ኤርትራ - ኢትዮጵያ፡ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝደሊ ተገሊጹ

ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ዋሕዲ መኣዛታት ዘጋጠሞም ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ዋሕዲ መኣዛታት ዘጋጠሞም ህጻናት
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ጽልዋታት ኲናት ዩክረይን ኢራንን ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ጥሜት ኣብቲ ዞባ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ሚልዮን ሰባት ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንምቕራብ ዓቕሚ ክስእኑ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝርከብ የገንዝብ።

ውድብ ሕርሻን መግብን (FAO) ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ትካላት ብምልፋን ዘውጽኦ "ኵነታት ውሕስነት መግብን ስነ-መግብን ኣብ ዓለም - 2026" (SOFI 2026) ዝተሰምየ ጸብጻብ፡ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ንእስያ ብምብላጽ ብዝሒ ብጥሜት ዝጥቅዑ ሰባት ዝርከቡላ ኣህጉር ኰይና ምህላዋ የጠንቅቕ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ 'ዓወት ስርናይ'ን ከቢድ ናህሪ ዋጋን

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ቍጠባዊ ጸገማት ንጥዕና ዝኸውን መግቢ ንምዕዳግ ዝለዓለ ብድሆ ዝገጠመን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይና ትጥቀስ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ 2023-2025 ኣስታት 79.4 ሚልዮን ሰባት ማእከላይ ወይ ከቢድ ስእነት መግቢ ኣጋጢምዎም። እዚ ግምት ናይዚ ጸብጻብ'ዚ ግን ነታ ብሰንኪ ኲናት ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ኣየጠቓልልን።

ዋጋ ድዅዒ ብሰለስተ ዕጽፊ ምውሳኹ ንፍርያት ሕርሻ ከም ዝጸለዎ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሰብ ንጥዕና ዝኸውን መግቢ ንምዕዳግ ኣብ መዓልቲ 4.75 ዶላር የድልዮ፤ እዚ ድማ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ኬንያ፡ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዝለዓለ እዩ፡" ክብል የገንዝብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመደብ "ልምዓት ስርናይ ብመስኖ" ዓቢ ፍርያት ብምምዝጋብ ካብ ሓገዝ መግቢ ናጻ ንምዃን ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝተገብረ ምውራድ ተመን ባጤራ ግን ንዋጋ መሰረታዊ መግብታት ንላዕሊ ሰቒልዎ ይርከብ።

ጸብጻብ መርበብ ስርዓታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ጥሜት (FEWS NET) ከም ዝሓበሮ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ መግቢ ምስቲ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ድዅዒ ተደሚሩ፡ ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንመብዛሕትኡ ተራ ዜጋ ሕልሚ ገይርዎ ኣሎ።"

ኤርትራ፡ ብድሆታት ስነ-መግቢ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ስነ-መግቢ (Nutrition)፡ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የገንዝብ።

ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝሰዓበ "ምድንጓይ ዕብየት" ኣብ 2024 ኣስታት 48 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ማእከላይ ገምጋም ብዝለዓለ ደረጃ ኣሰካፊ ኰይኑ ይርከብ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ 15.2 ሚእታዊት ህጻናት ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተራእየ ስእነት መኣዛዊ መግቢ፡ ካብቲ ምስ ቍመቶም ክመጣጠን ዝግባእ ክብደት ኣካላት ንታሕቲ ኰይኖም ኣለዉ።

ብኣንጻር'ዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ምዕዳል መመላእታ መድሓኒት ሓጺን ንነብሰጾራት ኣደታት ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ኣርእያ እያ።

ኣስታት 68.7 ሚእታዊት ነብሶጾራት ኣደታት ኤርትራ ነዚ መድሓኒት እዚ ይወስዳ ምህላወን፡ እታ ሃገር ንሸቶታት 2030 ንምውቃዕ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዘመልክት እዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፡ "ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ሕጽረት ደም ኣደታትን ጸባ ጡብ ኣደን ዘመዝገበቶ ስታቲስቲክስ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዉ ዝለዓሉ ኰይኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ቍጠባዊ ጸገማት ዝመጽእ ሕጽረት ስነ-መግቢ ንምምካት ከም ዝሕግዝ፡" ተገሊጹ።

ወኪል ኤርትራ ኣብ መበል 20 ህጹጽ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ ጸብጻብ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝግበር ሕርሲ ካብ 73% ናብ 85% ክብ ምባሉን ሞት ኣደታት ድማ ካብ ዝነበሮ 291 ናብ 184 ክወርድ ከም ዝኸኣለን ገሊጹ።

ዕዳጋ እኽሊ ኣብ ኣስመራ - ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ እኽሊ ኣብ ኣስመራ - ኤርትራ

ሱዳን፡ ተሓታትነት ጥሜትን ዞባዊ ስግኣትን

ኣብ ሱዳን ዝቐጽል ዘሎ ኲናት፡ ነቲ ዞባዊ ጉዳይ ውሕስነት መግቢ ናብ ጥርዙ ሰቒልዎ ኣሎ።

ኣብ 2025 ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜን ዳርፉርን ካርቱምን "ጥሜት"ብወግዒ ከም ዝተረጋገጸ እቲ ጸብጻብ የገንዝብ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ጸገም ብምእማን፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ይዓናቕፉ ምህላዎም ይኸስስ።

እቲ ጸብጻብ፡ "ኣብ ሱዳን ጥሜት ባህርያዊ ሓደጋ ዘይኰነስ፡ ውጽኢት እቲ ንትሕተ-ቕርጺ ሕርሻ ዘባደመ ግጭት እዩ፡" ይብል።

ዋጋ መሰረታዊ መግብታት ከም ዕፉን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዕጽፊ ምውሳኹ ድማ ነቲ ቅልውላው ተወሳኺ ጾር ኰይኑ ኣሎ።

ዞባዊ ምስሊ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ

ብሓፈሻዊ ስእሊ ክርአ ከሎ፡ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ንእስያ ብምብላጽ፡ ዝለዓለ ብዝሒ ጥሙያት ሰባት ዝርከቡላ ኣህጉር ኰይና ኣላ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ልዕሊ 62 ሚእታዊት ህዝቢ ብማእከላይ ወይ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቐ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ገምጋም ብዕጽፊ ዝለዓለ እዩ።

ኢጋድ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ጥሜት ንምጥፋእ ሓባራዊ ዕዳጋን ስግረ-ዶባዊ ንግድን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መወዳእታ፡ "ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው መግቢ፡ ስሩዕን ዝተወሃሃደን ኣህጉራዊ ደገፍ እንተ ዘይረኺቡ፡ ነቲ ን2030 ዝተቐመጠ ጥሜት ናይ ምጥፋእ ሸቶ ንምውቃዕ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ እዩ፡" ክብል ደምዲሙ።