ኤርትራዊ ኣትለት ተስፋይ ደሳለ ንሃገር ወኪሉ ካብ ምውድዳር ክሳብ ሊስትሮን ስደተኛን

ኣትሌት ተስፋይ ደሳለ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድርን ኣብ እዋን ልምምድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳኣሎ ስእልን

ምንጪ ስእሊ, Tesfay Desale

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ተስፋይ ደሳለ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድርን ኣብ እዋን ልምምድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳኣሎ ስእልን
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ኤርትራ እቲ ዝበረኸ ዓወት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል፡ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ፡ ግሪኽ ኣብ ዝተኣንገደ ኦሎምፒክ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ እዩ።

እዛ መዳልያ እዚኣ ከኣ እታ እንኮ ኤርትራ ኣብ ኦሎምፒክ ዝረኸበታ መዳልያን፣ ብፍላይ ድሒሮም ንዝመጹ ኣትለታት ድማ ድርኺት ኰይና ዝተመዝገበትን እያ።

ዘርእሰናይ ንዘመዝገቦ ዓወት ከኣ ኣርኣያ ኰይኖም ዘነቓቕሕዎ ከም ኣትለታት ዮናስ ክፍለ፡ ተስፋሃንስ መስፍን፡ ነባይ ሃብተገርግስን፡ ነብያት ሃብተማርያምን ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ዘርእሰናይ፡ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ተዓዊቱ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ ዝተገብረ ድሙቕ ኣቐባብላ'ውን ምስቲ ዓወቱ ተደሚሩ ብዙሓት ኣብ ኣትለቲክስ ከተኵሩ ኣነቓቒሑ እዩ፤ በዚ ድማ ስታድዮም ኣስመራ ንግሆ ተሲኦም ብዝጐዩ ኣትለታት ዓቕሉ ክጸቦ ተራእየ።

ሓደ ካብኦም ከኣ እዚ ሎሚ ዛዕባና ገይርናዮ ዘለና፡ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቲራቮሎ እንዳ ኣርባዓ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝዓበየ ኣትለት ተስፋይ ደሳለ'ዩ።

ተስፋይ ካብ ብንእሽቶኡ ተዋዛዪ ስለዝነበረ ኣብ ገዛውቱ ዝለገበቶ "ባጫ" እትብል ሳጓ ማዕረ ስሙ'ያ እትፍለጥ፤ መወዳድርቱ ከኣ ባጫ ወይ ተስፋይ ባጫ ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዎ።

እንትርፎ በታ ባጫ እትብል ሳጓኡ ፈጺሞም ስሙ ዘይፈልጥዎ'ውን ኣለዉ።

ተስፋይ ኣብ 2001'ዩ ኣትለቲክስ ጀሚሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣብ ጋንታ ዞባ ማእከል ተጠርኒፉ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ዞባ ማእከልን ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝግበር ውድድራትን ተሳቲፉ ንሓያለ ሽልማታት በቒዑ'ዩ።

ክሳብ 2006 ምስ ጋንታ ዞባ ማእከል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2006 ምስ መበል 19 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዓሊሙ።

"ድሕሪ ተዓሊም ብምኒስትሪ ምክልኻል ተሳሒበ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ልምምድ ድሕሪ ምግባር፡ ምስ ስርሒት ዞባ ሓሙሽተ ተጠርኒፈ ናብ ከባቢ ኣስመራ - ዓዲ ጓዕዳድ መጺአ" ብምባል 20 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።

ካብኡ ኸኣ ናብ ጋንታ ምኒስትሪ ምክልኻል ዝዀነት ክለብ ደንደን ተጠርኒፉ ውድድሩ ከም ዝቐጸለ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ የዛንቱ።

