሕትቱ፡ ነቲ ናይ ምንዳፍ ስራሕ ዘካይድ "ሓደ ኣካል" ከምዝቖመ'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተነድፈ ሰነድ የለን።

ኣብታ ኣብ 1993 ብረፈረንደም ናጽነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ሎሚ ኣይተኻየደን። ዞባውን ከባብያውን ምርጫታት ግን ክካየዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሰብመዚ መንግስቲ፡ ንናጽነታት መሰል ሓሳብካን ርእይቶኻን ምግላጽ፡ እምነትን ሃይማኖታትን፡ ከምኡ’ውን ማሕበራት ምቛም ንምዕባስን ንምቁጽጻርን፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምስዋርን ከም መሳርሒ ራዕዲ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ’ሎ።

 

ግዱድን ገደብ ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኵነታት ስደተኛታትን

እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለ ግዱድን “ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምንጪ ምግሃስ መሰላት” ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ “እቲ ኵነታት ርኡይ ምንቁልቋል” ከምዘርኣየ ይሕብር።

“ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ዝተገብረ ምምሕያሽ የለን” ብምባል እማመታት ትካላት ሓለዋ መሰላት ሰብ፡ ሕጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ብመንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ከምዝተባህለ ነቒፉ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ብዘይደሞዝ ወይ ብኣዝዩ ውሑድ ክፍሊት ዝጸምዶም ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እናንቆልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፍሉይ ወኪል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምዘለዉ ጠቒሱ።

መብዛሕትኦም ብሓደገኛ መንገዲ ስደት ሓሊፎም ናብ ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ከምዝኣትዉ ጸብጻባት ስደተኛታት የረድኡ።

ዕድል ዘይገበሩ ብዙሓት ካብኦም ግን ኣብ በረኻታት፡ ምድረበዳታትን ባሕርን ሂወቶም ምስኣኖም ይፍለጥ።

ብዛዕባ ኵነታት ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ልዕሊ 96,000 ከምዝነበሩን፡ ካብ መጋቢት 2022 ኣትሒዙ ግን ቍጽሮም ናብ 24, 785 ከምዝወረደን ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ናይቲ ጸብጻብ፡ ኩነታቶም እናኸፍአ ከምዝኸደን፡ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጻትን ማእሰርትን ከምዝተፈጸመ ይኸስስ።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብዘይፍታዎም ብሓይልታት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገደዱ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋቶም ብወግዒ ከፍልጥ ጠሊቡ።

ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ወገናት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸሙ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ መርትዖታት ይውስኽ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ሰብመዚ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለዎም ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት ዝምልከት ምስቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ክተሓባበሩን ናብታ ሃገር ኣትዩ መጽናዕቱ ከየካይድ ፍቓደኛታት ስለዘይኮኑ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ግዳያት፡ ቤተሰብግዳያት፡ መሰኻኽርን ትካላት ተሓለቕቲ መሰላትን ብዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝተዳለወ ኣነጺሩ።