ኣብ ሓደ መዓልቲ 49,000 ስደተኛታት ዝኣተውላ ከተማ

ኣብ ደንደስ ባሕሪ ሓያሎ ሰባት ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ኣስታት 49,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ብባሕርን መሬትን ተሳጊሮም ናብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ስጳኛዊት ግዝኣት ሰታ ከም ዝኣተዉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታትን ኣሳእልን፡ ትማሊ ሓሙስ ኣሽሓት ሰባት ሓንቢሶም ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከለዉ ይርኣዩ፤ ጸብጻባት ውሽጢ ሃገር ከም ዘመልክትዎ ድማ እቲ ምስጋር ስደተኛታት ምሉእ ለይቲ ክቕጽል ሓዲሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናብታ ግዝኣት ንምእታው ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ እንተ ወሓደ 18 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

እዚ ገዚፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስጳኛ ኣብዚ ወርሒ እዚ፡ እቶም ናብ ሰታ ወይ ናብታ ካልእ ስጳኛዊት ግዝኣት ዝዀነት መሊላ ክኣትዉ ከለዉ ኣብ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ብኡንብኡ ናብ ሞሮኮ ክምለሱ ከም ዘይብሎም ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰበስልጣን፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ብምውሳኹ ንመንግስቲ ስጳኛ ሓገዝ ክሓትቱ ጸኒሖም እዮም።

ይዅን'ምበር፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ዶብ ዝነበረ ቍጽጽር ብምፍራሱ ናይ ሕንፍሽፍሽ ኵነታት ተራእዩ ነይሩ።

ስጳኛ ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ ሰራዊታ ናብ ሰታን ናብታ ጐረቤታ ዝዀነት መሊላን ኣዋፊራ ኣላ። ኣብ መሊላ ጥራይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝዀኑ ስደተኛታት ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

እቲ ብሰበስልጣን ስጳኛ ዝቐረበ ኣገራሚ ግምት ከም ዘመልክቶ፡ እዞም ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ካብ ፍርቂ ህዝቢ እታ ከተማ ንላዕሊ እዮም።

ስጳኛ ሰራዊታ ናብ ዶባት ኣጸጊዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስጳኛ ሰራዊታ ናብ ዶባት ኣዋፊራ

ብመሰረት ናይ መወዳእታ ቈጸራ-ህዝቢ ጸብጻባት፡ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሰታ ኣስታት 83,600 እዩ። ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም ኣስታት 7,000 ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ፡ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ግዝኣቱ ዝኣተዉ ሰባት፡ "ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም" ናብ ሞሮኮ ዝምለስሉ ኵነታት ንምጥጣሕ ምስ ሰበስልጣን ሞሮኮ ይዘራረብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እዚ ወግዓዊ ግምት ልክዕ እንተዀይኑ፡ ካብ ግንቦት 2021 ንደሓር ኣብ ሰታ ዝተራእየ ዝለዓለ ዋሕዚ ስደተኛታት እዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ልዕሊ 10,000 ሰባት ናብታ ከተማ ምእታዎም ይዝከር።

ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ሎሚ ዓርቢ ንድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ሰታ ዑደት ክገብር ትጽቢት ይግበር።

ሞሮኮን ስጳኛን ዘርኢ ካርታ