"ከም ብዓል ሳመኤል ጸጋይ፡ ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ንጉሰ ኣምለሶም፡ ኪዳነ ታደሰ፡ ተኽለማርያም መድህን፡ ዮናስ ክፍለ፡ ተስፋሃንስ መስፍን ኵሎም ዳርጋ እቶም ዓበይቲ ጐየይቲ ኤርትራ መወዳድርተይን መወዳድርቶም'የ ነይረ" ብምባል ከኣ ነቲ እዋን ይዝክሮ።

ኣብ 2011 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገበረ ውድድር መጻረዪ ድሕሪ ምስታፍ ጽቡቕ ውጽኢት ስለዘመዝገበ ንሃገር ወኪሉ ናብ ኣውሮጳ፡ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ከይዱ ክወዳደር'ውን ዕድል ረኺቡ።

ቀዳመይቲ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ዘካየዳ ውድድር ኣብ ብሩንዲ'ያ ነይራ፤ ውድድሩ ድሕሪ ምዝዛም ከኣ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ናብ ብራዚልን ናብ ዓዲ ጣልያንን ከይዱ ክወዳደር ባብ ተራሕይሉ።

"እታ ንሃገር ወኪለ ናብ ብሩንዲ ዝገሽኩላ ናይ መጀመርታይ'ያ ነይራ፡ ምስ ብዓል ንጉሰ ኣምለሶም'የ ገይሸ፣ ብጋንታ ከኣ ካልኣይቲ ኴንና ወዲእና" ይብል።

ተስፋይ ደው ካብ ዝበሉ ኣብ የማናይ ጫፍ ዘሎ፡ ምስ ጋንታ ደንደን እናተወዳደረ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Tesfay Desale

መግለጺ ስእሊ, ተስፋይ ደው ካብ ዝበሉ ኣብ የማናይ ጫፍ ዘሎ፡ ምስ ጋንታ ደንደን እናተወዳደረ እንከሎ

ናብታ ካልኣይቲ ዝገሸላ ዓዲ ጣልያን ከኣ፡ "እቲ ውድድር ናይ ጎቦ'ዩ ነይሩ፣ ክንከይድ እንከለና ንዕኡ ኢልና ኣይኰንናን ኬድና፡ ኣብኡ ምስ ከድና ግን ኣብዚ ተወዳደሩ ተባሂልና፣ ምሳና ፔትሮ ማሞ ነይሩ ንሱ'ዩ ቀዳማይ ኣትዩ" ብምባል ነቲ እዋን ይዝክር።

"ናብ ብራዚል ከኣ ምስ ብዓል ዮናስ ክፍለ፡ ንጉሰ ኣምለሶም፡ ግርማይን ንርከቦም ሸሞንተ ጐየይቲ ኢና ገይሽና፣ ኣብ ዝፈላለየ ርሕቀት ከኣ ተወዳዲርና።

"ናይ 1500፡ ናይ 5000 ሜትሮ ነይሮም ኣነ ከኣ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ'የ ተወዳዲረ፡ ናይ መጻረዪ ሓሊፈ ኣብ መዛዘሚ ግን ክዕወት ኣይክኣልኩን ሰዓተይ ጥራይ'የ ኣመሓይሸ።"

ተስፋይ ኣብ ትራክ ኣብ 5000 ሜትሮ፣ ኣብ ጽርግያ ከኣ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶንን'ዩ ዝወዳደር።

"ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ውድድር ብደረጃ ሃገር ኣብ መወዳእታ 2014 ኣብ ዝነበረ ውድድር ሳልሳይ ንምውጻእ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ክኸውን ክኢለ ነይረ፣ ሰዓተይ'ውን 14፡00 እዩ ነይሩ ጽቡቕ ዝበሃል ግዜ'ዩ። ኣብቲ እዋን ተኽለማርያም መድህን ዝበለጸ ግዜ ነይርዎ፣ ኣነ ኸኣ ካልኣይ ነይረ" ብምባል እቲ እዋን ጥርዚ ብቕዓት በጺሕሉ ዝነበረ ግዜ ምንባሩ ይዝክር።

ጕዕዞ ናብ ስደት

ተስፋይ ክሳብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2014 ኣብ ዝነበረ እዋን ምስ ጋንታ ደንደን ብምዃን ውድድሩ እናካየደ፣ ንሱ ከም ዝብሎ ምስ ኣሰልጣኒኡ ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ "ንዓይ ንወዲ ትካቦን ንኣሌክሳንደር መድሃኔን ካብታ ክለብ ሰጒጉና" ይብል።

ተስፋይ ካብ ጋንታ ደንደን ምስ ተሰጎገ፡ ንሓጺር እዋን ካልእ ጋንታ ዝረኽበሉ መንገዲ'ኳ እንተፈተነ ኣይሰለጦን።

'ካብ ሃገር ምውጻእ' ዝብል ሓሳብ ከኣ ከም ኣማራጺ መጽኦ።

"ተስፋ ምቝራጽ ዘበገሶ ነዊሕ ከይሓሰብክሉ ህዉኽ ሰጕምቲ ወሲደ፣ ኣብ ወርሒ ሸውዓት 2014 ናብ ኢትዮጵያ ሰጊረ" ይብል።

ዶብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት እንዳቡጉና፣ ካብኡ ኸኣ ናብ ሕጻጽ ኣተወ።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጉያ ከምዘየቋረጸ እዩ ዘዘንቱ፤ ንግሆ ተሲኡ ብስሩዕ ልምምድ ይገብር ነይሩ። እንተዀነ እቲ ልምምድ'ዩ ስሩዕ ነይሩ'ምበር ንኣትለት ዝኸውን ስሩዕ መግቢ ግን ኣይነበረን።

ኣብ ሃሩር ዘለዎ ቦታ ብርቱዕ ልምምድን ዘይእኹል መግብን ከኣ ብተደጋጋሚ ዓሶ ንኽሓምም ምኽንያት ኰይኑ።

'ኣዲስ ኣበባ እንተኸይደ'የ ነዚ ሞያ ክቕጽሎ ዝኽእል' ኢሉ ስለዝሓሰበ ከኣ፡ በቲ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝፈቕዶ መስርሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቀይሩ።

ተስፋይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ'ውን ልምምዳቱ ኣየቋረጸን።

ተስፋይ ደሳለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ኣትለቲክስ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ውድድሩ ኣብ 27 ምያዝያ 2014 ከምዘካየደ'ዩ ዘርኢ

ምንጪ ስእሊ, Tesfay Desale

መግለጺ ስእሊ, ተስፋይ ደሳለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ኣትለቲክስ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ውድድሩ ኣብ 27 ምያዝያ 2014 ከምዘካየደ'ዩ ዘርኢ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ከምዚ እዋን'ዩ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ወጥሪ ሃዲኡ ተዛማዲ ሰላም ተፈጢሩ፣ ሰብ ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ክመላለስ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ'ውን ልምምዳት ንኽገብር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሸሉ ኣብ ናይ ልምምድ ቦታ ከምዝተራኸቡ ተስፋይ ይዝክር።

"ምስ ዘርእሰናይን ምስ ቀነኒሳ በቀለን ኣብ ጃንሜዳ ልምምድ ይገብር ነይረ" ብምባል ከኣ ብዛዕባ'ቲ እዋን የዘንቱ።

"ዘርእሰናይ 'ክትወጽእ ኣይነበረካን ተጋጊኻ' እዩ ዝብለኒ ነይሩ፣ 'ኣትለት ኴንካ ካብ ዓዲ ወጺእካ ክትዓቢ ኣጸጋሚ እዩ' ኢሉኒ፤ ሓቁ ድማ'ዩ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ብምባል ንሱ'ውን ኣብዚ ሰዓት እዚ ኰይኑ ክሓስቦ እንከሎ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከምዘይነበሮ'ዩ ዝድምድም።

"ንድሕሪት ዘየብል ነገር ሒዙኒ'ምበር ኣነስ ተጣዒሰ ክምለስ'ዩ ነይሩ፣ ምስ ዓቕመይ'የ ዘለኹ ካብዞም ሕጂ'ውን ዝወዳደሩ ዘለዉ ኣይምሰነፍኩን" ብምባል ከኣ ኣብ ህሉው ዓቕሙ ከም ዝተኣማመን'ዩ ዝሕብር።

"ኣብ ኤርትራ ፓስፖርት ኣብ ኢድካ ስለዘይህቡኻን ፓስፖርተይ ኣብ ኤርትራ ሓዲገዮ ምውጸአይ'ዩ ሃስዩኒ'ምበር ኣብ ግዜኡ ናብ ብዙሓት ሃገራት ከእትወኒ ዝኽእል ቪዛታት ነይሩዎ'ዩ፤ ሕጂ ግን ጻዕዳ ወረቐት ስደተኛ ሒዝካ ናበይ ክትገይሽ ትኽእል!?" ብምባል ንዘለዎ ጸገማት ይሕብር።

ፖስፖርት ናይ ኤርትራ ከውጽእ'ውን ዘይሓሰቦ ኣይኰነን፤ እንተዀነ እቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ ናብራኡ፡ ነተን ንፓስፖርት መኽፈሊ ዝዀና ገንዘብ ከዋህልል'ውን ከም ዘይተኣኻኸለሉ እዩ ዘዕልል።

ተስፋይ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ብፍላይ ከኣ ካብ መዓስከር ሕጻጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ'ውን ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ዝገብሮ ልምምድ፡ ሓንሳብ ንበይኑ ሓንሳብ ምስ ካልኣዩ ገዛ ተኻርዩ'ዩ ዝነብር።

ንኽራይ ገዛ፡ ንመግቡን ካልእ ወጻኢታቱን ንምሽፋን ዝረኸቦ እናሰረሐ'ዩ ዝሓልፎ።

"ሕብሪ ዝልከ ገዛ እንተረኺበ እለኪ፣ ዝራገፍ ንብረት እንተረኺበ የራግፍ፡ ዝድለል እንተረኺበ'ውን እድልል፤ ናይ ሓራጅ [ሰልባጅ] ክዳን ገዚአ ይሸይጥ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዛ እንዳ ሊስትሮ [መወልወሊ ጫማ] ስለዝረኸብኩ ኣብኣ ይወፍር ኣለኹ" ብምባል ንህይወት ንምስዓር ኵሉ ነገር ይፍትን ምህላዉ'ዩ ዝገልጽ።

ተስፋይ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሕልመይ ዝብሎ ውድድር ኣትለቲክስ ናይ ምምላስ ተስፋኡ ስለዘይተጸንቀቐ'ዩ ብተስፋ ዝጽዕር ዘሎ።

"ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ'የ ኣብ ስሉልታን ኣብ ጃንሜዳን ልምምድ ዝገብር፣ እዚ ብቕዓተይ ንኸይወርድ ወይ ካብዚ ዘለዎ ንክብርኽ ስለዝሕግዘኒ'የ ፈጺመ ዘየብኵር። ከም ብዓል ኣትለት ሳሙኤል ጸጋይ ዝኣመሰሉ ብሞራል ኣጆኻ ዝብሉኒ ሰባት'ውን ይረከብ ኣለኹ።"

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ንልምምድ ክጥዕመኒ ኢለ ኣብ ፈረንሳይ ለጋስዮን ኣብ ዝብሃል ጫፍ ናይ ኣዲስ ኣበባ'የ ተኻርየ ዘለኹ" ብምባል ኣብ ልምምድ ምስ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣትለታት ኢትዮጵያ ከም ዝራኸብ፡ ንሶም'ውን ንምንታይ ኢና ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዘይንርእየካ ኢሎም ከም ዝሓትዎ'ዩ ዝገልጽ።

ተሰፋይ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት'ዩ ልምምድ ዝገብር፡ ካብቲ መንበሪኡ ናብታ ልስትሮ ዝሰርሓላ ቦታ ዘሎ ራሕቂ ነዊሕ ብምዃኑ፡ ኣብታን ንልምምድ ዝወጽኣለን ሰለስተ መዓልታት ነታ እንዳ ልስትሮ ካልእ ሰብ'ዩ ዝውዕላ።

ተስፋይ ደሳለ [ኣብ ቅድሚት ዘሎ] ምስ  ስሙያት ኣትሌታት ውድድር ኣናኣካየደ

ምንጪ ስእሊ, Tesfay Desale

መግለጺ ስእሊ, ተስፋይ ደሳለ [ኣብ ቅድሚት ዘሎ] ምስ ስሙያት ኣትሌታት ውድድር ኣናኣካየደ

ንዝነበሮ ብቕዓትን ሕጂ ንዘለዎ ኵነታትን ብምዝማድ ከኣ "ዝቕድሞም ዝቕድሙኒ መወዳድርተይ ኣብ ዓበይቲ ውድድር ክርእዮም እንከለኹ ብዕድለይ እሓዝን፤ ግን ክሳብ መወዳእታ እታ ንዓይ ትኸውን ዕድል ዝረክብ ከኣ ብቕዓተይ ክሕሉ ስለዘለኒ ኣበርቲዐ እጽዕር ኣለኹ" ይብል።

ወሲኹ፡ "ዓቕሊ ብዘይምግባር ናብ ኢትዮጵያ ብምውጸአይ'ዩ ናይ ኣትለቲክስ ሂወተይ ተበላሽዩ፡ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ክበጽሓሉ ዝኽእል ዕደልሲ ነይሩ'ዩ፣ ብሕጂ'ውን ኣሎ ኢለ'የ ዝኣመን፡" ብምባል ተስፋኡ የረድእ።

"ኣብ ህይወት ክትወድቕ ዘሎ'ዩ፡ ካብቲ ዝወደቕካሉ ንኽትትስእ ፍሒት ዘይትብል እንተዄንካ'ዩ እቲ ጸገም፡ ኣነ ኸኣ ነዚ ንምስዓር ለይትን መዓልትን ይጽዕር ኣለኹ፣ ኣጆኻ ዝብለካ ጸግዒ ዝዀነካ ጎኒ ዝዀነካ ሰብ ከኣ ኣገዳሲ'ዩ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ምስ ዝዀነት ጋንታ ክወዳደር ድሉው'የ፣ ብውልቀይ ይወዳደር'የ፡ ሰነዳት ዘይብልካ፡ ፖስፖርት ዘይብልካ ግን ኣብ ዝዀነ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ ኣይትኽእል ኢኻ" ይብል ተስፋይ።

እቲ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ከም ብዓል ጣልያን፡ ብራዚልን ብሩንድን ዝጎየየ፡ ንዝሓሸ መጻኢ ብምምዕዳው ስራሕ ኒስትሮ እናሰረሐ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ንዝዀነ ውድድር ድሉው ክገብሮ ዝኽእል ብቕዓት ንምውናንን ንምዕቃብን ከኣ ይጽዕር ኣሎ።

እተን ዝጎደላኦ ነገራት እንተ ተማሊአን ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ዓለማዊ መድረኽ ክንርእዮ ከምእንኽእል ከኣ ብርእሰ ተኣማንነት ብምግላጽ'ዩ ተፋንዩና።

ኣብ ወዳማይ ስእሊ ኣትሌት ስእሊ [ካብ የማን ካልኣይ ኣብ ድሕሪት ዘሎ] ምስ ብዓል ዘርእሰናይ ታደሰ ልምምድ እናኣካየደ

ምንጪ ስእሊ, Tesfay Desale

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወዳማይ ስእሊ ኣትሌት ስእሊ [ካብ የማን ካልኣይ ኣብ ድሕሪት ዘሎ] ምስ ብዓል ዘርእሰናይ ታደሰ ልምምድ እናኣካየደ